Tesfa Berakhi - Remembrance of his imprisonments Print E-mail
By ሓቀኛ ታሪኽ ብተስፉ በራኺ - Jun 27, 2006   

ካብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓለም ባቃ (1 ክፋል)
ሓቀኛ ታሪኽ ብተስፉ በራኺ

መእተዊ

ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ?ዚ ጽሑፍ?ዚ፡ ህዝብና ሃገራዊ ነጻነቱን መሰሉን ሰብኣዊ ክብሩን ንምርግጋጽ ክብል፡ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ከምዝኸፈለ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኰነን።

ይኹን?ምበር፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዘይካ ሃገራዊ ነጻነተ-መሬት ካልእ ዝተረጋገጸ ነገር የልቦን።

እኳ ደኣ፡ ህዝብና ካብ ናይ ቀደም ገዛእቲ ብዝገደደ ኣብ ኣደራዕ?ዩ ዘሎ።

ህዝብና ብህግደፍ ንምንታይ ይጭቆን አሎ ? ኤረትራ ሃገርና ካብ ናይ ሓርነት ቃለሲ፡ ናብ ቤት ማእስረቲ ተቐይራ አላ !! ሰለምንታይ?

ተቓወምቲ ውድባት?ውን እንተዀነ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኢና ንቃለስ ዘለና ይብላ።

ብፍላይ እተን ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ን15 ዓመት ዝኣክል ዘምጽእኦ ለውጢ የለን። ስለምንታይ? ንምንታይ ድሌት ህዝቢ ዘየዓወታ? ብዘይዝዀነ ይኹን ሕብእብእ ንምግላጽ ክፍትን እየ።

ህግደፍ ይኹን ተቓወምቲ ውድባት ህዝቢ ! ህዝቢ ! ህዝቢ !! ይብላ፡ ካብ ኩለን ግን ህዝብና መስተርሆት ኣይረኸበን።

እዚ ዘቕረቦ ዘለኹ ጽሑፍ ናተይ ባዕላዊ ርእይቶን ሚዛንን እምበር። ንዝዀነ ይኹን ውድብ ኣይውክልን ኣይተሓሓዝን?ውን።

ኣብ ቀንዲ ትሕዝቶይ ቅድሚ ምእታወይ ግን ናይ ቃለሲ ድሕሪ ባይታይን፡ ናተይ ናይ 11 ዓመትን 4 ወርሕን ማእሰርቲ ንሓርነት ብግዜ ደርግን፡ ብሓጺሩ ክግለጽ ክፍትን ኢየ።

እዚ ክብል ክሎኹ ግን ንማእሰርተይ ክብደት ሂበ ዘይኮነ ከም ታሪኽ ንምዝካሩ ጥራይ ኢየ።

ምስ?ቲ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ስቓይ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ፡ ምስቶም ንሃገርዊ ክብሪ ክብሉ ህይወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ፡ ከወዳድሮ ከለኹ፡ ከኣ ካብ ሓደ ዝዓበየ ጎቦ፡ ካብ ፍረ ጣፍ ትደቅቕ ምዃኑ ኣይክሕድን።

በዚ ኣጋጣሚ?ዚ፡ ከኣ ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽርን ንኹሎም ጀጋኑ ስዉኣትና እብል።

አነ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ክጋደል እንከለኹ፡ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ (ደቡብ፣ ጉሕጭዓን ተኸላን ኣብ ዝበሃል ቦታታት፡ ኣብ ግንባር ቁ.2 ኣባል ናይ?ቲ ምምሕዳርን፡ ሓላፊ ምጣኔ-ሃብቲ ቤት-ጽሕፈትን ኰይነ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን) ኣብ ወረዳ ደቡብ፡ ዓዲ ሽብጢ ዝተባህለ ዓዲ፡ ብ04-02-1980 ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቐ።

