} --> ? include("header2.php") ?>

እቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዝነበረ ኣጠማምታ ናይ ህዝባዊ ግንባር

ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰለፉ ብሉጻት ምሁራት ብጉቡእ ክጥቀሙሎም ዘይከኣሉን: ዘይደለዩን 'ሲ፡ ንተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ኣምሂሮም፡ ኣብዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሖም፡ ኣብ ሃገር ምምራሕ ወይ ነቲ ውድብ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ክሰርሑ ትምኒትን መደብን ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ጽላለ ይመስለኒ: ተወልደ ካሕሳይ

T'm'h'r'ti (education) :The Zero School

compiled by Resoum Kidane




01 Apr 2017 - During the Eritreans war of independence, the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) established healthcare and education programs and facilities in the regions under its control. Education was seen by EPLF leaders as integral to the national liberation struggle. An early EPLF slogan was "Illiteracy is our main enemy."

EPLF-sponsored education was marked by the integration of theory and practice. In the 1970s, efforts focused on the combatants themselves with all new recruits—men and women (women made up a third of the fighters) with less than seven years of schooling required to complete their education in the EPLF, attending classes for up to six hours a day. Many rural villagers and farmers encountered education for the first time in the front.

In the mid-1970s liberated areas began to expand. In essaying the beginnings of a national school system, the EPLF began the Zero School, a boarding school for orphans, refugees, children of fighters, and those who had run away to join the front but were too young to fight. The Zero School, started with about 150 students and a handful of teachers, was designed as a teaching laboratory and workshop for the expanding education system. The Zero School eventually offered five years of elementary education and two years of middle school, adding grades as students continued. By 1983, the school had more than 3,000 students.

In addition to the Zero School, the EPLF maintained regular schools in liberated, predominantly rural areas. At many sites, students sat on stones in the shade of trees. Schools had to be camouflaged against air attack, and students had to be prepared to take cover.
In 1983, a national adult literacy campaign was begun with the dispatch of 451 teenage Zero School students to serve as teachers behind enemy lines. The literacy campaign reached 56,000 adults, 60 percent of them women. The campaigners taught reading, writing, numeration, hygiene, sanitation, and health, and participated in agriculture in the rural communities.

Drought and Ethiopian military offensives after 1985 disrupted the literacy campaign, and the EPLF abandoned the campaign form altogether when it began its own offensives in 1988, continuing adult education only for civilian health, agricultural, and political workers brought in groups to protected areas for one to two months at a time.

By 1990, with the war intensifying to its climax, adult education was available only to combatants. Nevertheless, in the vast areas of liberated countryside, education continued. In 1990, a year before liberation, there were 165 schools administered by the EPLF, with 1,782 teachers serving about 27,000 students.

  source Eritrean Press

 

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቀዳማይ ክፋል

ማሕሙድ ሳልሕ


ኣብዘን ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ብዛዕባ ዕላማታትን ጉዕዞን ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ተመክሮኦምን ጠብላሕተኦምን ገምጋሞምን ከቕርቡ ጸኒሖም። ከም ዝመስለኒ፡ ነዚ ዘተታት ዘተባበዓትን ዘበጋገሰት ኣጋጣሚት፡ እታ ጊደዎን መሓሪን ዮሴፍ ፍስሃየን ኣብ ቲቪ ኣሰና ዝገበርዋ ቃለ-መሕትት እያ። ርኢቶታተይን ነቐፈታይን ንኽልቲኦም ብውልቂ ሂበ እየ። እቲ ዘተ ክቕጽል እውን ኣተባቢዐዮም። ምኽንያቱ፡ ተመክሮና ባዕልና እንተዘየካፈልናዮ ካልኦት ሰባት ባህ ከም ዝበሎምን ከም ዝረኣዮምን ከቕርብዎ እዮም። ግቡእና ድማ እዩ ታሪኽና ክነዘንቱን ታሪኽ ናይቶም ብኣካል ዘየለዉ ክንከላኸልን። እነጸባብቖን እነካፍኦን ክህሉ የብሉን።
ዝኽርታት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ነዘንትወሉ እዋን፡ ብናይ ሎሚ ተመክሮና ተጸሊና (biased ኮይንና) ከይንህሉ ምስትውዓል። ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ኣብ ግዚኡን ኣብ ብትኡን ኣእቲና ኢና ክንርእዮ ዘለና። ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ዘካይዶ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ። እቲ ቃልሲ ኩሉ መዳያዊ እዩ ነይሩ። ምሕራር መሬት፡ ምምሕዳር ዝሓረርካዮ መሬት (ኣገልግሎታት ምሃብ)፡ በቲ ዝከኣለካ ድማ ሰረታት መጻኢ ኤርትራ ምንጻፍ።
ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብቶም ካልኦት ክፍልታት ፈሊና ክንርእዮ የብልናን። ኣድላይነትን ሓላፍነትን እዩ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ክፍልታት ከም ዝጅመር ዝገበሮ። ንኣብነት ክስለፍ ከለኹ፡ ሓንቲ ትራክተርን፡ ክሳብ እማህሚመት ዝበጽሓ ክልተ ሎሪን ሓንቲ ላንድሮቨርን እዩ ነይርዎ ህዝባዊ ሓይልታት። ግን ንዕአን ዘገልግል ትሕተ ቅርጺ ተዘርጊሑ ነይሩ። ክፍሊ ነዳዲ፡ ክፍሊ ጋራጃት---ወዘተ። ጽርግያ ግሬቶን ዓገትን ኣብ ታዕሊም ከለና እዩ ዝስራሕ ነይሩ። እቶም ኣብ እማህሚመት (ማይህመት) ዝዕለሙ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ድሕሪ ታዕሊም ማእቶት የካይዱ ነይሮም። እተን ሎሪታት ንዓቐበት ግሬቶ ክድይባ ኣይክእላን ነይረን። መሽኪነይቲ ትራክተር ድማ እንሓንሳብ ብገመል ስሒብካ እዩ ነይሩ። ከምቲ ጀማዓትና ጀብሃት ኣታሕሪር (ተ-ሓ-ኤ) ኣብ ዓቀብ ሸንኮሌት ክገብርዎ ዝጸንሑና።
ግን እቲ ጽርግያታት ይስራሕ ነይሩ። ምኽንያቱ ራኢ ነይሩ። ሰውራ ንቅድሚት ክደፍእ እዩ። መካይን ጸላኢ ኣብ ዝማርኸሉ ደረጃ ይኸይድ ምንባሩ ነቲ መሪሕነት ይኹን ተጋዳላይ ንጹር ነይሩ። ሽዑ ዝተሓረረት ከተማ ኣይነበረትን። ናቕፋ ትኽበብ ነይራ። ግን ባህ ዘብል ንፋስ ነይሩ። በቃ፡ ገለ ዓይነት ሽታ ነይሩ---ጥዑም ሽታ ኣየር። ሰውራ ብኹሉ መዳያቱ ናብ ጉብዝና ይበጽሓሉ ዝነበረ እዩ። ካልኦት ክፍልታት እውን ይጣየሱ ነይሮም---ዜና፡ ህንጻ፡ ሕርሻ፡ ቁጠባ---
ኣብቲ ደሓር ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝተደኮነሉ ቦታ ድማ ብግፍዓዊ ተግባራት ጸላኢ ዝተመዛበላ ስድራታት በብቕሩብ ክተኣኻኸባ ጀሚረን ነይረን። እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይ'ቲ ኣብ 1975 ኣብ ሕርጊጎን ኣከባቢኣን ዝተፈጸመ መቕዘፍቲ እዮም ነይሮም። ገለ ገለ ተጋደልቲ እውን ስድርኦም ከምጽኡ ጀሚሮም።
እቲ ቦታ ብ “እንዳ ህዝቢ” ወይ ድማ ዕቑባት ይፍለጥ ነይሩ። ናይ ረድዮ ኮድ ስሙ ድማ ዜሮ ይበሃል ነይሩ። ኣብቲ ቦታ ቆልዑ ክበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ብውልቀ ተበግሶ ኣመሓደርቲ ገለ ገለ ትምህርታዊ ንጥፈታት ክካየድ ጀሚሩ።
"እዚ ንጥፈታት እዚ ድዩ ነቲ መሪሕነት ውድብ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ክጅምር ኣበጋጊስዎ ወይስ ብቐደሙ ይሓስበሉ ነይሩ" ንዝብል ሕቶ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክምልሶ ኣይክእልን። ገለ ካብቶም ነዛ ሕቶ ክምልሱ ዝኽእሉ ገና ብህይወቶም ኣለዉ፡ ግን ናይ መስመር ጸገም ስለዘሎ፡ ንግዚኡ ምሕላፋ ይሓይሽ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣጋጣሚ ምዝካር ጽቡቕ እዩ።
ብ1975 እቲ መሪሕነት ንገለ ውሑዳት ናይ ምምህርና ተመክሮ ዝነበሮም ወይ ድማ ንኸምኡ ይጠቕሙ ዝበሎም ሰባት ኣብ ዜሮ ኣኪቡ፡ መባእታዊ ካሪክለም ትምህርቲ ክነድፉ መዚዝዎም (ገና እንዳ ህዝቢ ከሎ’ቲ ቦታ፡ እቲ ህዝቢ ደሓር ናብ ደብዓት ዝበሃል ዓሚቑ ስንጭሮ ግዒዙ፡ እቲ ቦታ ኣብ መስከረም 1976 ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም ዝጅመረሉ ተገይሩ)። ካብቶም ብርግጽ ዝዝክሮም ኣባላት ናይ’ዚ ብ1975 ዝቖመ ኮሚተ ካሪክለም፡ ቃልኣብ ሃይለን ሃይለ መብራህቱን ነይሮም። ካብቶም ቀዳሞት መምህራን፡ ኣብቲ መስርሕ ዝተሳተፉ ክኾኑ እውን ዝኽእሉ፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ጎይተኦም ተኽለሚካኤል፡ ጴጥሮስ ሃይለማርያም---ወዘተ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዓመት ኣቢሉ ቅድሚ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ እዩ። እቲ ናብ ምብግጋስ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝወሰደ ኩነታት ከምዚ ይመስል። ኣብ ዝቕጽል ንኣጀማምርኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ናይ'ቲ እዋን ሃዋሁ ሰውራ ኣእትየ ክርእዮ ክፍትን እየ። መን እዩ ህዝባዊ ግንባር፡ መን እዩ መሪሕነት፡ እቲ ሓሳብ ከ መን ኣመንጭይዎ፡

