ሓቀኛ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ zera.php

ብ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)



ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንኣንበብቲ ከቕርቦ ካብ ዝሓስብ ዳርጋ ልዕሊ 26 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ገለ ካብቶም ተንብቡዎ ዘለኹም ኣይተወለድኩምን ኔርኩም ትኾኑ። እዚ ኣብ ሓሶት ዝተመርኰሰ ታሪኽ ብመጽሓፍ መልክዕ ክወጽእ ከሎ ድማ ዳርጋ ዝበዛሕኩም ብርግጽ ኣይተውለድኩምን ኔርኩም። ኣነ ንባዕለይ ጎመራው ዘርኣይ ደረስ ዝብል ናይ ሓሶት መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ገና ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ነይረ። እቲ ዘገርም ዳርጋ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ “ዘርኣይ ደረስ እንታይ ዝገበረ እዩ?” ኢልካ ክትሓቶ ከለኻ፡ ካብቲ ኣብ ጎመራው ዘርኣይ ደረስ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ ብዘይፍለ፡ “ኣብ ሮማ ባንዴራ ኢትዮጵያ ክትርገጽ ምስ ረኣያ ነቶም ዝረገጹዋ ኢጣልያውያን ብሴፍ ዝጐመደ ጅግና እዩ፡” ዝብል መልሲ እዩ ዝህበካ። ካልእ ዘገርም ነገር ሓደ ናቲ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኤርትራዊ ኣብ 2008 ኣብ ኣስማሪኖ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዘውርዩዎ ታሪኽ ከም ዘለዎ ብጽሑፍ ምድጋሙ እዩ። ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ ስለ ዝኾነ ጥንቃቐ ኣገዳሲ እዩ። ዝወዓለ ይንገርካ ከም ዝብሃል ድማ እቲ ሓቀና ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ከምኡ ከም ዘይነበረ ንምብራህ ካብ መሰረቱ ከዕልለኩም።

ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ንግስነቱ ንምስፍሕፋሕን ነቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝብል ፖሊስኡ ንምስፍሕፋሕን፡ ነቲ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ዝብል ናይ ኤርትራውያን መትከል ንምብራዝን፡ ኤርትራውያን ንባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰዊኦምላ ዘስምዕ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ንታሪኽ ዘርኣይ ደረስ ጠማዚዙ ከም ሕሱም ተጠቒሙሉ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ዙሓት ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን፡ “ጅግና ዘርኣይ ደረስ ዝብሃል ካብ ሃዘጋ ዝውለድ ጅግና ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኢጣልያውያን፡ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከላግጹን ከባጭዉን ምስ ረኣዮም፡ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሮ ጽኑዕ ፍቕርን እምነትን ደሙ ስለ ዝፈልሖ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሮማ ሴፉ መዚዙ ነቶም ዘባጭዉ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ክሳውዶም ክቘርጾም ውዒሉ፡” ዝብል ታሪኽ ንዓይ ወሲኽካ ከም ሓቂ’ዮም ዝወስዱዎ ነይሮም። ብፍላይ ኣብቲ ገሞራው ዘርኣይ ደረስ ዝብል ብሓደ ኢትዮጵያዊ ዝተሓትመ መጽሓፍ፡ “ሴፍ ዘርኣይ ደረስ ብክሳድ ኢጣልያውያን ክትጻወት ውዒላ፡” ዝብል መቃምምቲ’ውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ታሪኽ ኣብ ሓሶትን ናይ ፖለቲካ ሃልክን ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ፡ “እቶም ኢጣልያውያን ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ስለ ዘባጨዉ ዘይኮነስ፡ ኣብ 1937 ኣብ ሮማ ኣብ ዝተገብረ ሂትለር ከይተረፈ ዝተሳተፎ ሃገራዊ በዓል፡ ኢጣልያውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ሰሪቖም ዝወሰዱዎ፡ ኣቦታቱ ኣቦሓጎታቱን ንዘርኣይ ደረስ ዝኣምኑሉን ዘኽብሩዎን፡ ሓወልቲ ኣንበሳ ዘእመነገደ ይሁዳ ከባጨዉሉን ጡፍ ክብሉሉን ምስ ተዓዘበ፡ በታ ዘይትምሕር ሴፉ ሓሙሽተ ኢጣልያውያን ክቐትል ከሎ ብዙሓት ድማ ኣቝሲሉ፡” ዝብል ካልእ ታሪኽ’ውን ኣሎ። ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሃገረ ኢጣልያ ግን ከምዚ ዝብል ታሪኽ የሎን።