ከምኡ?ውን ታወቀ በርሀን ሳራ ምስጉንን ዝተባህሉ ተጋደልቲ (ታወቀ ሓኪም ናይ?ቲ ግንባር፡ ሳራ ከኣ ኣባል ናይ ማሕበር ደቅንስትዮ ናይ?ቲ ግንባር ዝነበረት?ያ፡ ሳራ ከቢድ መውጋእቲ እዩ ወርዱዋ፡ ብቐጥታ ንኣስመራ ወሲዶም ኣሕኪሞማ፡ ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐት ኣውን ረኺበያ ኔረ፡ ንሳ ኣዝያ ተራርን ውፍይትን ዝነበረት ተጋዳሊት?ያ)። ሽዑ መዓልቲ ወተሃደራት ደርጊ ብዘሕዝን መልክዑ፡ ኣብ ዓዲ ጋዉልን ኣብ ጉመሮን 58 ገዛውቲ ኣንዲዶም።

ንዓዲ ሽብጢ ድማ ከንድድዋ ላምባ ሒዞም ኔሮም። ኣብ ቅድመይ ንምንዳዳ ክዛራረቡ እንከለዉ፡ ሓደ ትውልዱ ኣውራጃ ራያ-ዓዘቦ ዝዀነ ትግራዋይ ሻምበል፡ ነቲ ሻለቃ ቅድሚ ምንዳድና ነዚ ሰብ ዘይነዛራርቦ በሎ። ብድሕሪ?ዚ ክልቲኦም "እዚ ህዝቢ?ዚ ደጋፊኹም?ዩ ስለ?ዚ እዛ ዓዲ ከነንድዳ ኢና" በሉኒ።

ኣነ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ብረት ዝሓዙ ሰባት ምንም ክገብር ኣይክእልን?ዩ፡ ኣገዲድና ኢና ንእዝዞ እምበር ንዓና ኣይፈትወናን?ዩ፡ ገዝኡ እንድሕሪ ኣንዲድኩሞ ግን፡ ጸላኢኹም ብምዃን ኣብ ጐድኒ ጀብሃ ደው ክብል?ዩ፡ በልኩዎም።

ብድሕሪ?ዚ፡ እቲ ትግራዋይ ሻምበል፡ ነቲ ሻለቃ ሓቁ?ዩ፡ ገዛ ምንዳድ ንዓና ኣይጠቕመናን?ዩ፡ በሎ። እቲ ሻለቃ ድማ፡ ንኮሎኔል ሑሰን ኣሕመድ (ድሓር ሜጀር ጀነራልን ኣዛዚ ናይ?ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊትን ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ንስዑዲ ዝሃደመን ሕጂ ኣብ ስደት ኣብ ኣመሪካ ዘሎን) ብዛዕባ?ቲ ሓሳብ ናተይን ናይ?ቲ ሻምበልን ገለጸሉ። ኮሎኔል ሑሰን ድማ፡ እምበኣር ኣይተንድዱዋ ብምባል እታ ዓዲ ካብ ምንዳድ ድሓነት። ብድሕሪ?ዚ፡ እቲ ሻምበል ብ1988 ተኣሲሩ ኣብ ዓለምበቃኝ ተራኺብና በቲ ዝገበሮ ቁምነገር ከኣ ኣመስጊነዮ።

ሰራዊት ደርጊ፡ ንዓይ ድሕሪ መሓዞም፡ ሒዞሙኒ ንመንደፈራ መጹ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ፡ ንህዝቢ ናይ?ቲ ከተማ ኣከቡዎ። ብድሕሪ?ዚ፡ እቶም ካድራት ህዝቢ ኣኪብና ኣሎና ንስኻ ከኣ፡ ብዛዕባ ናይ ውንብዴ ክስረታት ክትገልጽ ኢኻ በሉኒ። ብሰንኪ?ዚ ኣብ መንጎ እቶም ካድራትን ኣብ መንጎ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ማለት ኮሎኔል ሑሰን ኣሕመድን ኮሎኔል ለገሰ ኣበጀን (ድሓር ብሪጋዴር ጀነራልን ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት 16ን፡ ብ1989 ኣብ ኣኽሱም ብሰራዊት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዝተቐትለ)፡ ዘይምስምማዕ ተፈጥረ።