ብዛዕባ ራኢ፡ ተመሃሮ ቤት ምህርቲ ሰውራ... ብሓቂ ኩረት ድዮም ነይሮም ወይስ እምነ ኩርናዕ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከ ከም መጻንሕን መስብሕን መደበር ድዩ ነይሩ ወይስ ኣባላቱ ንጡፋት ተሳተፍቲ ናይቲ ቃልሲ ነይሮም---ወዘተ ክምልሱ ተስፋ ኣንቢረሉ ዘለኹ ቅጥዒ ክኽተል እየ። ኣብ ኩሉ ፍትሒ ክህብ ክፍትን እየ። ፍትሒ ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ፍትሒ ንመምሃራኑን ሓለፍቱን ኣለይትን፡ ፍትሒ ንታሪኽ---ፍትሒ።
ሳላሳ/ኣርበዓ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ እተዘንትዎ ታሪኽ፡ በቲ ሎሚ ወዲኻዮ ዘለካ ለንስ (መነጸር) ክትርእዮ ከለኻ ዘይንጹር ስእሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ኩሉ ብዓይኒ ፖለቲካ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን። ንታሪኽ ፍትሒ ክትህቦ እንተኮይንካ፡ ብርጉእ መንፈስ ናብቲ እዋን ፍጻመን ናብ ቦታ ፍጻመን ክትምለስ ኣለካ። ነቲ ፍጻመ ጸለውቲ ዝነበሩ ኸ እንታይ እዮም ክትምርምር ክትክእል ኣለካ። ከምቲ ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ዝብልዎ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ኣብ እትገብሮ ገምጋም፡ ኣብቲ እዋኑ ዘይተራእየካ ሕጂ ክተስተውዕለሉ የኽእለካ እዩ።Hindsight is 20/20 ከኣ ይብልዎ።
ስለ’ዚ፡ ሎሚ ዓቢና፡ ተመክሮታት ካልኦት ርኢና፡ ኣተሓሳስባና ገፊሑን ዓብዩን ብዙሕ ርኢቶታትን ነቐፈታትን ክህልወና ይኽእል እዩ። ኣይጽላእን እዩ ድማ። ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኮሰ ውልቃዊ ጦብላሕታታት ንህብ ስለዘለና፡ ንሓደ ብጻየይ ስለምንታይ ከምቲ ኣነ ዝግምግሞን ዝርእዮን ዘይረኣየ ኢለ ክግረም የብለይን። እዚ ናተይ እውን በታ ንእሽቶ መስኮተይ ዝርእዮ እዩ ክኸውን(personal perspective)። ልዕሊ ካልኦት ጸንበለል ዘብለኒ ዓቕሚ ይኹን ተመክሮ ኣይተዓደልኩን።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ንተበግሶ ቲቪ ኣሰናን ንሓፍትና ኤደን ኢያሱን (ተመሃሪት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር) ንግደዎንን ዮሴፍን ምስጋና። ድሕርኡ ዝሰዓቡ ወሃብቲ ርኢቶ---ዘካርያስ ቴድሮስ፡ ፍጹም ተስፋማርያም (ረባዕ)፡ ዲጹ፡ ሰለሙን ወልደንኪኤል (ሃለቃ)፡ ተወልደ ካሕሳይ፡ኣማንኤል ኣድሓኖም፡ ክፍሎም ኣሰፋው---ንኹልኹም ጀማዓት በዲር ሰላምታ። የቐንየልና ድማ።
ክናሳሕ፡ እዛ ነገር ኣጽቂጠ ክሓልፋ ደልየ ነይረ። ኣተኩረይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ክኸውን መሪጸ ነይረ። ግን እቲ ዕላል ፈኸም ምባሉ ኣይተረፈን። ትማሊ ናይ ኣቦይ ርጉም (ተወልደ ካሕሳይ) ነቢበ። ሎሚ ድማ ኡስታዝ ኣማንኤል ኣድሓኖም ብደርፊ ኣሰንዩ ሓንቲ መበራበሪት ጽሕፍቲ ኣቕሪቡ።
እሞ ደኣ ዘየወናውን ድዩ? ነዛ ከይኣትዋ ወሲነ ዝነበርኩ ቀላይ ባዶ ኣርባዕተ ዘሊለ ኣትየያ ኣለኹ። ምሕንባስ’ኳ ክሳብ ሎሚ ኣይከኣልክዎን ዘለኹ። ግን ቀላይ ባዶ ኣርባዕተ ንእሽቶ እያ ነይራ። ትህሉ’ዶ ትኸውን ከም ቀደማ?
ኢሳቕ መሓሪ (ወዲ ቀሺ- ኤሪ-ቲቪ) ንዓራርብ በጺሕዎ ነይሩ። እቲ ኣሳራት ዳርጋ ጠፊኡ ኢሉኒ። እቲ ኪሎሜተራት ዝንውሓቱ፡ ከም ቆፎ ንህቢ ብንጥፈታት ተመሃሮ ዝሃምም ዝነበረ ስንጭሮ፡ እቲ ኣብ እዋን ለይቲ መብራህቱ በቲ ጸቢብ መኻፍቶ ንሰማይ ዝውንጨፍ ዝነበረ ስንጭሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ናብ ንቡሩ፡ ናብ ቅድመ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመሊሱ ምህላዉ እዩ ወዲ ቀሺ ገሊጽለይ። ባህሪ መልከዓ ተጸባብቕ እያ። ወትሩ ሜክ ኣፕ ምስ ገበረት እያ። ወዲ ሰብ ዝዓቕሙ ይፍሕራ፡ የብርሳ፡ ይሓርሳ፡ ግን ወዲ ሰብ ምስ ገደፋ ባህርያዊ ወዛ ቀልጢፋ እያ ትመልስ። ኣሰራትና ኣብቲ ስንጭሮ ንሓዋሩ ምህሳሱ ኣይተርፍን እዩ። ኣብ ኣእምሮና እውን ምስ ግዜ ምድብዛዙ ኣይተርፎን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ጽሑፍን ኦድዮ-ቪዥዋልን ክሰፍር ኣለዎ።
ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ብዛዕባ ትምህርታዊ ራኢ ናይቲ ውድብን ክጽሕፍ እየ። ብዛዕባ ራኢ ኣብ ንዛረበሉ እዋን፡ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ቆንጪልና ክንዝትየሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ውድባዊ ፕሮግራምን ግብራዊ ኣሰራርሓን ኣእቲና ኢና ንርእዮ። “እቲ ውድብ ዘካይዶ ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ኣብ ፕሮግራምን ራእን ዝተመርኮሰ ድዩ ነይሩ ወይስ ብሃውሪ እዩ ዝጋደል ነይሩ” ናብ ዝብል ሕቶ እዩ ዝመርሓና። ብዝኾነ እዚኣ ከም ኣፐታይዘር ቆጺርኩም ኣብ ካልኣይ ክፋል ንራኸብ።
ኣያኹም ማሕሙድ ሳልሕ

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ካልኣይ ክፋል
ማሕሙድ ሳልሕ


ሳልሳይ ሓይሊ ፊተውራሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወዲኣ ኮለላ ክትገብር ቀንያ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሳልሳይ ኮርስ ፊተውራሪ ስለዝነበርና ኢና ሳልሳይ ሓይሊ ንበሃል ነይርና እምበር ብመሰረቱ ብኣርባዕተ ጋንታታት ዝቖመት ሓንቲ ሓይሊ ኢና ነይርና። ብኣልጌን ኣቢልና እማህሚመት (ማይህመት) ኣቲና ነቶም ኣብኡ ዝዕለሙ ዝነበሩ መዛሙርን ተዋስኦታትን ኣርኢና። ኮርስና ብዙሓት ከዋኽብቲ ወሊዳ እያ። ስነጥበበኛ ስዉእ ዑቕባጋብር ገ/ትንሳኤ፡ ሙሉጌታ በይን (ወዲ ዛግር)፡ ስዒድ ዓብደላ (ወዲ ዓብደላ)፡ እድሪሳይ(“ኣቤኮ”ን “ተሓረረት ዓድና”ን ዝደረፈ፡ ፍስሃየ ደበሳ (ወድ ከረን)፡ ኣሮን ተኪኤ (ናይ ሻዕብያ ውሩይ ጊታሪስታ)---ገለ ካብቶም ዝዝክሮም እየ። ኮርስና ስነጥበባውያን ከዋኽብትን ማእከላይ ጉጅለ ባህልን ናይ ሻዕብያ ዝወለደት ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ንቤት ትምህርቲ ሰውራ እውን ወሊዳ ትኸውን እያ--- ኤእ፡ ክረዲት ምሃባ ጽቡቕ እዩ። ጽንሕ ኢለ ክምለሶ እየ።
ካብ እማህሚመት ብጎላጉል ሰማእታት ሓሊፍና ብዓገት ክንምለስ ዝነበረ ጉዕዞ ተሰሪዙ፡ ናብ ፋሕ ተመሊስና ብብሌቓት ኣቢልና ክሳብ በዓል ደብዓት መሪሽና። ካብ ደብዓት፡ ኣንፈትና ንምዕራብ ጠዊና ሩባ-ሩባ ድሕሪ ምጉዓዝ በዚ ደሓር ዜሮ ምኳኑ ዝፈለጥኩ ቦታ ኣቢልና ናብ ፋሕ ተመሊስና። ግን ኣክንዲ ናብቲ መዐለሚና ዝነበረ ላዕለዋይ ፋሕ ንምለስ ኣብቲ ጥቓ መሪሕነት (ታሕተዋይ ፋሕ) ኣዕሪፍና። ኣብ ጉዕዞና ወዲ ምዕተልካ (ኣዛዚና) ተመን ነኺስዎ። ግን ድሒኑ።
ንግሆ ተሰሪዕና ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ደርበናል (ጨመተ ቶኽሲ ፈተና) ኣቲና። ሰሰለስተ ጥይት ተዋሂበናና። ሓቂ ይሓይሽ ጠያይተይ ኣበይ ከምዝዓለባ ኣይፈለጥኩን። እቲ ኣብ ልዕለይ ደው ኢሉ ዝነበረ ዓላማይ ግን “ንፉዕ፡ ሓፍ በል” ኢሉኒ ነታ ብረት ተቐበላ። ድሕርኡ ተመሲሕና ሳዓት ኣርባዕተ ኣቢሉ ክንስራዕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ጽንሕ ኢሉ፡ ሓደ ቅሩብ ህዝርጥ ዝበለ ተጋዳላይ መጺኡ፡ ነተን መሳርዕ እና ኮለለ፡ ኣጻብዕትናን ኣፍናን እና ረኣየ ሰባት ክመርጽ ጀሚሩ፡ ኣስታት ሓምሳ ወይ ካብኡ ዝበዝሑ ይኾኑ ተመሪጾም። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ስነጥበበኛታት ድሮ ኣብቲ ታዕሊም ብክእለቶም ፍሉጣት ስለዝነበሩ ብዘይ ፈተና ሓሊፎማ። ምዝሕቕ-ምዝሕቕ ኣቢልዎም። መን ከም ዝነገሮ ኣይፈልጥን።
ተጋዳላይ ዓሊ መሓመድ (ያዓሲና) እዩ ነይሩ። ከም ዝተረዳእክዎ፡ ኣቀዲሙ ኣብ ፖሊስ ኦርከስትራ ኤርትራ ዝሰርሐ፡ ከይተሰለፈ፡ ኣብ ኣስመራ ከሎ፡ “ያዓሲና” እትብል ህብብቲ ደርፊ ነይራቶ። ብኸምኡ ድማ ያዓሲና ተባሂሉ። ከም ዝመስለኒ ያዓሲና ብቋንቋ ሳሆ “ኣደ” ማለት እዩ። እዛ ደሓር ዝተፈልጠት ጉጅለ ባህሊ ውድብ ብከምዚ እያ ተጀሚራ።
ኣጋ ሳዓት 6 ናይ ምሸት ኣቢሉ ይኸውን ተሰሪዕና ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት መሪሕነት ኣብሪዂና። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መጺኡ ሓጺር መግለጺ ሂቡና። ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ጸላእን ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንስኹም ናይ መወዳእታ እትውዝዑ ፊተውራሪ ክትኮኑ ኢኹም። ብዙሓት ፊተውራሪ ይስውኡ ስለዘለዉ፡ እቲ ውድብ ቤት ትምህርቲ ክጅምር መደብ ኣውጺኡ ኣሎ” ክብል ገሊጹ። [እዚ ንድራማታት ዝመጽእ ዘሎ ዘይኮነስ ታሪኽ እዩ። እቶም ኣብታ ምሸት ዝነበሩ ክዝክርዎ ይኽእሉ ዝብል እምነት ኣለኒ]። በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ንፋስ ቤት ትምህርቲ ሰውራንመጀመርታ ግዜ ሰሚዐዮ። እዚ ቅድሚ 5 ወይ 6 ወርሒ ቅድሚ ምጅማር ቤት ትምህርቲ ሰውራ እዩ። በዚ ድማ ኣስማት ምጽዋዕ ኮይኑ። ንከበሳ ዝድይቡን ናብተን ኣብ ኣከባቢ ናቕፋ ዝነበራ ሓይልታት ዝኸዱን ኣብ ክፍልታት ዝምደቡን ምስ ተወድኡ ገለ ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣስማቶም ዘይተረቚሐ ኣብታ መስርዕ ተሪፎም።
መደበይ ኣብ ማእከላይ ሕክምና (ስበርቀጠ) ስለዝነበረ፡ ሓደ ተጋዳላይ መሪሕና ናብ ቦታና ከድና፡ ምስ ሓድሽ ኣሃዱና ተላሊና። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ፋሕ ሰሙናዊ ሰሚናራት ይግበር ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበርና ደቂ ኮርስና ኣብኡ ንራኸብ ነይርና። ብዛዕባ እቶም ተፈልዮም ዝተረፉ ብዙሕ ወረ ይወናጨፍ ነይሩ። “ፍዳኢን ክኾኑ ኮማንዶ ይዕለሙ ኣለዉ” ዝብልን ” ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ድሮ ናብ ወጻኢ ከይዶም---” ዝደግምን ወረታት መቸም ነይሩ እዩ። እምበር፡ ንምጅማር ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘልዕል ዜና ኣይሰማዕኩን። እቶም ከባና ዝተረፉ ጉጅለ ባህሊ ግን ድሮ መዛሙር ተለማሚዶም ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ናይቲ ሰሚናራት የስምዑና ነይሮም። ዓሊ ያዓሲና ቦክስ ጊታር ነይራቶ። ዝተረፈ ኩሉ ጣቕዒት እዩ ነይሩ።