እሞኸ ደኣ እዚ ታሪኽ’ዚ ሓቂ ከም ዘይኮነ ብኸመይን መዓስን ክትፈልጥ ክኢልካ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ባህርያዊ እዩ። ኣነ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተጋዳላይ ኮይነ ኣብ ዓረርብ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንማእከልነትና ኣስመሮም ገረዝግሄር (ሓዊ ብጭር) ኣቦኡ ኣቦይ ገረዝግሄር ካብ ዓዶም ተማጅላ (ከባቢ ድባርዋ) ንወዶም ክበጽሑ ኣብ 1990 መጺኦምና ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ናይ ሓባር ምሸት ጌርና ስዋ ንሰትየሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ዓበይቲ ኣቦታትና መኽዘን ተሞክሮ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ ኣብ ዝኾነ ውራይ ምስ ሰብ ዕድመ ጽግዕ ኢለ ኮፍ ምባል’የ ዝፈቱ። ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ዕስክርና ጥልያን ከም ዝነበሩ ኣፍልጦ’ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ብዕላል ዕላል ኣብ ጕዳይ ታሪኽ ዕስክርና ጥልያን ኣልዓልና። በጋጣሚ ጕዳይ ዕስክርና ጥልያን ምስ ተላዕለ ዘገደሰኒ ታሪኽ ዑመር ሙኽታርን ጕዳይ በጦሎኒ ሰቲሞን’ዩ ነይሩ። ባሻይ ገረዝግሄር ብዛዕባ’ዚ ምስ ሓተትኩዎም ከምዚ ክብሉ መለሱለይ፡ “ኣነ ክዕስከር ከለኹ፡ ዕላማይ ከምዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ንሊብያ ክኸይድን ነቶም ቀዲሞምኒ ዝኸዱ ደቂዓድና ከርክቦምን’ዩ ነይሩ። ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስ ወዳእና ግን ኣንጻር ድሌተይ እቲ ዘመሓድረና ዝነበረ ማጆር እከለ (ስሙ ረሲዐዮ) ንዓይን ንዘርኣይን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጕብዝናና መሪጹ ንኢጣልያ ክንከይድ ምዃንና ይሕብረና። ኣዚና ሓሩቕና። ድሌትና ከም ኣሕዋትና ናብ ሊብያ ዘሚትና ባልያ ክንሰድድ’ዩ ነይሩ፡” ዘርኣይ ደረስ ዝብል ቃል ምስ ሰማዕኩ ብቕጽበት ሓደ ዓቢ ሕቶ ቅጅል ኢሉኒ። ንዘረባኦም ኣቋሪጸ ድማ፡ “ዘርኣይ ደረስ እዚ ክንደይ ኢጣልያውያን ኣብ ማእከል ኣደባባይ ሮማ ብዙሓት ኢጣልያውያን ቀቲሉን ኣቝሲሉን ዝብሃልስ ምሳኹም ነይሩ?” ክብል ተወከስኩዎም ዝያዳ ርግጸኛ መታን ክኸውን።

“ዘርኣይ ደረስ ክሳድ ኢጣልያውያን ቈሪጹ ዝበለ ደኣ መን ኮይኑ? ካብ ንዕስከር ክሳዕ ዝመውት ብሓደ ኢና ኔርና። ዘርኣይ ከኣ ንዝኾነ ሰብ ኣይቀተለን፡” ክብሉ መሊሶምለይ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ታሪኽ