እቶም ኮሎኔላት እዚ ሰብ?ዚ ኣብ ህዝቢ ወሲድኩም ብዛዕባ ወንበዴታት እንታይ ክፉእ ነገር ክዛረብ ኢልኩም ትጽበዩ፡ ብምባል ተቓዉሞ ከስምዑ እንከለዉ፡ እቶም ካድራት ኣቢድና ወዲቑ፡ ኣንጻር ወንበዴታት እንተዘይተዛሪቡ ኣብኣ ይረኽባ ብምባል፡ ሒዞሙኒ ከዱ። ኮሎኔል ሑሰን ምሳኹም ኣይከይድን?የ ብምባል ክተርፍ እንከሎ፡ ኮሎኔል ለገሰ ግን፡ ኣስከ ድሌትኩም እንተ ተዓዊቱ ክርኢ እየ ብምባል፡ ምሳና ከደ። ብኡ መሰረት ድማ፡ ብመኪና ካብ?ቲ ዝነበርናዮ ቦታ ናብ?ቲ ህዝቢ ተኣኪቡሉ ዝነበረ ቦታ፡ ማለት መእከል ከተማ ከድና።

ኣብ?ቲ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ህዝቢ ግጥም ኢሉ ጸንሓና?ሞ፡ ገለ ሰባት ነጸልኦም ክሽፈኑ ረኣኹ። ገለኦም ድማ፡ ንዓይ ክርእዩ ይደፋፍኡ ኔሮም። ሽዑ ሓደ ካብ?ቶም ካድራት፡ ብኣስተርጓሚ ጌሩ፡ እዚ ናይ ወንበዴ ምሩኽ?ዩ፡ ወንበዴታት ዕላማ ዘይብሎም ሸፋቱ ምዃኖም ክነግረኩም?ዩ፡ ስለ?ዚ ስምዑዎ በሎም። ንዓይ ድማ፡ ንኽዛረብ ናብ?ቲ መድረኽ ወሰደኒ። ሽዑ ናይ ካሜራታት ብልጭታ ኣዒንተይ ክሳብ ዕውዝውዝ ዝብለኒ ብዘይዕርፍቲ ቀጸለ።

ኣብ?ቲ መድረኽ፡ ዘረባይ ቅድሚ ምጅማረይ ነቲ ኣኼበኛ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ገለ ኣውርሓን ተጋደልቲ ኣብ?ዚ ኔሮም?ዮም፡ ተጋደልቲ ጽቡቕ ጌርኩም ትፈልጡ ኢኹም። ስለ?ዚ ንዓይ ብምርኣይ ካብ ትድንግጹን ትሓስቡን እቲ ዝብሎ ዘረባ ሰሚዕኩም ነቲ ቃልሲ ኣብ መዛዘሚኡ ንኸተብጽሑዎ ሓደራ፡ እብል፡ በኣይ ግን ፈጺምኩም ኣይትሕዘኑ እብሎም። ብድሕሪ?ዚ ዘረባይ እጅምር?ሞ፡ ኩነታት ቃልስና ብሰፊሕ ክትንትን እጅምር፡ ብረት ንምንታይ ኣልዒልና መሰልና በየናይ መንገዲ ተመንዚዑ ኣማስያኡ ድማ ንደርጊ ክንስዕሮ ኢና ዝብሉ ዘረባታት ምስ ተዛረብኩ፡ ገጽ ናይ?ቲ ኣኼበኛ ክበርህ ጀመረ።

እቲ ዘረባ ኣንዳተረረ ምስ ከደ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ናይ?ቲ መንግስቲ፡ ንሕና ክሳራ ናይ ወንበዴ ኢና ተዛረብ ዝበልንካ እምበር ንህዝቢ ኣወናብድ ኣይበልናካን ብምባል ዘረባይ ደው ንኸብል ኣገደደኒ። ንምንታይ ደው ከምዘበለኒ ድማ፡ ነቶም ካድራት ነገሮም። ሽዑ ኮሎኔል ለገሰ ኢልናኩም ኔርና ኣይሰማዕኩምናን ብምባል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ነነሕድሕዶም ተጨቓጨቑ። ኣብ ልዕለይ ድማ ዘይተኣደነ ጸርፍታት ወረደ።