ሓደ ግዜ ካብ ፍስሃየ ወልደገብርኤል መልእኽቲ ሒዘ ናብ ፋሕ ኣምሪሐ። ፍስሃየ ሓላፊ ሕክምና ህዝባዊ ሓይልታት ነይሩ። ኣብ ፋሕ፡ እታ ደብዳቤ ንሓንቲ ዝፈልጣ ብጸይቲ ሂበያ ዕላል ጀሚርና። ጽንሕ ኢሉ ኢሳያስ ኩሹኽ ተኸዲኑ ካብ ደገ መጺኡ፡ እታ ብጸይቲ ነታ ደብዳበ ሂባቶ። እታ ብጸይቲ ቅድሚ ሕጂ ተላልየያ ነይረ። ኣብ ታዕሊም ኮለና ሓሚመ ነይረ። ሰሙን ዝኸውን ኣብታ ጎኒ ቤት ጽሕፈት መሪሕነት ዝነበረት ክሊኒክ ተሓኪመ

ነይረ። ንሳ እውን ግናይ ዓሶ ሓሚማ ኣብኡ ነይራ። ብሓፈሽኡ እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ንእሽቶ እዩ ነይሩ፡ ኣባላቱ እውን ኩሉ ግዜ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ምዝንጋዕ መደባትና ይመጹ ነይሮም እዮም።
ብዝኾነ፡ ድሕሪ ጥዕምቲ ሻሂ፡ ዕላል ቀጺልና። ተገዲሳ ሓቲታትኒ። ሓድሽ ኣሃዱ ተላሊናዮ ምንባርናን ግን ደስ ከምዘይበለናን ናብ ተዋጋኣይ ሰራዊት ክንውዛዕ ንፍስሃየ ንህውኾ ምንባርናን ነጊረያ። “ እዋእ፡ ቅሩብ ደኣ ክትጉብዙ። ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሰደኩም ክነግሮ እየ” ትብለኒ። ኣብ ስበር ቀጠ ሰለስተ ነኣሽቱ ፊተውራሪ ተወዚዕና ነይርና። ሞያ ሕክምና ዘይብልና። በዚ ምኽንያት ድማ መኣዝና ዘጥፋእና መሰለና። ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ ጆካት ይፈቱ እዩ። ተጻዋታይ እዩ። ኣዝዩ ጉልቡትን ሓርናጽን እዩ። ብጣዕሚ ይፈትወና ነይሩ። ንሕና እውን ሓቂ ይሓይሽ፡ ነቶም መራሕቲ መሳርዕ ሓሊፍና ናብኡ ኢና ንኸይድ ነይርና። ግን ቀይዲ በተኻት ነይርና። ክልተ ግዙኤ ናቕፋ ኬድና ኣለና። ሓደ ግዜ ድማ ተሪፍና ክንስና፡ ሞሊቚና ነቶም ናብ ውግእ ናሮ ዝተጓየዩ ተጋደልቲ ኣብ ሩባ ዓገት ኣርኪብናዮም። ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታትና ንናቕፋ የኽብባ ነይረን። እቲ ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ፍጹም ከበባ ኣትዩ ነይሩ። ነዚ ከበባ ንምፍዃስ ሓደ ዓቢ ናይ ኣየር ወለድ ሰራዊት ጸላኢ ብድሕሪት ኣብ ጎላጉል ናሮ ወሪዱ። ኣብ ከባቢ ፋሕ/ብሌቓት ዝነበራ ኣሃዱታት ጉያ ኮነ። ካብተን ኣብ ናቕፋ ዝነበራ ሓይልታት እውን ተወሲኹ መቸም እቲ ውግእ ድሕሪ 5-6 መዓልታት ብዓወትና ተደምደመ። ምስ ተመለስና፡ ንእንዳ ቲቢ ዕንጨይቲ ክንፍልጽ ናይ ሰሙን መቕጻዕቲ ተዋሂቡና።
እዚታት ነታ ብጸይቲ ኣዕሊለያ። ንሱ እዩ ነዛ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓሳብ ክተበግስ ዝደረኻ መስለኒ። እንታይ ማለት ከ እዩ ቤት ትምርቲ ሰውራ? ክርደኣ ኣይከኣልኩን። ዕላልና ከይወዳእና፡ ሓንቲ ርጉድ ዝበለት ዝተዓሸገት ደብዳበ ተዋህበትኒ’ሞ ናብ ቦታይ ነቐልኩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ንፋስ--- ቁርጽራጽ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝኸድክዎ ይስዕበኒ ነይሩ። መመሊሱ ሓይሊ ይውስኽ ከኣ።
ኣመጻጽኣ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ
ቅድሚ ተመሃሮ ምምጸኦም፡ እቶም መምሃራን ንገለ ኣዋርሕ ተኣኪቦም መስርሒ ቦታን መደባትን የጣጥሑ ምንባሮም መምህር ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትቱ ገሊጹ ነይሩ- ኣብ ናይ መንእሰያት መጽሔት ከይከውን። ብዝኾነ፡ ድሕሪ ምቅርራብ፦
1ይ ጉጅለ ተማህሮ፡ እቶም ኣብ ፋሕ ካባና ዝተረፉ
2ይ ጉጅለ፡ ካብቶም ኣብ ደብዓት ዝነበሩ ዕቑባት ህዝቢ
3ይ ጉጅለ፡ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን
4ይ ድሒርና ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ዝተሰሓብና
እዞም ጉጅለታት እዚኦም እዮም እቶም ጀመርቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተጀመረ ግን ተመሃሮ ብዝተፈላለየ መገድታት ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ይመጽኡ ነይሮም።
1- ካብ ታዕሊም፡ ክዕለሙ ዝመጹ ግን ብዕድመ ነኣሽቱ ኮይኖም ዝተራእዩ (ምስክር ዕለት-ልደት ዘይነበሮ ግዜ እዩ)። ኩሉ ብግምት’ዩ ነይሩ፡ ከምዛ ናይ ዕዳጋ ነገር። ንእሽቶ ክንሱ ህጥር ወይ ንውሕ ዝበለ ሰብ ሰተት ኢሉ ናብ ታዕሊሙ ክሓልፍ ይኽእል።
2- ተጋደልቲ ካብ ዓዲ ደቆም የምጽኡ ነይሮም
3- ኲናትን ግፍዕታት ጸላእን ዘስዓቦ፡ ኣላዪ ዘይነበሮም ቆልዑ
መነባብሮ፡ ዝበዝሕ ትሕቲ ኣግራብ (ዓዳይ) እዩ ነይሩ። መግቢ እውን ካብቲ ሓፈሻዊ መግቢ ተጋዳላይ ብዙሕ ዝፍለ ኣይነበረን
ውደባ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መጀምርታ ኣብ ክልተ ምደባ እዮም ተኸፊሎም፡ ዓበይትን ንኣሽቱን። ዓበይቲ ካብ 12-15 ዝበጽሑ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ። ዳርጋ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ጉልበታዊ ዕዮ፡ ብፍላይ ናይ ዕንጨይቲ፡ ባዕሎም ይምልእዎ ነይሮም። ኣላዪ ኣቦ ነይርዎም፡ እስማዒል መሓመድ (ወዲ መሓመድ) ዝበሃል። ብዛዕብኡ ምናልባት ኣብ ካልእ ግዜ።
እቶም ነኣሽቱ እውን ብዕድመ ይፈላለዩ ነይሮም። ብኡ መሰረት ድማ እንዳ ዛይድ ርእሶምን ኣበባ ግደን ተባሂሎም ነይሮም መስለኒ።

ምግብና፡ ኣብ ክልቲኡ ኣለይቲ ዝበሃላ ተጋደልቲ ነይረን። ሕቖ ዝሰብርን ዓይኒ ዘዕውርን እዩ ነይሩ ስራሕ መግቢ። ምስ ነፈርቲ እና ተጓየኻ እዩ። ኣዝየን ዓቃላትን ውፉያትን ነይረን። መብዛሕተአን ተሰዊአን። ብክብሪ ከኣ እየ ዝዝክረን።
ካሪክለም፡ ንድፊ ጥራይ እዩ ነይሩ። መምሃራን ተጋደልቲ እናመሃሩ ዘማዕብልዎ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ላባራቶሪ ስነ-ምምህርና ኢና ነይርና ክበሃል ይከኣል።
ካብዚ ዝቕጽል ጊደዎን መሓርን ዮሴፍ ፍስሃየን ጽቡቕ ገይሮም ኣብሪሆሞ ስለዘለዉ ንታሪኽ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝምልከት ብዙሕ ኣይክብልን። ኣብ ዝቕጽል ሳልሳይ ክፋል፡ ንራኢ ዝምልከትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ጦብላሕታታትን ክድህስስ ክፍትን እየ።
እዚ ክፋል እዚ ቅድሚ ምዕጻወይ ግን ክልተ ነጥብታት ከብርህ ደስ እብለኒ።
1- ንብጾት ጊደዎን መሃርን ዮሴፍ ፍስሃየን ብዝምልከት፡ ንክልቲኦም ኣጸቢቐ እፈልጦም እየ። ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ብሱል ዝኾነ ዝምድና ኣለና። ንጊደዎን መሓሪ ኣብዚ ከጽነሖ፡ ምኽንያቱ ሰተተ ኢሉ ዝወጻ እዩ ዝመስል (ክምስ ውስኹላ)። ንዮሴፍ ፍስሃየ ይኹን ንዝኾነ ኣባልን ዕባይን ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣሕሊፈ ዝህብ ሰብ ኣይኮንኩን። ብፍላይ ንዮሴፍ ብዝምልከት ድማ፡ ዕርክነትና ኣብ 1979፡ ናብ እንዳ ዜና ኬድና ኮለና ይጅምር። ክሳብ ሎሚ ድማ ሓባይብ ኮይንና ንነብር ኣለና። ሕጂ ድማ እተን ጽቡቓት ደቁ፡ ኤሊትን ጋቢን ተወሲኸን (በቲ ኮልታፍ መልሓሰን ባባ ማህሙድ---) ክብላኒ፡ ማሸላ። ይመለኣልና ጥራይ። ዮሴፍ ተሪር ነቓፋይ እዩ። ብውልቂ ደረጃ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ጽሑፋተይ ምስ ተኸራፈስና ኢና። ኩሉ ድማ ምስ ኣኽብሮት። ስለ’ዚ፡ ኣይትጸገሙ ንምባል እዩ። እዚ ናይ ዓበይቲ ምብህሃል እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እምነቱ ኣብ ቃልሱን ኣብ ሃገራዊ መርገጺታቱን ዝጠራጠረሉ ሰብ ኣይኮነን። ዮሴፍ ፍሊ ዘብሎ፡ ኣብ ርድኢቱ (conviction) ገጥ ኢሉ፡ ዓው ኢሉ፡ ግን ከኣ ብኣኽብሮት ዝገልጽ ሰብ እዩ። ናይ ልቡ (genuine) ምዃኑ ጥራይ እዩ ዝሕብር። እዚ ባህሪ እዚ ክተባባዕ ኣለዎ’ምበር ክድሰቚ የብሉን። ግድን ድየ ምስ ገምጋሙ ክሰማማዕ? ግድን ኣይኮነን። ዮሴፍ፡ ዝስመዖ ገምጋም ክህብ ከ መሰሉ ድዩ? መሰሉን ፈረቓን።
2- እቲ ገጅፍ ሓርማዝ፡ ተዛረብቲ እምግዝሊዘኛ፡ ንሰብ ከይተቖጥዕ ኢልካ ንሓደ ርኡይ ወይ ዓቢ ጉዳይ ሸፈፍ ኢልካ ክትሓልፎ ከለኻ፡ ኣብ ቅድመኻ ኣብቲ ገዛ ዘሎ ገጅፍ ሓርማዝ “ኣይረኣኽዎን” ከም ምባል እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። “Elephant in the living room” ይምስልዎ። ሰብ ብዛዕባ ራኢ ክዛረብ ከሎ፡ ምስቲ ኣብ ዓመታት ቃልሲ ብዛዕባ “ኢሳይያስ ኣፈወርቂ” ዝሃነጾ ቅርጸ-ሓሳብ ክተዓረቕ ኣይከኣለን ዘሎ። ኣነ እውን እንሓንሳብ የጸግመኒ እዩ። ስለ’ዚ፡ ብዛዕባ ተራ ኢሳይያስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ምናልባት ኣብቲ ዳሕራዋይ ክፋል ክትንክፎ እየ። ንሕጂ፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ግን ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ዕርፍቲ ክንሰዶ ኢና። ነቲ ገጅፍ ሓርማዝ ከምዘይረኣናዮ ንሕሰብ እሞ ናብቲ ዘገድሰና ጉዳይ ነተኩር። ማእከል-ስሕበት ኣተኩሮና ከምኡ እውን እቶም ጀጋኑ ናይ ዛንታና፡ እቶም ጽቡቓት ዕንባባ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ እቶም ውፉያት መምሃራንን ምምሕዳርን ኣለይትን ክኾኑ እዮም። ራኢ ስዉእ ኡስታዝ ስዒድ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስውእቲ ዛይድ ርእሶም እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስዉኣትን ህልዋትን መምሃራንና እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ስዉኣትን ህልዋትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ እቶም ምዕባለ ክርእዩ ዝመጹ ዝነበሩ ተጋደልቲ እሞ ተዛዊሮምን ምሳና ኣዕሊሎምን ዘህደረሎም ተመስጦን ክፈለዩና ከለዉ፡ “ቸላ፡ ዋእ፡ ሞት ከም ኣድማ፡ እንቋዕ ንዓኹም ረኣና” ኢሎም ናብ እቶን ሓዊ ዝጎየዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንታይ ነይሩ? ራኢ ህዝብና፡ ከበሳ ቆላ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ፡ ውዱብን ዘይውዱብን፡ እንታይ ነይሩ፡ ራኢ ናይቲ ነንብቦን ነጎሳጉሶን ዝነበርና መስመር ውድብ እንታይ ነይሩ? ራኢ ፖለቲካዊ ፕሮግራምና እንታይ ነይሩ? መን ከ እዩ ሻዕብያ---? እቲ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ዘቕርቦ ምጉት ነዚ ክመስል እዩ። ነይሩና እምበር፡ ንጹር ዕላማታትን ራእን። እቲ ማእከላይ ሓሳብ ናይ ምጉተይ ከምዚ ክመስል እዩ---
“ራኢና ከህስስ ዝጸንሐ ኣካይዳ ክንእርም ደኣ ከሕርነናን ከሕንነናን ኣለዎ እምበር፡ ንናይ ሎሚ ኣካይዳ ርኢና ‘ ብቀደምና ራኢ ኣይነበረናን’ ናብ ዘብል ከመርሓና የብሉን’ ዝብል እዩ ክኸውን። ብዝያዳ ግን ኣብ ሳልሳይ ክፋል።
===================