ምስ ገለጽኩሎም ድማ፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ጌጋ ታሪኽ’ዩ። ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ እንተ ደሊኻ ክገልጸልካ ጽን! በል፡” ኢሎም ነዚ ዝስዕብ ታሪኽ ገሊጾምለይ።
“ኣነን ዘርኣይ ደረስን ኣብ ሮማ ምስ ኣተና ከም ተለኣኣኽቲ ኢና ንሰርሕ ኔርና። ዝያዳ መታን ክርድኣካ፡ ኣነ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ቦታ እንተ ነይረ፡ ዘርኣይ ድማ ካባይ ቍሩብ ፍንትት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ስራሕ መዓልታዊ ርክብ ኣለና፡ ብሓደ ኢና ድማ ንነብር ኔርና። ዘርኣይ ከማይ’ኳ እንተ ዘይኮነ ሰብነቱ ምሉእን ደልዳላን’ዩ ነይሩ። (ባሻይ ገረዝግሄር ኣዝዮም ጕልቡትን ደልዳላን ሰብኣይ’ዮም) ጠባዩ ግን ኣይንርኣዮ፡ ዓኮ! ኵራ ኣብዛ ኣፍንጫኡ እያ ነይራ። ኮታ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክሓርቕ እዕዘቦ ነይረ። ምናልባሽ ባህሪኡ ኮይኑ ድዩ እቲ ናፍቖት ከምኡ ይገብሮ ነይሩ ክፈልጥ ኣይክእልን። ብዝኾነ እቲ ስራሕ ቀሊል’ዩ ነቶም ኣሕሉቕና ምልእኣኽ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ጽቡቕ ንበልዕ፡ ጽቡቕ ንሰቲ ድማ ኔርና። ሓደ መዓልቲ ሓለቓኡ ዝነበረ ካፒታኖ . . . ስሙ ኣይዝክሮን ሕጂ፡ ንዘርኣይ ‘ነዛ ጉራዴን ነዛ ዋልታን ናብ እከለ ዝብሃል በዓል ስልጣን ኣብጽሓሉ’ ኢሉዎ ከም ዝገሸ ዘርኣይ ባዕሉ ሓቢሩኒ። ዘርኣይ ግን ኣብ ክንዲ ዘብጽሓ ትም ኢሉ ይቕኒ’ሞ፡ ኣነ ድማ ‘ኣንታ ዘርኣይ፡ እዚ ሰብኣይ ነዘን ንብረት ከየብጻሕካየን ደበኽ እንተ በለስ እንታይ ክትብሎ ኢኻ? በጃካ ኢለካ ዝተባሃልካዮ ግበር፡’ ኢለ እገንሖ። ንጽባሒቱ ነተን ንብረት ሒዙወን እናኸደ ከሎ ኣብ መንገዲ ሓደ ኢጣልያዊ ተኔንተ (ሓለቓ ሚእቲ) ምስ ስበይቱ ናብቲ ሽዑ ዝነበረ በዓል እናኸዱ ከለዉ የጓንፉዎ። በዓልቲቤቱ ነቲ ቴነንተ፡ ‘እውይ! እዚ ኣፍሪቃዊ እንታይ እዩ ሒዙ ዘሎ?’ ትብል ብምግራም። በዓልቤታ ድማ፡ ‘እዚ ኣፍሪቃውያን ንመዋግኢ ዝጥቀሙሉ መሳርሒታት’ዩ፡ ኣብ ውግእ በዚ እዮም ዝቃተሉ፡’ ድሕሪ ምባል ብኣካል ከርእያ ግዲ ደልዩ ንዘርኣይ፡ ‘ንዓ’ታ ኣፍሪቃዊ!’ ኢሉዎ ብዓውታ። ዘርኣይ ድማ ኣብ ክንዲ ምቕልል ኢሉ ዝቐርቦ ከም ኣመሉ መልሲ ኣይሃቦን ትዕንን ጥራይ ኢሉ፡’ ሽዑ እቲ መኰንን ክረስን ብምጅማር፡ ‘ቬኒኳ ብሩቶ ኔሮ!’ ኢሉዎ ሓይሊ ቃል ሓዊሱ። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ጐደና መዓት ሰብ ነይሩ። እቲ መኰንን’ውን ሽጕጥ ኣለዎ።