ኣብ ሂወተይ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ብቓልሲ ዝተሓበንኩላ ከቶ የላን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ንህዝበይ ብዘይዝዀነ ይኹን ፍርሒ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብትብዓት ስለ ዝገለጽኩ (ብዛዕባ?ዚ ዝጠራጠር ሰብ እንተሎ፡ ሽዑ ኣብኡ ዝነበረ ተቐማጣይ ከተማ መንደፈራ ስለ ዝፈልጥ ከረጋግጽ እጠልቦ)።

ብድሕሪ?ዚ፡ ናብ?ቲ ቤት-ጽሕፈት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ይወስዱኒ። ሽዑ እቶም ካድራት ክቕተል ኣለዎ ይብሉ። ኮሎኔል ሑሰንን ኮሎኔል ለገሰን ንሕና ዝተማረኸ ሰብ ቅተሉ ዝብል ትእዛዝ የብልናን፡ ግደፉ እንዳበልናኩም ኢኹም ወሲድኩሞ፡ ብምባል ካብ ቅትለት ኣድሓኑኒ።

ካብ ጀብሃ ቅድሜና ዝተታሕዙ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓለንስተይትን ኣብ መንደፈራ ኣብ?ቲ ናይ ወተሃደራት ካምፕ ቀኒዮም?ዮም። ብድሕሪ?ኡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ወሲዶም ኣብ ሸላ እእተዉኒ።

ነቶም ቅድመና ዝተታሕዙ ኣወዳት ካብ?ቲ ዝቐነይሉ ካምፕ፡ ከምኡ?ውን ንታወቀን ምሳይ ወሲዶሞም?ዮም ብሓንሳብ ኢና ድማ ኣብ?ቲ ሸላ ዝሓደርና። ሓላፊ ናይ?ቲ ቤት-ማእሰርቲ ሻምበል ባሻ ኢብራሂም እበሃል ሳሆ ኢየ፡ ኣጆኻ ይብለኒ። ናይ ሻምበል ባሻ ኢብራሂም ድፍረትን ጽንዓትን ካብ ሕልናይ ዛጊት ኣይወጸን ብጣዕሚ ድማ ከምሰግኖ እፈቱ።

ብድሕሪ?ዚ፡ ካብ ህዝቢ መንደፈራ መግቢ ዝመልአ ስልጣናያታትን ሻሂ ዝመልአ ቴርሙሳትን ከምኡ?ውን ሽጋራን ብብዝሒ ይመጸኒ፡ ድሓር እቲ ሻምበል ባሻ ንኽብርኻ እዩ ዝመጸካ ዘሎ፡ ንዘይትበልዕዎ ይኣክል እንተበልኩዎም ይሓይሽ ይብለኒ። ኣነ ድማ፡ ሓቅኻ የቐንየለይ ኢሉኩም ኢልካ ምለሶ እብሎ። ጸኒሑ፡ ካብ ሓደ ዜጋ ሽዱሽተ ሜትሮ ኣቡ-ጀዲድ ነጸላ ይመጸኒ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ መንደፈራ ከይርዓደን ከይተሸበረን ንዝገበረለይ ቁምነገርን፡ ንዘርኣዮ ሕውነታዊ ፍቕርን ኩሉ ፡ ብልቢ የመስግን።

አብ ቤት ማእስረቲ ሰምበል ኣሰመራ

ንጽባሒቱ፡ ዕለት 05-02-1980፡ ኮሎኔል ሑሰን ሓደጋ ንኸይገጥመካ ባዕለይ እየ ዝወስደካ ብምባል፡ ባዕሉ ንሸውዓቴና ነስመራ ሒዙና ይኸይድ። ነቶም ሹዱሽተ ብጾት ብቕጥታ ናብ ቃኘው (ሰሜን እዝ) ይሰዶም።