ኣርተዖት ፊደላትን ሓሳባትን ከም ዘድሊ ይርደኣኒ

ናብ ክቡር ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ..ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ካብ ማሕሙድ ሳልሕ

June 25, 2015negash
ንሃገርና ወኪልካ ኣብ መጋብኣያታት ዓለም ቐሪብካ ፖሊሲታት መንግስትኻ ክተብርህን ክትከላኸልን እዕዘብ። ጸጸቡቑ ክተደምቕ፡ ከክፍኡ ድማ ክትሓብእን ክትቐብርን ክትረባረብ እርእየካ ኣለኹ። ሕመቓት መንግስቲ ኤርትራ ናብ ካልኦት ክትስልብጦን፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ብጹእ መለኾታዊ እምበር ከም ጌጋታት ዝፍጽም ወይ ክፍጸመሉ ዝኽእል ምድራዊ ትካል ወይ ኣሃዱ ጌርካ ክተቕርብ ኣይርኣን። እትጥቐመሉ ቋንቋን ኣቐራርባን ግን ይጠልመካ ኣሎ። ሜላ መንግስትኻ ክተሳስንን ክተራጉድን ዝተመዘዝካሉ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሕ ኣይተሓዘልካን። ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉዕዞ ሂወትና፡ ነቶም እንክተሎም ሜላታትን ኣፈጻጽማ ናይቲ ዝተመደብናሉ ስራሕን ብዕቱብ ነቐፌታዊ ዓይኒ ክንግምግም ዘገድዱና ሕደት ኣገደስቲ ፍጻሜታት የጋጥሙና እዮም። ገለ ካብዞም ፍዛሜታት ኣዝዮም ከበድቲ ይኾኑ እሞ “እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ” ከም እንብልን ናብ መዓሙቕ ናይቲ በብግዚኡ ዘሻቕለናን ዝርብጸናን ተዋቓዒ ሓሳባት ከም እንጥሕል ይገብሩና።
እንተደኣ ብሓቒ ንስምዒታትና ክንምርምርን ብኣንክሮን ድፍረትን ክንገጥሞምን ክኢልና፣ ሎሚ ዘይኮነስ፡ ሃገርና ካብ ዓስርተታት ዓመታት ኣትሒዛ ብዘይድሌታ ናብ ጎደና ዕንወት ትጉተት ከምዘላ ብሩህ እዩ። እዚ ዘለናዮ ህሞት ሓደ ካብቶም ሓንሳብ ደው ኢልና ሕሳብ ናይቲ ከምንቡር ወሲድና መዓልታዊ ንጓየየሉ ስራሓት እንጸባጸበሉ እዋናት እዩ። ግዜኻን ጉልበትካን ብሓቒ ኣብቲ ዝግበኦ’ዶ ይባኽን ኣሎ? ነዛ ዕድመኻ ዝወፈኻላ ሃገር ኸ ካብዚ ትገብሮ ዘለኻ ብዝተፈልየን ዝበለጸን መገዲ ክተገልግላ ኣይምኸኣልካን? ኣኺልዋ ድዩ ኤርትራ- ካብዚ ንላዕሊ ክተደምዕ ኣይትኽእልን? እቲ ዝተጋደልካሉ ምስሊ ኤርትራን እዚ ዘሎ ክዉን ስእሊ ኤርትራን ይጋጠሙ ‘ዶ? ሕራይ’ስከ፡ ጸቕጥን ጽዕነትን ናይ ዓለም ከቢዱና ንበል፣ እስከ ከምቲ ወትሩ እትብሎ፡ ሃገራት ዓለም ዘርየናልና ንበል፣ ግን ስለምንታይ ጸቕጢ ዘፍኩስን ጽዕነት ዘጓድልን ዲፕሎማሲ ዘይተከተልና? ስለምንታይ ዓመት መጸት ሃገርና ኤርትራ ትሽመመሉ ዘላ ጉድጓድ እንዳ ዓመቘ ዝኸይድ ዘሎ? ስራሕካ ኸ ነዚ ዘጥሕላ ዘሎ ባይታ ምምድማድን ምድልዳልን ከምኡ እውን ካብቲ ትወሓጠሉ ዘላ ጉድጓድ ንኽትወጽእ ዘኽእላ ሜላታት ምድላይን’ዶ ኣይኮነን? ቀንዲ ስራሕካ ቅኑዓት ሜላታት ምድላይን ነቶም ቅኑዓት ሜላታት ዲፕሎማሲ ድማ ብመራሕትኻ ተቐባልነት መታን ክረኽቡ ብትብዓት ምዝራብን ምጽዓርን’ዶ ክኸውን ኣይግበኦን ነይሩ? ኣምባሳደር ሓንቲን ሃገር ኮምፓስ ወይ ብሶላ ናይታ ሃገር ማለት’ኳ እዩ። ኣብ ዝተረበጸ ውቕያኖሳት ዲፕሎማሲ ንሃገርካ ዘዋጽእ ሜላ ምንዳፍን ንቕኑዕነቶም ምጽዓርን ‘ዶ ኣይኮነን ስራሕ ኣምባሳደር? ብሕጽር ዝበለ፡ ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ወዲቕና (ካባ ኣምባሳደርነት ኣውጺእካ፡ ነታ ናይ ልብኻ ሓሳብ ደኣ ተወከስ)?

ሰባት ይኹኑ ወይ ሃገራት ይዕንቐፉን ይወድቑን እዮም። እስከ ከም ሰብና ተዓንቒፍና ንበል፣ ስለምንታይ ካብቲ ዘወደቕናሉ ክንትንስእ ዘይከኣልና? ከም ፖለቲካዊ መራሒ መጠን፡ ናይ ግድን ሰሌዳ ግዜ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ መኸተ ካብ ዝሰላሰል ዳርጋ ዕስራ ዓመት ክገብር ቐሪቡ። መከተ ኤርትራ ኣንጻር ማሕበረ-ሰብ ዓለም! ብሕጽር ዝበለ ሓንቲ ሃገር ተዓንቒፋ ኣብ ውሽጢ ክልተ-ሰለስተ ዓመት እንተዘይተንሲኣ ሽግር ናይቲ ዝመርሓ ዘሎ ወገን እዩ። ወላ ከምቲ ትብልዎ፡ እቲ ዝወርድ ዘሎ ሽግር ብሰንኪ ናይ ወጻኢ ዓለም ውዲታት እዩ ኢልክም እንተ ኣኣሚንኩምና፡ ነቲ ውዲታት ዝብድህ ኣካይዳ ብዘይምክታልኩምን ነተን ንኤርትራ ከኽብባን ክንጽላን ዝጽዕራ ሃገራት ብዘይምምካትኩምን ስዑራት ኢኹም። ካብቲ ዝረአ ዘሎን ሕላገትና ዝኾነን፡ ማለት ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው ሸንኮለልን ሸንኮርተትን ካብ ምባል ብዘይምውጻእክም ስዑራት ኢኹም።