ከምኡ ምስ በሎ ዘርኣይ ሓሪቑ በቲ ጉራዴ ወስ ኢሉዎ ምሃረሞ’ውን ነይሩ ይኸውን። ብኡንብኡ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣኽበርቲ ጸጥታ ተታሒዙ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ሽዑ ሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ንሓደ ኢጣልያዊ መኰነን ብጉራዴ ክሃርሞ ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብቲ ከተማ ኣዝዩ ዓቢ ዜና ብምዃን ከም ቅጽበት ተላቢዑ። ነቶም ከም ተለኣኣኽቲ ንሰርሕ ዝነበርና ኣፍሪቃውያን ብምሉኣትና ድማ ‘ብቕጽበት ናብ ዓድኹም ተመለሱ’ ዝብል ህጹጽ ትእዛዝ ተዋሂቡና። ሃንደበት ክንብገስ ስለ ዘይንኽእል ግን ኣቕሑትና ክንጠራንፍ ዕድል ሃቡና ኢልና ክንልምኖም ተገዲድና። 24 ሰዓት ሂብናኩም ኣለና ምስ በሉና፡ ሓንቲ ሰፋይት ክዳን ገዚአ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣላ። ንዘርኣይ ድማ ሽዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዳጐኑዎ ኣይጸንሑን ንሞት ፈሪዶም ቀቲሎሞ። ታሪኽ ዘርኣይ ጀሚሩ ክውድኣ እዚ’ዩ። ዘርኣይ ግዳይ ሕርቃኑ እዩ ኾይኑ። እዚ ዝበልካዮ ታሪኽ ግን ንመጀመርያ ግዜ ካባኻ እሰምዖ’ለኹ፡” ኢሎምኒ።
በቲ ዝገለጹለይ ታሪኽ ኣመና ስለ ዝተመስጥኩ፡ “እዚ ታሪኽዚ’ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ቃለመሕትት ክትገብሩ ኣለኩም፡” ኢለዮም ነይረ። ንሶም ግን፡ “ናብ ዓዲ ክምለስ ምዃነይ ክትፈልጥ ኣለካ። ሎሚ ድምጺ ሓፋሽ ኵሉ ሰብ ስለ ዝሰምዓ ብድምጸይ ከለልዩንን ክነግሩለይን ስለ ዝኽእሉ ይፍትሓላ፡” ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቡ ግን ኣይተኻእለን። ድሕሪ ናጽነት ብዙሕ ግዜ ምስ ገለ ኣባላት ዜና ተሓባቢረ ናብ ድባርዋ ብምኻድ ቃለመሕትት ከካይደሎም እሓስብ ነይረ፡ እንተኾነ ኣብቲ ፈለማ ብሰንኪ ስራሕ ድሒሩ ድማ ብሰንኪ ማእሰርቲ ክሰለጠኒ ኣይከኣለን። በዓልቲቤቱ ነስመሮም ገረዝግሄር ዓዚዛ ጣህር ትኹን፡ ኣስመሮም ባዕሉ ነቲ ታሪኽ ይፈልጡዎ ስለ ዝነበሩ ግን ቃለመሕትት ከም ዝካየደሎም ክገብሩ ንኽልቲኦም ዝቐለለ ነይሩ እብል።

ተጻርዩ ዝቐረበ ታሪኽ ዘርኣይ ደረስ


I have been to Italy (Rome and Milan) recently and the three different versions about the story of Zerai Deres are as follows:
Zerai Deres used to be a student in the seminary of Segheneiti with notable persons like Degiat Solomon, Memhr Abraham Hagos who used to be a teacher at Scuola Vittorio (later named Hibret), Ghebrihiwet Nebarai head of Eritrean education department etc. He later abandoned the seminary and worked as an interpreter in Rama. He married to a lady named Alemash from Segheneiti. She is the cousin of Girmai Kidane (Wedi Filipo) who is a notable person in the Eritrean armed struggle. According to Wedi Filipo’s research Zerai was at the square when someone at the podium was uttering racist words that degraded Africans.

ኣብዚ እዋን`ዚ ዘርኣይ ደሙ ፈሊሑ በታ ናብ ሓደ ኢጣልያዊ ሓላፊ ከብጽሓ ዝተዋህበቶ ጉራዴ ክድብል ጀሚሩ። ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ፈሪሖም ካብኡ ክርሕቁ ኸለዉ፡ ገለ ድማ ጽሉል ጥራይ መሲሉዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
Interestingly enough there has been so much talk about Zeray Deres, and yet, so far, no archival documents or serious scholarly studies have appeared. As we have certainly realized what we know about him has come down to us through oral tradition. And that, as usual, is filled with a lot of pitfalls! Everybody recounts it with different and even contrasting details. I myself have given a greater credit to what I have heard from Abba Tekestebrahan Ghebremedihin, alias Abba Domenico, who had been his classmate in the first seminary opened by the Capuchin fathers in Segheneiti in 1934. He told me that they remained in touch even after Zeray left the Capuchin order and went to Italy. Many times one hears speak about Zeray as an Askari. According to Abba Domenico, he went to Italy rather as an interpreter (tourjuman) for the Tgrigna language, thanks to the fact that he had learned Italian as a seminarian in Segheneiti.
The third version which is by Aba Tewelde former History lecturer at the University of Asmara runs as follows:

The accident took place on May 21, 1937, at the Piazza dei Cinquecento near Stazione Termini in Rome, where the fourth anniversary of the proclamation of the Italian Empire in Ethiopia was being celebrated. The parade was attended by Mussolini (and, I am not sure, by Hitler). Zeray had arrived a few hours earlier from Napoli, carrying, inside the coat, a sword that he intended to send to a friend in Addis Abeba. He joined the crowed in the Piazza while one of the authorities was giving a speech filled with racial hatred. At some point Zeray exploded with indignation, pulled out the sward, and branded it in the air threateningly. In the confusion that ensued someone was slightly wounded, and Zeray was arrested. The newspapers of that afternoon and of the day after published articles in which the minor incident was transformed into a "bloody slaughter" of people... Thus, the legend of hero Zeray, vindicating the humiliations of Ethiopia, came to be. This is briefly what I have collected from Abba Domenico, who assured me that the incident in itself was absolutely minor, but was amplified by the Italian newspapers immediately and by Ethiopian/Eritrean oral tradition later.

Another version by an old man who knows much about oral history says the following. Zeray was in Rome when Mussolini was making a speech on the commemoration of the establishment of fascism. When he saw the statue of the Ethiopian lion in the square, he became emotional and mounted on the lion while beating it with a stick and saying, “SU! KID NAB ADKA, ENTAY TGEBR ABZI” and so on. All the people in the square looked at him amazingly and he was finally overpowered by the carabinieri as a lunatic and imprisoned. But just before he was to be repatriated to Eritrea in a ship, he was given an injection that would kill him and he died before he arrived.

Conclusion: Zerai was in Italy not as an askari but as an interpreter. As a result of his hot temper he became emotional when he heard racist words that degraded Africans. As an African, his feelings became wounded and he acted violently. The issue became explosive and the newspapers created such unfounded news by claiming the Zerai killed many people and this became the source of Ethiopians making a hero of Zerai. In a place where there were a lot of carabinieri and security personnel, it would never be possible for a black man to kill as many as half a dozen and would much more. The issue is not whether Zerai was a hero or not but whether he actually committed the deed or not. No written archive exists so far that Zerai killed many people.