ንዓይ ግን፡ ናብ መደበር 14 ክፈለ-ሰራዊት (ኤክስፖ) ሒዙኒ ይኸይድ። ኣብኡ ምስ ኣተኹ ኣብ?ቲ መንደቕ፡ ይፈለጋሉ (ይድለዩ) ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፎቶግራፋት ናይ ኣሕመድ ናስር፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፣ ኢብራሂም ቶቲል?ወዘተ፡ ተለጢፉ እርኢ። ኮሎኔል ሑሰን ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ጸዊዑ ኩነታት ኣሰላልፋይ ይሓተኒ። ኣነ ድማ፡ እንገሮ። ኣብ መወዳእታ፡ በረኻ ምኻድካ የጣዕሰካ?ዶ? ዝብል ሕቶ የቕርበለይ። ኣነ ከኣ፡ የሐጉሰኒ?ባ እብሎ። ብድሕሪኡ፡ ብሓሽሽ ኣዕቢዶምኹም እንድዮም፡ እንታይ ክትገብሩ መሳኪን ቀልዑ፡ ንስኻስ መተመሃርካ?ምበር ጠበንጃ?ዶ ምሓዝካ ይብለኒ።

ብድሒር፡ዚ ካብ መንበሩ ብሃንደብት ብድድ ይብል?ሞ ኣብ?ቲ ዘለናዮ ክፍሊ ኔው-ነጀው ክብል ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ፡ ካብ ግንባር ቁ.4 (ኣብ ኣውራጃ ሰራየ) ሰሊሙ ዝነበረ ማሕሙድ ዝበሃል ሰብ ማዕጾ ኳሕኲሑ ይኣቱ። ብዛዕባይ ድማ፡ ነቲ ኮሎኔል ሕማቕ ዘረባታት ይዛረቦ። ንዓይ ድማ፡ ንምንታይ ኣነ ምስ ሰለምኩ ዘይትስልም? ይብለኒ። ኣነ ከኣ፡ ከማኻ ከዳዕ ኣይኰንኩን እብሎ። ማሕሙድ በዚ ሓሪቑ፡ ንሕሴን እዚ ቀንዲ ወንበዴ እዩ፡ ህዝቢ ሰሰቢኹ ንኽንደይ መንእሰያት ናብ ውንብድና ዝሰደደ እዩ፡ ይብሎ።

ኣነ ድማ፡ እወ እታ ትመጽእ ሞት?ያ ንስኻ?ውን ኣይተምልጣን ኢኻ እብሎ። ድሓር እቲ ኮሎኔል ደሓን ወዲእና ኣለና ሕጂ ናብ ስራሕካ ኪድ እታ ወረቐት ሃባ ይብሎ። ማሕሙድ ነታ ወረቐት ምስ ሃቦ፡ ንዓይ ይህበኒ?ሞ፡ ኣንቢብካ ፈርም ይብለኒ። ኣነ ድማ፡ ይርእያ ይፍርመላ ድማ። ብዛዕባይ እትገልጽ ማሕሙድ ዘጽሓፋ እያ። ምስ ማሕሙድ ጽቡቕ ጌርና ስለ እንፋለጥ፡ ብዛዕባይ ዘጽሓፎ ጽሑፍ ኣዝዩ ከቢድ?ዩ ኔሩ።

ሽዑ መዓልቲ፡ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ-ቀትሪ፡ ኮሎኔል ሑሰን ሒዙኒ ንቃኘው ይኸይድ፡ እቶም ብጾተይ ድማ፡ ኣብኡ ይረኽቦም። ምስኦም ድማ፡ ይሕዉሱኒ። ሽዑ ነዓታቶም እንታይ ኢሎምኹም? እብሎም። ንሳቶም ድማ፡ ዝተማረኽናሉ ዕለትን ቦታን ሓቲቶምና እምበር ካልእ ሓንቲ ኣይበሉናን፡ ይብሉኒ።