ብሓጺሩ፡ ካብቲ ባዕልኹም ዝፈጠርኩምዎ ከበባ ክትወጽኡ ብዘይምኽእልኩም ስዑራት ኢኹም። ኤርትራ ብህዝቢ ዝተወከለ መንግስቲ ዝገዝኣላ ሃገር ነይራ እንተትኸውን፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክስታት ንምግላፍኩም እኹል ባይታ ምኾነ ነይሩ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም ሃገርና ወዲቓ ኣላ። ብሰንኪ ሕምቐትኩም፡ ካብ ዝወደቐትሉ ክትንስእ ኣይከኣለትን።
“ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ” በለት ስውእቲ መጋድልትኻ መምህር ኣልጋነሽ ኣብ ሓደ ንስኻ ዝነበርካዮ ኣኼባ። እቲ ነገር  ምስ ጉዳይ ናይ ሓደ ብብደዐን ዕቡይነትን ተዛሚዱ ዝንቐፍ ዝነበረ ብጻይ ዝተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። መምህር ኣልጋነሽ መቸም ከም ትዝክራ፡ ሕልክስክስ ዝብሉን ምኽንያታት ዝፈጥሩን ሰባት ብሱሩ ኣይትፈቱን እያ ነይራ (ነብሳ ይምሓራ)። እቲ ሰብ፡ ኣክንዲ ጌግኡ ዘልዕል ንኹላ እታ ኣኼበኛ እዩ ዝውንጅል ነይሩ። ንሱ ቕኑዕ ካልእ ኩሉ ኣበረኛ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መምህር ኣልጋነሽ (ብነብሳ ብዙሕ ዘረባታት ኣይትፈቱን ነይራ) ተንሲኣ ጉድለቱ ኣብሪሃ፡ ክገብሮ ዘለዎ ብቐደም ተኸተል በተን ልስሉሳት ቓላታን ህዱእ ኣቐራርበኣን ገለጸትሉ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝሰርዓታ ነጥቢ ድማ፡ እቲ ብጻይ ሓላፍነት ክስከምን፡ ናብ ሕልንኡ ተመሊሱ ንኹሉ ዝኽተሎ ዝነበረ ሜላታት ክምርምርን እተተባብዕ ምዕዶ እያ ነይራ። ንመምህር ኣልጋነሽ ዓይንኺ ትደፈን ዝብል ሰብ ኣይነበረን’ሞ እቲ ብጻይ እውን ተቐበላ። ሽዑ እያ “ግዜ ዳኛ እዩ፣ ግዜ መወከሲ እዩ” ዝበለቶ። ነቐፌትኡ ብእወታ ተቐቢሉ’ሞ ክመሃረሉን ክመሓየሸሉን ድዩ “ተቐቢለያ” ኢሉ ወይስ ካብታ ርስንቲ ህሞት ክላቐቕ ገይርዋ፡ ግዜ ባዕሉ ከብርሆ እዩ ከም ማለታ እዩ ነይሩ።
ናይ ብሓቒ ድማ ግዜ ዳኛ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። እቲ ምሉእ እምነት ዘንበርናሉ መራሒ ካልእ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ንምከሓሉ ዝነበርና መሪሕነት እውን፡ ንዓና ወኪሉ ዝዝትን ኣብ መተከላትን መርገጽታት ዝካታዕን ብመንጽር ናይቲ ዘንበርናሉ ሓላፍነት “ሓመድ ተሳሒኑ” ውሳኔታት ዘሕልፍ ዝመስለና ዝነበረስ፡ ደንጒና ከም ዘረጋገጽናዮ፡ ሓላፍነቱ ንሓደ ውልቐ ሰብ ኣረኪቡ፡ ዝተዳለወ ጸብጻብ ሰሚዑ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ውሳኔታት ብስሙ እናተቓለሐ ዕሽሽ ኢልዎ ናብ በቦትኡ ይምለስ ከምዝነበረ ኣባላቱ ዝነበሩ በብግዜኡ ዝገልጽዎ እዩ። ብሕጽር ዝበለ ተጋዳላይ ነቲ መሪሕነት ኣሚኑ ብዘይዕርፍቲ ክረጋረግ እንከሎ፡ እቲ መሪሕነት ግን መጨጭሒ ዲክታታርነት እዩ ዝነበረ። እቲ ዘሕዝን ድማ፡ እቲ ወኪልካ ትምድረሉ ዘለኻ መንግስቲ፡ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተበራበሩን “ኣይ፡ ሕጅስ ግዜ ተቐይሩ’ዩ እሞ ንዓ ደኣ ንጸባጸብ፣ መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንኸተል፣ ጉዕዞና ንገምግም” ዝበልዎ ዝበዝሑ ኣባላት መሪሕነት ሸሪቡ፡ ብኢደወነኑ ንሃገርና ካብ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ቕልውላው ይመርሓ ምህላዉ እዩ።

ግዜ ዳኛ እዩ ወዲ ገራህቱ። ብዛዕባ ዲሞክራስን ኣተሃናንጻ ሃገርነትን ክትዛረብን ንዕኡ ዝምልከት መጽሓፍ ክትህበንን ይዝከረኒ። ግዜ ደኣ መወከሲ ኮይኑ እምበር፡ ከመይ ኢለ እየ ሎሚ ክኣምኖ ምኸኣልኩ? ከመይ ኢሉ እዩ ኸ ንስኻን እቲ ዝተኸላኸለልካን  ዝኣለየካን ብጻይ በራኺ ገብረስላሰ ኣብ በበይኑ መዓልቦ ክትወድቑ ክኢልክም? ከመይ ኢሉ እዩ እቲ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ተባሂሉ ዝውረየሉ ዝነበረ ተሪር በራኺ ኣብ መወዳእታ፡ ንሃገር ዝፈታተን ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ “ኖእ፡ እዚኣ እንተገበርና ትሓይሽ” ክብል ተገዲዱ፣ ብኣንጻሩ ንስኻ፡ እቲ ብንኡስ ብርጅዋን ካልእ “ሕማማትን” ክትጋፋዕ ዝተጋደልካን፡ በራኺ ዝተኸላኸለልካን ዘተባበዓካን፡ ሎሚ ዘመን ተገምጢሉስ፡ በራኺ ኣብ ጉድጓድ ክበሊ ንስኻ ከኣ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ክትከውን በቒዕካ? ንምሕረት እዮብን ጓላን እንታይ ትዕልለን? ብጻይ በራኺ ሃገር ከዲዑ ከምዘይትብለን ጥርጥር የብለይን። ንተጋደሊት ሮማ እንታይ ትብላ ወዲ ገራህቱ? ሃይለ ድሩዕ ሃገር ሽዪጡ? ንኣስተር ሰለሙን ረኺብካያ ኣይትኸውንን ኢኻ። ምኽንያት ከኣ ኣለዎ። ሓዋ ጥራይ ስለዝተኣስረ እቶም ምሳኻ ክጻወቱ ዝዓበዩ ደቃ ከይረኣየት ኣብ ስደት ትነብር ጸኒሓ። ምስጋና ነቶም ሰብ ጽቡቓ፡ ደቃ ኣብ መወዳእታ ገቢዞም መጺኦማ። ኣይንዓለም (ጆ) ዓርክኻን መጋድልትኻን እዩ። ብሰንኪ ጉዳይ ዘምኡ ጲጥሮስ፡ ንሱ እውን ንሰበይቱን ደቁን ክርእን ክሕከምን ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣይከኣለን።ጴጥሮስ መጋድልትኻን ሓላፊኻን ነይሩ። ንሱ ስለዝተኣስረ ጥራይ ስለምንታይ ሰበይቱን ደቑን ይሳቐዩ? ስለምንታይ ኣስተር የውሃንስ ገጻን ድምጽማጻን

ጠፊኡ ኢልካ ንነብስኻ ሓቲትካ ከም ትኸውን እውን ኣይጥርጥርን። ጉዳይ ጅግና ቢተወደድ ኣብርሃ እውን ርእሱ ዝኸእለ እዩ። እዚኦም ብቐረባ ዝትንክፉኻ ሰባት ስለዝኾኑ እምበር እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ኣዚኻ በሊሕን ምሁርን ሰብ ኢኻ። ገበን ተላጋባይ ኣይኮነን። ሰባት ምስቲ ቀንዲ ተጠርጣሪ ውልቀሰብ ብዘለዎም ምቅርራብን ዝምድናን ኣይክሰሱን እዮም። ትፈልጦ ኢኻ። ውልቀሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንርእሶም ደኣሎም ዝውክሉ እምበር ንመቕርቦምን ኣዕሩኽቶምን ኣይልክሙን እዮም። ኣብታ ንስኻ ትውክሎ መንግስትና ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራና ግን ነገራት ውጅብርብር ካብ ዝብሉ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-
እዚ ትከላኸሎ ዘለኻ፡ ብኮምሽን መሰል ደቂሰባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለለየ ገበናት ንኤርትራውያን ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ትህቦ ዘለኻ መልስታት እውን ኣሰልቻዊ ካብ ዝኸውን ግዜ ወሲዱ እዩ። ሎምስ ሓተታን መግለጽታትን ካብ ምውጻእ እንተትዕርፉ ምሓሸ። ምኽንያቱ እቲ መልስታትክም ኩሉ ሰብ ዝግምቶን ዝጽበዮን ቅዳሓት ኮይኑ። ኤርትራ ጸላእቲ የብላን ዝብል ሰብ የለን። ይኹን እምበር፡ ንርኡይ ብልሽውን ጸቓጥን ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ናብ እንዳማቱ ዝሽንብብ እንተሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ጸላእቲ ኤርትራ ዝውቐሱሉ ጉዳያት ይሃሉ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ወኪልካዮ ዘለኻ መንግስቲ ጥራይ እዩ ዝኽሰስ።
1.      እቲ ምኽያት ናይ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ኢትዮጵያ እንተኣጸጋዕካዮ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣገልግሎት ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ግን ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ናብ ኢትዮጲያ ክተልግቦ ትኽእል?
2.     “ቀደም ኲናት፡ ሕጂ ከኣ ‘ኣይኲናት ኣይሰላም’ ንፖለቲካዊ መስርሕ ዓንቒፍዎ” ኢልካ ትገልጽ። ሕራይ ንብዙሕነት ፖለቲካ ብከምኡ ነመኽንየሉ። ምኽንያት ናይ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ ኸ እንታይ እዩ? ኣብታ ሃገር መባእታዊ ምሕላው መሰላት ንኸይህሉ ከመይ ኢሉ እዩ ጉዳይ ዶብ ክጸልዎ። ንኣብነት ኣነን ንስኻን እንፈልጦም ሰባት ንሓሙሽተ ወይ እውን ንዓስርተ ዓመታት ተኣሲሮም፡ ምኽንያት መእሰሪኦም እውን ከይተነግሮም ክፈትሕዎም ንርኢ። ንኸይዛረቡ እውን ተኣጊዶም። ኣነን ንስኻን እንፈልጦም፡ ብዙሓት ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡን፡ እቶም ሃላዋቶም ዝፍለጥ እውን ብዘይፍርድን ስድርኦም ከይረኣዩን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለው። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና፡ እታ “ፍትሕን ሓርነትን ዝዓሰላ ሃገር ክንሃንጽ ንጋደል ኣሎና” ትብላ ዝነበርካ ኣበይ ኣቢላ? ጉዳይ ዶብ ከ ከምይ ኢሉ እዩ መመኽነዪ ምርጋጽ መባእታዊ መሰላት ዝኸውን? ኣዘዝቲ ሰራዊ ከይተረፉ ንሰባት ብ”ይጽነሓለይ” ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጉኑ ከምዝነበሩ ብኡ ዝሓለፉ ኣዕሊሎምኒ። እቲ ቐጻሊ ግፋን ግፍዕን ኸ መርኣያ ተቓውሞ መንእሰያት ‘ዶ ኣይኮነን?

3.     ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ እቲ ልዕሊ ክሉ ዘሻቕለኒ፡ ዋሕዚ መንእሰያትና ናብ ስደት እዩ። ኣብ ሰንጭሮታት ሳሕል ኮይንካ፡ ዘርኢ መጻኢ ኤርትራ ትነድፍን ትኹስኩስን ከምዘይነበርካ እዝክር። ሎሚ ግን መሻርኽቲ ናይቲ ሰራውር ቡቕሊ ናይ መጻኢ ኤርትራ ዘንቕጽ ዝብንቑርን ዘሎ ስርዓት ኰንካ ኣለኻ። እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ድማ፡ እቲ ብመንግስትኻ ዝግበር ወትሩ ኣሉ-ቐጣን እዩ። ቅልውላዋት ንግዚኡ ናብ ብካልኦት ክተሳብበሉ ትኽእል። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገባናት መንግስትኻ ግን ካልኦት ክሕመሉልካ ኣይኽእሉን ። “እዝን እዝን ኣጕዲልና ብከምዝን ከምትን ንጸግኖ፣ እዝን እትን ኣየዋጸኣናን እዩ፣ መንገድና ነስተኻኽል” ዝብል ዕቱብ ዘተ ክካየድ ኣይረኣኹን። ብኣንጻሩ፡ እቶም ንደገ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ከም ዘይተደለይትን “ሸሓኒ እንዳ’ማቶም ከልምጹ” ዝኸዱ ዘለዉን፣ ወጻኢ እንዳ “መዓርን ጠስምን” መሲልዎም ሀጽ ዝብሉ ከምዘለዉን እዩ ክጋዋሕ እንሰምዖ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ቀደም ዝኽርታት እንዳ ኣለዓዓለ ድቃስ ከሊኡኒ። ኣብ እዋን ሻድሻይ ወራር፡ ብ1982፡ ካብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ስዉእ ዑስማን ካካይ ሓንቲ ደብዳበ ሰዲዱልካ ነይሩ። ኣብ ጥግሕ ዝበሃል ከባቢ ዔላ ጻዕዳ ዓሪድና ነይርና። ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ንደጀን ዝኸይድ ሰብ ረኺብናስ፡ ኣነ ደሓን ዝኾነት ናይ ዕርክነት ደብዳበ ጽሒፈልካ፡ ዑስማን ግን “Keep your molecules and your democracy in your pocket.” ኢሉ ጽሒፉ ምስ ወደአ፡ ኣነ

ንምንታይ ከምኡ ኢልካ ትጽሕፍ ኢለ ተቐዪመሉ። ንሱ ኢሉ “እዚ ግዜ ትምህርትን ፖለቲካ ኣይኮነን። ወተሃደር እየ። ኤርትራ ናጻ ምውጻእ ክኸውን ኣለዎ ቀዳማይ ዕማመይ። ንጽባሕ፡ ደሞክራሲ’ዶ መንግስቲ ዝብሉ ኣብ ደጀን እኹላት ሰባት ኣለዉና። እቶም ናይ ኣእምሮ ኣብ ደጀን ኣለዉ። ዓድና ከኣ ሊቓውንቲ ኣይሰኣነትን” ኢሉኒ። እታ ደብዳበ በጺሓትካ እያ። ደሓር እውን ክንራኸብ ከሎና ንስሕቐላ ነይርና። ዑስማን ናጻ ኤርትራ ክርኢ ኣይበቕዐን። ከም ትፈልጦ ብ1988 ኣብ ሮራ መንሳዕ ተሰዊኡ። ዑስማን ኣብነት ናይቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዝኸስኸሶም ምዑታት ክኸውን እንከሎ፡ እዞም ሎሚ ብኣእላፍ መጻወቲ ጨካናት ደላሎ ዝኾኑ ዘለዉ፡ እዞም ንሃገሮም ዘይኮነስ ንነብሶም እውን ክኸላኸሉ ዘይከኣሉ ዘለዉ መንእሰያት ናጻ ኤርትራ ድማ ፍርያት ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ እዮም። ይረኣየካ ‘ዶ ኣሎ እቲ ፍልልይ? ኤርትራዊ ኤርትራዊ እዩ ወዲ ገራህቱ። ኣይተቐየረን። እቲ ናይ ቐደም መንእሰይ፡ ብሕራነኡን ድርቕንኡን ብተበግሶን ርእሰተኣማንነትን ዝልለ ዝነበረ ዕላማ ስለዝነበሮ እዩ። ንጭኮናን ዓመጽን ገዛእቲ ቐንጢጡ ሓንቲ ህዝባ ዝውንና፡ ስርዓትን ሕግን ዝነገሳን ተስፋ ዝዓሰላን ሃገር ከረጋግጽ ኣንቂዱ ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ግን እቲ ጩራ ተስፋ ተነፊግዎ። ኣብ ምምዕባልን ትምህርታዊ ትሕዝቶን ኣመሃህራን ናይ ክልቲኡ ወለዶታት ተሳቲፍካ ጥራይ ዘይኮነስ ማእከላዊ ቦታ ነይሩካ። እቲ ተጋዳላይ ተስፋንኪኤልን ምዑታት ብጾቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ቐደም፡ ንመስዋእቲ ዝቐዳደምን ብትሩን ኒሑን ዝልለን ብጸቕጥን ታህዲድን ዘይጸዓድ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሓቒ ናይ ምድራቑ “ደረቓት ፊተውራሪ” ዝበሃል ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካሩክለም ትምህርቲ/ሕጂ ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዘፍረዮ መንእሰይ ግን፡ ብጭፍለቓ ካድረታት ህግድፍን ኣዘዝቲ ሰራዊቶምን ዝባህረረን፡ ካብ ረመጽ ህግድፍ ናብ ቓልቓል ዝብል ምድረ-ገሀነብ ሲናይን፡ በረኻታት ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ዘምርሕ ዘየቛርጽ ዋሕዚ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ረኺቡና ወዲ ገራህቱ?
4.     ብልክዕ፡ ኤርትራ ካብቲ ንኣከባቢና ዘጋጥሞ ዘሎ ዕድላት ዕብየት ኣዝያ ንድሕሪት ተሪፋ ኣላ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝገደደ ድማ፡ ኣንፈት ምረሸኣ ንድሕሪት፡ እንዴትሮ እያ ትጓዓዝ ዘላ። ብሰንኪ እቶም ኒሕ ዘይፍለዮም ደቃ፡ ምስ ኩሉ መሰናኽላት ኢዳ ኣይሃበትን። ግን እናዓበረትን እናተረመሰትን እያ። እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቑጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ብደሆታት ቀለልቲ ኣይኮኑን። እቲ ጸገም፡ ኩሉ ሕመቕና ንካልኦት ለጢጥናስ “ደም ተሓለብ” ዝብለና እንተንረክብ ከ! ስለ’ዚ፡ ግዜ ፍርዱ ይህብ ኣሎ። ሃገርና ትምረሓሉ ዝጸንሓት ጎደና፡ ጎደና ዕንወት ከምዝኾነ ኣዚኻ ትፈልጥ ኢኻ። ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ስልጣን ትረኽቦ ረብሓ ከምዘይብልካ እፈልጥ እየ። ካብ ትፈትዋ ኣለም ተረሓሒቕካ፡ ነተን እንፈልጠን ደሞዝ ክንድዚ ክትግዛእ ከምዘይትኽእል እፈልጥ እየ። ግዜ ክትውከስን፡ ኣውያት ደለይቲ ፍትሒ ክትሰምዕን እምሕጸነካ።
5.     ዝበዝሕ ኤርትራዊ ኣብ ዓድና ፍትሒ ክነግስን ሂወት ናብ ንቡራ ክትምለስን እዩ ዝደሊ። ካብ ተመክሮይ ከምዝረኣኽዎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ጸላእቲ ኤርትራ እትብሎም ሰባት፡ ብዘይካ ሰናይ ኤርትራ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ የብሎምን። መንግስቲ ኤርትራ ሰናይ መገዲ እንተዝመርጽ፡ ልኡላውነት ናይ ህዝቢ ምኻኑ እንተዘረጋግጽ፡ እቶም “መንድስቲ ክግምጥሉ ይደልዩ” ኢልካ እትኸሶም ወገናት ጸግዖም ምሓዙ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ግን ህዝቢ ናብ ጎነጽን ጥሩፍነትን ከም ዘብል እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ንጨፍላቕን መላኽን መንግስቱ ክንድ’ዚ ዕድል ዝሃበ ህዝብታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።
6.     ልኡላውነት ሃገር ክትደጋገም እሰምዕ እየ። ብሰንኪ ምስምስ ልኡላውነት ሃገር ደቂ ኤርትራ ክኸላበቱን ክሓስሩን እንክርኢ “እንታይ እዩ እዚ ናይ ልኡላውነት ነገር” ክብልን ርእሰይ ክሓክኽን ጸኒሐ። ኣምባሳደር ወዲ ገራህቱ፡ ኩልና ከምእንፈልጦ፡ ልኡላውነት ሃገርና ክንክልልን፡ ርእሳ ዝኸእለት ኣሃዱ ኮይና ክትቐውምን ብዙሕ ሃላኽ ኣሕሊፍና ኢና። ምንትኡ ትፈትዎም ብጾትካ ከፊልካ ኢኻ። ምእንቲ ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ትፈትዎ ጅግና ሓውኻ ተቐጥቒጡ ምስጢር መታን ከየውጽእ ብከኒና ሰያናይድ ሂወቱ ኣሕሊፉ እዩ። ዕላማ ልኡላውነትን ዶባትን ግን ኣብ ውሽጣ ርግኣት ዝዓሰላ ሃገር፡ ልኡላዊ ህዝቢ ዝነብረላ ኤርትራ ትበሃል ስድራ-ቤት ክንምስርት እዩ ነይሩ እምበር መቐጥቐጥን መዐፈንን ህዝባ ዝኸውን መካበብያ ወይ ዘሪባ ክንነድቕ ኣይኮነን። ሃገር ምስ መሬታን መንግስታን ህዝባን መማዕበልን መመሓየሽን ሂወት ነበርታን እንተኾነት እምበር፡ ዜጋታታ ዝጭፍለቑሉን ዝዳጐኑሉን ግቢ እንተኾነት እንታይ ጥቕሚ ኣለዋ? እቲ ኤርትራውያን ዝወሰድዎ ሃገር ናይ ምምስራትን ዶባታ ናይ ምክላልን ሕርያ ንብልጽግነኦም ደኣ እዩ ነይሩ እምበር፡ ከምዚ እንርእዮ ብዘይፍትሒ ዝጎሳቖሉሉ ክሉል መሬት ንምምስራት ኣይኮነን። ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ዓድና ልኡላዊት እትኸውን ብምክላል ዶባትን ምንብልባል ባንዴራን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝባ ልኡላውነት ምስ ዝጭብጥን ዝለብስን፡ ባዕሉ ዝሰርሕ መንግስቲ ምስ ዝሽይምን ዝባርኽን፡ ነቲ ዘይሰርሕን ገስረጥ ዝኾነን መንግስቲ ድማ ምስዘባርር እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ከመይ ዝበለ ጅግናን ምቕሉልን ህዝቢ ኣብ ቅድመና ይበታተን ኣሎ። ከመይ ዝበለት ሃገር እናሓደረት ትድነስ ኣላ። ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ ተስፈኣ ይበንን ኣሎ። ሓይልን ተበግሶን ናይቶም ሓዊ-ሓዊ ዝሽትቱን ትስፉዋትን ዝነበሩ መንእሰያት ዘመነ-ቓልሲ (ገባሩ ይኹን ተጋዳላዩ) ከበርክትዎ ዝግባእ ኣስተዋጽኦ ብዝግባእ ኣይተመዝመዘን። ኩነታት ናይቶም ናይ ሎሚ መንእሰያትና ድማ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እሞ እንታይ ይገበር? “ንኺድ ጥራይ” የዋጽእ ድዩ? ዘመነ “ግዝኣተ-እመኑና” ከ ክሳብ መዓስ እዩ ክቕጽል? እቲ ወጥሪ ዝያዳ እናኸረረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ለይቲ እውን እና ነውሐ እዩ። በዚ ሃገርና ተታሒዛቶ ዝጸንሐት ኣካይዳ እንተቐጺልና፡ እቲ ጸላም ክኸብድ እዩ። ኣቲ ለይቲ እውን ክምጠጥ እዩ፡ እቲ ወጋሕታ እናረሓቐ እዩ ክኸይድ። እዚ ጅግና ህዝቢ’ዚ ኣዚ ክፍደ ኣይግበኦን። ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኢና ዘለና ወዲ-ገራህቱ። ንዘልኣለም ዝኸይድ ጥንሲ የለን። ሃገርና ክትሓርስ ኣለዋ። ህዝብና ቅሩብ ክርህዎ ኣለዎ። ዋና ዋኒኑ ክኸውን ኣሎዎ። እንተ ብትሕም-ትሕም እንተ ብዓውታ “ከምዚ ርኢና ኣይንፈልጥን” ይብል ኣሎ። ኣቓልቦኡ ናብ ወጻኢ፡ ተስፍኡ ከኣ ካብ ትጽቢት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መቕርቡ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራ ሃገርና በረውረው ከይትብል ንሰግእ ኣሎና። ጉልበት ዘለዎ ብእግሩ ይሃድመላ ኣሎ። እቲ ጉልበት ወይ ዕድል ዘይረኸበ ድማ ብሓሳቡ ሃሙን ይዕዘር ኣሎ። ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ብነብስኻ ናይ ምጥርጣርን፡ ትሑት-ስምዒትን፡ ምንቑልቛል ርእሰ-ምትእምማንን ኣዝዩ ዘጕሂ እዩ። ጠንቁ ድማ ብመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ረገጻን ጭፍለቓን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣክንዲ ምስቶም ኣብ ጉዳያትና ንኸኣትዉ መንግስትኻ ባዕሉ ባብ ዘርሓወሎም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምፍጣጥን ምትህልላኽን፡ ሓንሳብ ሕሰብ። ንመን ኢኻ ተጋዲልካ? ንህዝብኻ ዲኻ ተጋዲልካ ወይስ ንድሕነትን ህላወን ሓደ ገባትን ረጋጽን ስርዓት? እቲ መልሲ ንዓኻ እገድፎ። ግን ዘረባ መምህር ኣልጋነሽ ዘክር። ግዜ ዳኛ እዩ። ግዜ መወከሲ እዩ።
ሓውኻ ማሕሙድ ሳልሕ

 

ፊተውራሪ (ቀይሕ ዕንባባ) ወራሲ ሕድሪ?