ተስፋየ ገብረኣብ ብዛዕባ ዘርኣይ ደረስ ዘቕረቦ ሓተታ

ዘርአይ ደረስ - ግማሽ ተረት በ2014 አጋማሽ በዋሽንግተን ዲሲ ቆይታዬ “ታሪክ እና ተረት - በአፍሪቃ ቀንድ” በሚል ርእስ በECC (Eritrean Comunity Center) አዳራሽ ከኤርትራውያን ጋር አጭር ቆይታ አድርጌ ነበር። በሴሚናሩ ላይ ከተዋወቅሁዋቸው ኤርትራውያን መካከል ሶፊያ ተስፋማርያም አንዷ ነበረች። በሶስተኛው ቀን በድጋሚ ተገናኝተን ስናወጋ በእግረ መንገድ ዘርአይ ደረስ የቅርብ ዘመዷ እንደሆነ አጫወተችኝ። በርግጥ ያለ እውቅናቸው ታሪካቸው ላይ ተረት ከተጨመረባቸው የአፍሪቃ ቀንድ ሰዎች ዘርአይ ደረስ ቀዳሚው ነበር። ዘርአይ ደረስ በኢትዮጵያ እና በኤርትራ በጀግንነቱ ይታወቃል። በስሙ መንገዶች ተሰይመዋል። በስሙ ትምህርት ቤቶች ተከፍተዋል። በሃይለስላሴና በደርግ ዘመን የዘርአይ ደረስ ታሪክ በአንደኛ ደረጃ ትምህርት ቤቶች እንደ መማሪያ ሰነድ ሲያገለግል ቆይቶአል። ወያኔም በዘርአይ ደረስ ስም የሚጠራ ክፍለጦር አቋቁሞአል። ይህ ስመ ገናና ኤርትራዊ ወጣት ኢጣሊያ ላይ ሲገደል ገና የ21 አመት ጎረምሳ ነበር። ከሶፊያ ጋር ስንጨዋወት ዘርአይ ደረስን በተመለከተ እንደምፅፍ ነግሬያት ነበር። ጊዜ ካገኘሁ ወደፊት በተሻለ መልኩ እፅፍበት ይሆናል። የዘርአይ ደረስ ታሪክ ተጣሞና ተወላግዶ ስለ መፃፉ ከሚጠቁሙ ፅሁፎች መካከል ዘምህረት ዮሃንስ “የኢጣሊያ አገዛዝ በኤርትራ” በሚል ርስስ 2010 ላይ ያሳተመውን መፅሃፍ መጥቀስ ይቻላል። ዘምህረት በመፅሃፉ እንዲህ አስፍሮ ነበር፣ “...የኢትዮጵያ ገዢዎች የኤርትራውያንን ተቃውሞዎች ለኢትዮጵያዊነት ማንነት ሲባል እንደተደረገ ትግል አድርገው ማቅረባቸው ለመስፋፋት አላማቸው መጠቀሚያ ለማድረግ ነበር። የ1937 የሞገስ አስገዶም እና የአብርሃ ደቦጭ ጀግንነታዊ ተግባር፤ እንዲሁም በዚያው አመት ዘርአይ ደረስ በሮማ የፈፀመውን ጀግንነት የኢትዮጵያ ገዢዎች በተከታታይ ለፕሮፓጋንዳ ፍጆታ አውለውታል። በ1937 ኢጣሊያ የምስራቅ አፍሪቃ ቅኝ ግዛቷን የመሰረተችበትን አንደኛ አመት ክብረ በአል ሮማ ላይ ስታከብር ዘርአይ ደረስ በቦታው ተገኝቶ ነበር። የኢጣሊያ አገዛዝ ትእቢትና ንቀቱን በሚገዛቸው ህዝቦች ላይ በማንፀባረቁ ዘርአይ ደረስ መታገስ ስላልቻለ ተቆጥቶ ጥቂት ኢጣሊያውያንን በጎራዴ ገድሎ፣ ራሱም ቆስሎ ተያዘ። በአንዲት የኢጣሊያ ደሴት እስር ላይ ሳለም አረፈ። እንደ አንድ የታሪክ ጭብጥ የዘርአይ ደረስ ጉዳይ በቅድሚያ የተፃፈው በኤርትራዊው ብሄረተኛ በወልደአብ ወልደማርያም ነበር። በ1987 ወልደአብ በሰጡት ቃለመጠይቅ ‘በጣሊያን ላይ ያለንን ጥላቻ ለመግለፅ፣ የኤርትራን መንፈስና ጀግንነት ለማጉላት በሚል ነበር በሳምንታዊው ጋዜጣ የዘርአይ ደረስን ጀግንነት የፃፍኩት’ ሲሉ ገልፀው ነበር። የኢትዮጵያ አገዛዝ ዘርአይ ደረስ የፈፀመውን የጀግንነት ተግባር ለኢትዮጵያዊነት አላማ እንደተፈጸመ በመውሰድ ለፕሮፓጋንዳ ሊጠቀሙበት ሞከሩ...” (“ኢጣሊያዊ መግዛእቲ አብ ኤርትራ” ገፅ 417-418) የዘምህረት ትንታኔ ኢትዮጵያ ውስጥ ስለ ዘርአይ ደረስ ታሪክ ከሚታወቀው የተለየ ነው። ርግጥ ነው፣ የዘርአይ ደረስ ታሪክ እንደ አቡነ ተክለሃይማኖት እና እንደ ቀዳማዊ ምኒልክ ታሪክ ፈጠራ የታከለበት ተረታዊ ድርሰት መሆኑ እውነት ነው። በኢትዮጵያ ውስጥ በስፋት እንደሚታመነው ዘርአይ ደረስ የሮማ ክብረ በአል ላይ ተቆጥቶ ነጮችን በጎራዴ የለሸለሸው አረንጓዴ፣ ቢጫ፣ ቀይ ቀለም ያለው የኢትዮጵያ ባንዴራ ሲረገጥ ተመልክቶ አልነበረም። ገና ከመነሻው በክብረ በአሉ ላይ የኢትዮጵያ ባንዴራ ጨርሶ አልነበረም። በቦታው ያልነበረው ባንዴራ ስለ መረገጡ የተፃፈ ማስረጃም የለም። የባንዴራው የመረገጥ ተረት የሚገኘው በኢትዮጵያ ውስጥ በአንደኛ ደረጃ ትምህርትቤቶች የአማርኛ መልመጃ ላይ ብቻ ነበር። መልመጃውን እያነበበ ያደገ ትውልድ የዘርአይ ደረስን የተጣመመ ታሪክ ወይምበስሙ የተፃፈ ተረት እንደ እውነተኛ ታሪክ አምኖ ቀጠለ። ዛሬ ላይ ቆመን ጊዜውን ስንመዝነው በዘርአይ ደረስ ስሜት ውስጥ ስለ ኢትዮጵያዊነት እና ስለ ኢትዮጵያ ባንዴራ ግንዛቤ ሊኖር የሚችልበት የስነልቦና ሁኔታ አልነበረም። ለኢትዮጵያዊነት ማንነት እና ለኢትዮጵያ ባንዴራ ክብር የታገሉና የተሰው ኤርትራውያን አልነበሩም ማለቴ ግን አይደለም። ነበሩ፣ አሁንምአሉ። ከሞቱት መካከል በጥቂቱ ሎሬንሶ ታእዛዝ፣ ቢትወደድ አስፍሃ፣ ንቡረዕድ ድሜጥሮስና ኮሎኔል ብሽኡን መጥቀስ ሲቻል፤ በህይወት ካሉት ደግሞ ቢያንስ በረከት ስምኦን እና ድምፃዊ አብዱ ኪያር አሉ። የሌሉትን ከመፈለግ ያሉትን ማክበር ቅዱስ ነው። ርግጥ ነው፣ ዘርአይ ደረስ ለራሱ ለክብሩ ሲል በፈፀመው ጀግንነት እንደ ሰው ልናከብረው ይገባል። ጀግንነቱን እንደ አርአያ ማየትም ቅዱስ ነው። ክፍለጦር ቢሰየምለት፣ የልጆች መማሪያ ቢሆን፣ ባንክ በስሙ፣ መንገድ በስሙ ቢሰየም ይገባዋል። በኢትዮጵያና በኤርትራ ብቻ ሳይሆን ዘርአይ ደረስ በጥቁር ህዝቦች ዘንድ ስሙ ሊዘከር፣ ሊከበር ይገባዋል። የኢትዮጵያን ባንዴራ ግን አያውቀውም ነበርና ከትከሻው ላይ እናውርድለት። በህይወት ለሌሉ ሰዎች ታማኝ መሆን ይጠበቃል። ከሳባና ከሰለሞን ትረካ ጀምሮ በኢትዮጵያ ታሪክ ውስጥ የተደባለቁትን የፈጠራ ተረቶች ለቅሞ ማውጣት ራሱን የቻለ የሙሉ ጊዜ ስራ ሊሆን ይችላል። እንደ ዘርአይ ደረስ ታሪክ አይነት በህዝብ የታመኑ፤ እንደ ታቦት የሚከበሩ፤ ከተረትነት ወደ ታሪክነት ራሳቸውን ያሳደጉ “ታሪኮችን” መነካካት ዋጋ እንደሚያስከፍልም አውቃለሁ። እንዲህ ያሉ ርእሰ ጉዳዮችን በመነካካቴ ከዚህ ቀደም ብዙ ዋጋ ከፍዬአለሁ። ደግነቱ ቆዳዬ ጠንካራ ነው። በመሆኑም ዛሬም አይነኬዎቹን እየነካሁ ነው። በመሰረቱ ግን አይነኬ የሚባል ታሪክ አለ ብዬ አላምንም። ኢትዮጵያዊነት ነፍስ፣ ስጋና አጥንት ካለው በራሱ አቅም መቆም ይችላል። የፈጠራ ትረካዎች አያስፈልጉትም። ወደ እውነት የተለወጡ የፈጠራ ታሪኮችን መነካካት ወይም መግፈፍ ለኢትዮጵያዊነት ህልውና አስጊ ሊሆን አይችልም። ርግጥ ነው፣ ተረቶችን ከእውነተኛ ታሪክ የመለየቱ ስራ ቀደም ሲል በአንዳንድ የታሪክ ምሁራን መሞከሩ አልቀረም። ከእነዚህ ሙከራዎች መካከል የተሳካ ስራ የሰራው ታቦር ዋሚ ይመስለኛል። “የውገና ድርሰቶችና የታሪክ እውነቶች” በሚል ርእስ በግእዝ አቆጣጠር 2006 ላይ የታተመውን 660 ገፆች ያሉትን መፅሃፍ ያነበበ ሰው “ታሪክ ፀሃፊ” ደብተሮች ምን ያህል እንደቀለዱብን በቀላሉ መገንዘብ ይችላል።

 

 

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com