ከባቢ ሰዓት 5፡00 ሓደ ሻለቃ ይጽወዓኒ። ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ምስኣተኹ ሽጋራ ይውልዕ፡ ንዓይ ድማ፡ ይህበኒ። ሽጋራና ክሳብ ንውድእ፡ ምንም ኣይተዛረበንን። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ጀብሃ ኣብ መንታይ ተመዲበ ከምዝነበርኩ፣ ናይ ጀብሃን ናይ ሻዕብያን ጽልኢ፣ ጀብሃ እትውንኖ ኣጽዋር፣ኣስማት መራሕቲ ጀብሃ?ወዘተ፡ ይሓተኒ። ኣነ ድማ ገለገለ መልስታት እህቦ። ብመልሰይ ድማ፡ ጸርጸር ይብል?ሞ ሽጉጡ የውጽእ። ሽዑ ኣነ ይሓርቕ (መቸም ክቐትሉኒ እዮም ዝብል ሓሳብ ጥራይ ኣብ ኣእምሮይ ስለ ዝነበረ) እሞ፡ ከምትቐትለኒ እፈልጥ?የ፡ ኣብ?ዚ ግን ስሚንቶኻ ከይበላሾ ኣይትቐትለንን ኢኻ፡ እብሎ።

ብዙሕ ድማ ጸርጸር ይብል፡ ኤርትራ ንዓረብ፣ ኤርትራ ንዓረብ ትብል ዘረባ ድማ፡ መውጽኢ ኣፉ ገበራ። ሽዑ ብሃንደበት ማሕሙድ ደበኽ ይብል። ነቲ ሻለቃ ድማ፡ ከምታ ነቲ ኮሎኔል ዝበሎ ይብሎ። እቲ ሻለቃ ከኣ፡ ክሳብ ጽሩር ዝብለኒ እጸፍዓኒ። ብድሒር?ዚ፡ ሓንቲ ወረቐት ሂቡ ፈርም ይብለኒ፡ እታ ወረቐት ምስ?ታ ቅዳሕ ናይ?ታ ኣብ ኤክስፖ ዝፈረምኩላ እያ። ኣንቢበ ይፍርመላ (ትኽሕዶን ታኣምኖን ነገር የለን፡ ምኽንያቱ፡ በቲ ሓደ መዳይ ማሕሙድ ኣሎ፡ በቲ ሓደ መዳይ ከኣ፡ ምቕታልካ ዘይተርፈካ ንምንታይ ትከራኸር ካብ ዝብል?ዩ)። ብድሒር?ዚ፡ እቲ ሻለቃ ወተሃደር ጸዊዑ፡ ናብ ብጾተይ ይወስደኒ። ምስ ብጾተይ ድማ፡ ኣብ ቃኘው ብሓባር ንሓድር።

ብ06-02-1980፡ ንግሆ ቁርሲ ይህቡና። በሊዕና ምስወዳእና ከኣ፡ እቲ ሻለቃ ሓደ ወተሃደር ሒዙ ይመጽእ?ሞ፡ ነዞም ኣወዳት ንሰምበል፡ ነዛ ጓል ከኣ፡ ንሓዝሓዝ ውሰዱዋ ኢሉ ይእዝዞ። ነታ ጓል ኣብኡ ገዲፍናያ ከኣ፡ ንሰንበል ንኸይድ።

ኣብ ሰምበል፡ 4 ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ 7 ከኣ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምሩኻት ይጸንሑና። ካብቶም ናይ ተ.ሓ.ኤ. ምሩኻት ሓደ ዝፈልጦ ስለ ዝረኸብኩ፡ ንዘራረብ ክንደይ ከምዝገበሩን ከመይ ይሓልፉዎ ከምዘለዉን፡ ከምኡ?ውን ኣስታት 300 ዝዀኑ ምሩኻት ብወርሒ ሕዳር 1979፡ ንኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ከምዝሰምዐን ይነግረኒ። ካብ?ዛ ዕለት ኣዚ?ኣ ጀሚሩ ከኣ፡ ናይ ቤት-ማእሰርቲ ናብራ ሀ ኢለ እጅምር።

ይቕጽል?..

 
< Prev   Next >



? Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written c