ሰለሙን ወልደሚካኤ


ኣብ ዝሓለፈ እዋን ‘ሓባራዊ መግለጺ ብተምሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ’ እትብል፡ ንሕልናይ ዝተንከፈት መደብ ብተሌቪዥን ኣሰና ተፈንያ ሰሚዐ። ጠቕላሊ መልእኽታ `ህዝብና ብጨፍላቒ ስርዓት ይሳቐ ስለዘሎ ኣብ ጎኒ ህዝብና ደው ክንብልን ንዓማጺ ክንኣልን ክንቃለስ ኢና` ዝብል ኢዩ።
ብድሕሪኡ እውን ኣብ ፈይስቡክ፡ ብገለ መንገዱ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ዝራኸብ ብብዙሓት ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ኣንቢበ። እዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተፈነወ ሓሳባት ኣብ ሓደ ዝጥመር ይመስለኒ። ኩሉ ዝሰማዕኩዎን ዘንበብኩዎን ድማ ነቲ ወትሩ ኣብ ኣእምሮይ እናትመላለሰ ዘሕስበኒ ዝነበረ ገና መዕለቢ ዘይረኸብኩሉን ሕቶ ኣለዓዒሉለይ ሐሳበይ ከካፍል ደሪኹኒ።
ኣበዋት ክምስሉስ፡ “ቆርበት ማዓስ እያ ተበላሽያ፡ ኣብ ምንፍሓ’ዶ ኣብ ምጥብሓ?” ኢሎም ሕቶ የቐድሙ እሞ፡ “ኣይ ኣብ ምንፍሓን ኣብ ምጥብሓ” ዝብል ምላሽ ምስረኸቡ፡ “ኣይ ብዓንተቦኣ እንድያ ተበላሽያ” ከምዝበሉ ታሪኽ ጸኒሑና ኣሎ።
ሎሚ ፊተውራሪ፡ ወይ ቀይሕ ዕንባባ ነበር፥ ገሌና ክምቲ ዝጠፈሸ ዓረብ መዝግብቲ ቀደም ገንጺሉ ነብሱ ይድብስ ከምዝብሃል፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ ታሪኽና እናዘክርና ክንጸናናዕ ነቲ ሂወትና ዝኸፍልናሉ ራኢ (ራኢ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ ስላም ጋህዲ ብዘይ ምዃኑ ዝገድፈልና ዘሎ መሪር ስንብራት፡ ከምቲ ዝጠፈሸ ዓርብ ብሕሉፍ መዛግብቲ ታሪኽ ንሂወትና ዕረፍቲ ክንህባ ንጋደል ከምዘለና ይርድኣኒ። ካልእ ምሕሳብ ዘይትግበር ዓቐብ ኮይኑ ስለዝተሰምዓና ተመሳሲልካ ምንባር ከም ቅዲ ሂወት (Strategy) ወሲድና ሂወትና ብሰላም ክንመርሕ ንቃለስ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ። ግን ከም ሰገን ክሳድካ ኣብ ሑጻ ቀቢርካ መከራ ምስጋር’ዩ እቲ ነገር።
ገሌና ድማ ንነዊሕ ዝሓለምናዮን ዘይትመን ዋጋ ዝኸፈልናሉን ራኢ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ሃደሽደሽ ክብል ምርኣይና ከቢድ ጓሂ ፈጢሩ ስነ ኣእምሮኣዊ ሃስያ ስለዘውረደልና ኩሉ ገድልና ክሳራ ኢዩ ኔሩ ናብ ምባል ይደፍኣና ኣሎ። ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ግን ንብዙሕ ክፋል ህዝብና ተመሳሳሊ ስምዒት ፈጢሩሉ ከምዘሎ ማንም ኣይስሕቶን። “ተጋዲልኩም እንታይ ኣምጺእኩም፡ ካብዚ ዘለናዮ ዘበን፡ ዘበነ ደርጊ’ዶ ኣይሓይሽን፡ ደርጊ እንተኣሰረስ የብልዓ እኳ፡ ኣብ ፖለቲክኡ እንተዘይኣቲኻ ዝትንክፈካ ኣይነበረን።” ዝብሉ መሊኦም ኢዮም። ግን ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ጎቦ ከይተገርካ ኣብቲ ኪንኡ ዘሎ ኣድማስ ከተማዕድዎ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ዝባን ከይበጻሕካ፡ ድሕሪ እቲ ጎቦ እትረኽቦ ቦታ ሜዳ ዲዩ ጎቦ፡ ለምለም ዲዩ ምድረ በዳ ክትፈልጥ ዝክኣል ኣይኮነን። ንሕና ከኣ ንቕድም ናጽነት ከየውሓስና ንዝቕጽል ሓርነትን ዲሞክራስን ከነማዕዱ ኣይከኣልናን፥
ኮይኑ ከኣ፡ “ዘይሓስብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይመርቓዩ ኮይኑና ኣሎ። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ህልው ኩነታት ሃገርና ፈጢሩልና ዘሎ ዘይሓለምናዮን ዘይተጽበናዮን ሃስያ ቀሊል ኣይኮነን። ዕለታዊ ሓሳብናን ሻቕሎትናን ከኣ ነዚ ህሉው ኩነታት ዝበቅዕ መልሲ ክንረክብ ካብ ዘይምኽኣልን ዝነቅል ኮይኑ ይስምዓኒ።
መሲልካ እንታይ ኣምጻኣካ ክበሃል ግድን እዩ። ብርእይቶይ ነገር ብዓንተብኡ ኢዩ ተበላሽዩ። ንሕና ፊተውራሪ ሓላፍነትና ስለዘይተሰከምና ንህዝብና ኣብዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ሰላሳ ዓመት ናጽነት ዝስሙ ባርነት ሸሚምናዮ። እዚ ድማ ኢዩ ልዕሊ ኩሉ ድቃስ ዝኸልኣና። ወትሩ ምስ ሕልናና ዘባእሰና። ስምዒትና ከነደዓዕስ ነቲ ዝፈጠረልና በሰላን ቁስልን ክንሕክም ብዙሕ መመኽነይታ ንድርድር ኢና። እቲ መመኽነይታታት እውን ገለ ገለ ሓቅታት ዘለዎ እናመሰለና ንነብሰና እናቐሸሽና ክንነብር ንፍትን። “እንታይ ዘይገበርኩ! ኣነ እንታይ ይፈልጥ ኔረ” ብምባል ሕመቕና ድኻምናን ካብ ማእገርና ከነራግፍ ንፍትን። ኩሉ ግን ካብቲ ሓቂ ከህድመና ዝኽእል ምስምስ ኣይኮነን።
እቲ ሓቂ ንሕና ፊተውራሪ ነቲ ብጹእ ታሪኽና፥ ሕልምናን ራኢናን፥ ኣእላፍ ደቂ ሓላል መሬት (ኣነ ብኣካል ዝፈልጦም እኳ መወዳእታ የብሎምን) ንናጽነትን ሓርነትን ህዝብና እናበሉ ንሞት ከምንቡር እናተቐዳደሙ ዝሓልፉሉ ንስለ መብጸዓኦም ንታሪኾም ናብ ሓድሽ ወለዶ ከነሰጋግሮ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝምጥን ሓቦን ዓቕምን ትብዓትን ሃዲሙና ናይ ታሪኽ ሃጓፍ ፈጢርና፡ ነቲ ሰንሰለት በቲኽና፡ ተጸጊዑ ዝጸንሐ ጉሒላ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሸይሸይ ክብል፥ ክሳድና ረጊጹ ክገዝኣና ናጻ ሓዲግናዮ። ናይ ሃገርና ውድቀትን ናይ ህዝብና ወጽዓን ተሓታቲ ድማ ይገብረና። ገበን ኮይኑ’ኳ ኣብ ቤት ፍርዲ ተዘይኣብጽሓና፡ ዝኸፍአ ናይ ሕልና ቅሳነት ከሊኡ ሰላም ነሲኡና ኣሎ።

ልክዕ ኢዩ፡ መበገሲ ስምና ቀይሕ ዕንባባ ኮነ ፊተውራሪ፡ ኣብ መስርሕ ገድልና ካልእ ትርጉም ኣይነበሮን፡ ብዘይካ ሓንቲ “ተካእቲ” ትብል ቃል። ተካእቲ ናይቶም ስለ ናጽነት፡ ስለ ፍትሒ ስለ ዲሞክራሲ ዝሓለፉ ሰማእታት። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ብዙሓት በጻሕቲ፡ ካብ ግንባራት ኮነ ካብ ክፍለስርሓት፡ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ብተለምዶ ናይ ምልላይ ኣኼባታት ይግበር ኔሩ። ከም ንዝክሮ “ኣንቋዕ ደኣ ንስኻትኩም ተካእትና ፈረኹም እንበር ናትና መስዋእቲ ሓላለ ኢዩ” ይብሉ ነይሮም። ድሕሪ መስዋእቶም ንሃገር ብርትዕን ፍትሕን ዘመሓድሩ ተካእቲ ኣለውና ካብ ዝብል እምነት። እታ ዘረባ ኣብ በት ትምህርቲ ትደጋገም ከም ዝነበረት ኣይንርስዖን።
ኣብ 1976 ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ናብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን (ኣነ ኣይነበርኩን፡ ግን ብጾትና ዘዕለሉኒ) “ደጊም ኤርትራ ተስፋ ኣለዋ፡ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሎሚ ብጋህዲ ርእዬያ” ኢሎም። ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ሕልምን ሃንቀውታን ከም እምባ በረድ (glacier) ሃደሽደሽ ኢሉ። ንሕና ሓላፍነትና ክንስከም ሕድርና ክንፍጽምስ ይትረፍ ኣብታ ንእስነትና ዘምከንናላ መሬት ማሙቕና ምንባር ስኢና እግርና ናብ ዝመርሓና ካብ ጻት ንጻት ዓለምና ከም ደቂ ዛግራ ተበቲና፡ መሪር ናብራ ስደት ነሕልፍ ኣሎና። እታ ቆርበት ብዓንትቡኡ ኣብ ምጥባሓ እያ ተበላሽያ ዝበልኩዋ ድማ ነዚ ምርኩስ ጌረ ኢዬ።
ኣተዓባብያና ብተሪር ዲሲፕሊን ዝተሓጽረ፡ ኮፍ ክንብል ኮነ ክንትንስእ ዋላ እውን ክንሸይን ክንደሊ ብትእዛዝ ዝፍጸመሉ ህሞት ምንባሩ ናቱ ግደ ኣለዎ፡ ከም ኣብ ሓንቲ ጠሓኒት ዝኣተወ እኽሊ፡ ብሓደ ድስፕሊን ኣብ ሓደ ቑራዕ ተጠጢቕና በሲልና ሓደ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኢና ወጺእና። ብላዕሊ ዝመጽኡ ትእዛዛት ፈጸምቲ እንበር ተመራመርቲ ከይንኸውን፡ ሰዓብቲ እንበር ሃንደስቲ፡ መራሕቲ ለውጢ ክንከውን፡ ብቕዓት ከነጥሪ ኣየኽኣለናእ። ናይ ብሓቂ ተካእቲ ክንከውን ዘኽእለና ፖለቲካውን ናይ ምምራሕ ዓቕምን (leadership skills) ከነጥሪ ኣይክኣልናን። ናይ ምምራሕ እሞ ንግደፎ ተጋደልቲ ኣይነበርኩምን ተባሂልና መስዋእትናን ዝኸፈልናዮ ከቢድ ዋጋ ክከሓድ ተፈቲኑ እዩ። ካብ መኣዲ ትምህርትና ብሓንቲ ብጣስ ወረቐት ብዘይ ወግዒ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክንባረር እንከለና ንመሰልና ውን ደው ክንብል ኣይከኣልናን። ናትና ኩነት ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ጆርጅ ኦርወል (ኣኒማል ፋርም) (George Orwell, Animal Farm) ነቲ ፈረስ ዝተዋህበ ገጸ-ባህርያት ዝመሳስል ኮይኑ ይስምዓኒ። ንስራሕ ጥራይ፡ ባዕሎም ክሓስቡሉ ኢዮም” እናበለ ኣብ መወዳእታ ኣማውትኡ ዘይጸበቐ ፈረስ ገጸ-ባህርያት ኮይና ኢና ተሪፍና። ኣብ ግዜ ገድልና መዘና ኣልቦ መስዋእትን ጅግንነትን ንዝተዋህበና ዕማም፡ ኣብ ምፍጻምን ኣመስኪርና፡ ካብኡ ግን ኣይቀጸልናን።
ኣብ እዋን ናጽነት ሕመቕና ከነወገድ፥ ግቡእ ናይ ፊተውራሪ መሪሕ ተራና ክንጻወት፥ ነዚ ብቕዓት ከነጥሪ ኣይሓለናን። መሰልና ኮነ መሰል ህዝብና ክውሓስ ኣይሰራሕናን፥ ኣብዚኣ ንርእስና ወዲቕና፡ ንንብስና ንቕዝፈት ኣቃሊዕና ንህዝብና ውን ናብዚ ኩሉ መዓት ሸሚምና ሽሙ ከምዝጠፍኦ ንህቢ ዝርው ኢልና። ሓደኳ ካባና ክእክብ ከማእዝን ክመርሕ ዝኽእል ብቕዓት ኣይፈረየን።
ነዚ ድኻምና ጽቡቕ ትምህርቲ ዝረኸብኩሉ ኣጋጣሚ ኔሩ። ኣብ ሓደ ብውልቀይ ዝተሳትፍኩሉ ኣኼባ ኩለን ተቓውምቲ ውድባት ኤርትራ ፕሮግራመንን ቅዋመንን ንመንእሰያት ተጋባእቲ ከፋልጣ ወከልተን ሰዲድን መድረኽ ተዋሂብወን በብሓደ ቀረባ።
ካብ መንእሰያት ንኹሎም ዝቐረበትሎም ሕቶ ሓንቲ ኔራ። ንስኻትኩም ኣሪግኩም ኢኹም ንመንእሰያት ስልጣን ኣረክቡ ትብል ኔራ። ዝብዝሑ ሓቅኹም ኣብዚኣ ወዲቕና እናበሉ ክምልሱ እንከለው ሓደ ካብቶም መራሕቲ ውድባት ግን “ኣበይ ዘለኹም ኢኹም ስልጣን ኣረክቡና ትብሉ፥ ስልጣን ብሓይሊ እዩ ዝምንዛዕ እምበር ኣይውሃብን ኢዩ። ኣረክቡ ኣይትበሉና ዘረክበኩም የሎን። መጺእኩም ብስረኹም መንዚዕኩም ውሰዱዎ ኢሉ መሊሱሎም”። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ህግደፍ እውን ኣብ ሳዋ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣብ ዝምህርሉ ዝነብረ እዋን ተመሳሳሊ መግለጺ ከም ዝሃብ ይሰምዕ።
ንሕና እውን ስልጣን ዝምንዛዕ ምዃኑ ተገንዚብና ንነብስና ብፖለቲካዊ መንገዲ ስልጣን ክንርከብ ከምእንኽእል ኣይቀረብናያን። ኮይኑ ድማ ገሌና ኣብ ደገ ሰፊርና ሕልናና እናደመየ፡ ንዓዲ መታን ክንኣቱን ኣብኣ እትህሉ ንእሽቶ ረብሓ ክንዕቅብን፡ ኣፍና ለጒምና ሕልናና ሸይጥና ከም ቆልቋል እናነባዕና ንነብር ኣለና።

ገለና ድማ መንገዲ ጠፊኡና ፍታሕ ሓርቢቱና ምስ ነብስና እናተባኣስና “እዚ ህዝቢ እንታይ ኮይኑ እዩ ሓዲኡ ዘይገብር፡ እቲ ሰራዊት’ከ እንታይ ኮይኑ እዩ ከምቲ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሱዳን ዚምባብወ፡ ማሊ ዝተገብረ ሓዲኡ ዘይገብር እናበልና ሓላፍነትና ንኻልእ ከነሰክምን ክንቁዝምን ንውዕል ኣልና። ሕልፍ እንተበለ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዌብሳይታትን ኣብ ክንዲ ድኽመትና ክንፍውስ ንሐድሕድና ንምሃሃር፡ ሰራዊት ሳይበር ተጠሚቕና ብዘላፊ ቃላትን ሓሳባትን ክንገጫጨብ ንውዕል ኣለና።
ሓሳብካን ርእይቶኻን ምግላጽ ሕማቕ ኣይኮነን። ግን ከኣ ብኣኽብሮትን ልቦናን ክኸውን ይግባእ። ጸርፍን ዘለፋን ምንእኣስን ምኽሽማሽን ናብ ዘብጽሓና የብሉን። ኣብ ርእሲኡ ነቲ ነድርና ሓደ ስጉምቲ ወሲኽና፡ ውድቀትና ክንሕክም፡ ዓቕምና ናብ ነገራዊ ሓይሊ ቀይርና፡ ከምቲ ካብታ እነፍቅራ ዓድና እግርና ናብ ዝመርሓና ዝተበተንና፡ ሕጂ ከኣ እግርና ናብ ዓድና ክነቕንዕ፡ ብዝሓየለ ክንውደብ፡ ዓቕምና ኣሐይልና ናይ መሪሕ ተራና ክንጻወት፡ ሰማእታትና ክንድብስን ቅሰኑ ክንብሎም እዋኑ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ስለዝኾነ ናብዚ ዝጎሃሃር ዘሎ ምንቅስቓስ ኢደይ ኢደይ ክንብል ይምሕጸን። እታ ንኹልና እትሓቕየና ዘላ ጥልመት መላኺ ብሕብረትናን ሓይልናን መንዚዕና ክንርከባ ኣሎና። ግዜ ይጠልመና ስለዘሎ ኣብራኽ ክይኣበየ ምብጋስ እዋኑ ይመስለኒ። ዎደሓንኩም!!
ሰለሙን ወልደሚካኤል

 

ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ውትህድርና ተማሃራይ ቤ/ት/ሰውራ

ብተወልደ ካሕሳይ 01/09/2020

እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተጀሚሩ ዘሎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን፡ “ነቲ ታሪኽናን ኣመጻጽኣናን ከም ዘለዎ (ሕማቁን ጽቡቁን) ብሓቂ ገሊጽና: ካብኡ ተማሂርና: ነቲ ዘለና ፍልልይ ኣጽቢብና፡ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ገጢሙና ዘሎ ዘይተጸበናዮ ካልኣይ ገድሊ እንታይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል” ዝብል ብሓፍትና ኤደን ኢያሱ፡ ዮሴፍ ፍሰሃየን ጊዴዎን መሓሪን ዝተጀመረ ናይ ክትዕ መድረኽ ከየምስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ቀጺለ፡ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዝተባህለ ኩሉ ሰብ ስለዝሰማማዕ፡ ኣብተን ሎምቅነ ኣእዛን ገለ ገለ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኮርኪሐን ድቃስ ከሊአን ዝቀነያ ሓቅታት ኣድሂበ ርእይቶይ ክህብ ክፍትን ኢየ። እዚ መድረኽ እዚ ቀጺሉ፡ ንወለዶታት ዝሓልፍ ሓቀኛ ታሪኽ ክንገድፍ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ይላቦ።

እታ ቀዳመይቲ ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ውትህድርና ትብል ኢያ ነይራ:-
ኣብዚ እርእስቲ 'ዚ ብሓቂ ክንዝቲ እንተደኣ ኮይና: ኣይኮነን 'ዶ 'ቲ ተማሃራይ ቤ/ት/ሰ ዝነበረ፡ እቲ ዝበዝሐ ተጋዳላይ እውን ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ኢዩ ነይርዎ። ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ወጺኡ ዝኸተተ ወይ ዝተወዘዐ መንእሰይ 17 ዕድመ ዝበጽሐ ኣይነበረን። ካብ'ቲ መጀመርያ

1978 ኣብ ዜሮ፡ ኣብ 1979 ድማ ኣብ ሓውወልዕ ዝኸተቱ ጀሚርካ፡ ልዕሊ ዕድመ ኢዮም ኔሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይነበረን። ድሕሪኡ ኣብ ሻድሻይ ወራር 1982 ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘምርሑ: ኣብ 1983 ካብ 03 ዝተወዝዑ ተማሃሮ፡ ምናልባት ሓደ ክልተ 16 ዓመት ዝገበሩ እንተነበርዎም እምበር ኩሎም ደቂ 14 ወይ 15 ዓመት ምንባሮም ርግጸኛ ኢየ። ካብኡ ቀጺሉ ኣብ 1985 ዝተወዝዑ ህጻናት ከኣ`ሞ ዝገደደ ኢዩ ኔሩ። ካብዚኣቶም እቲ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሕዎ 5ይ ክፍሊ ኮይኑ ንፈውሲ ማሕላ``ኳ15 ዓመት ዕድመ ዝበጽሐ ከምዘይነበረ ኣጸቢቐ ይዝክር። እዚኦም ትሕቲ ዕድመ ኣይነበሩን ኢልካ ትሓስብ እንተደኣ ኮይንካ: ንርእስኻ ኣብ'ቲ ግዜ 'ቲ ወዲ ክንደይ ዓመት ከም ዝነበረካ ምዝካር ከድሊ ኢዩ። “ህዝባዊ ግንባር ኣብ መዋጥር ስለዝነበረ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን፡ ስለዚ ዋላ ትሕቲ ዕድመ እውን እንተኾነ ክኸትት ጥራይ ኢዩ ኔርዎ” እንተዝብሃል ምናልባት ምኽንያታዊ ምኾነ። እንተዘይኮነ ግን ቁልቁል ዝኣፉ ትሕቲ ዕድመ ኣይነበረን ምባል ካብ ታሪኽ ምህዳም ጥራይ ኢዩ።

ንገድሊ ክመሃር ኢሉ ዝወጸ ከም ዘየልቦ ዝስሕት ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡ መብዛሕትኡ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝነበረ ዕኹኽ ክሳብ ዝብል እቲ ቤት ትምህርቲ መጻንሒን መዕበይ ህጻናትን 'ዩ ዝነበረ። ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጸ ንጹህ ሓንጎል፡ ካብ ምሁር፡ ነጸላን በትርን ዝዓተረ ሓረስታይ ወይ ድማ ሃገረሰብ ናይ ምምሳል ባህሊ ዘቐድም፡ ናብ ውግእ እናዓለለ ዝኣቱ ደው ኢሉ ዝዋጋእ ከም ተባዕን ቆራጽን፡ ጽርይርይ ዝበለ ከም ሙሽሙሽ ንኡስ ቡርጁዋዊ ስምዒት ዘለዎ ድኹም፡ ኣብ ትምህርቲ ተገዳስነት ዘርኣየ፡ ከም ፈታው ነብሱን ረብሑኡ ዘቀድም ተብላጺ ወይ ዘይተባዕ ገይሩ ሓንጎል ተመሃሮ ዝሓጸበ ቤት ትምህርቲ ምምባሩ ይዝከረኒ። እዚ ከምዚ ዓይነት(indoctrination) ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብሙሉኡ 'ቲ ውድብ ወግዓዊ ኣሰራራሓ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሚእቲ ምሁራት ዓሰርተ ናይ ሸቃላይን ገባራይን መበቆል ዘለዎም፡ ብዘይ ዝኾነ ሕቶ ዝተኣዘዝዎ ጥራይ ዝፍጽሙ (ጨጓራት ዳንጋ) ዝመርጽ ባህሊ: ተወዳዳሪ ሰነ ሓሳብ ዘይቅበል መሪሕነት ምምባሩ ዝርስዕ ተጋዳላይ ዘሎ ኣይመስለንን።

እዘን ዕድሜና ምሉእ ዝሰማዕናየን፡ ትምኒትን ተስፋን፡ ሕልምን ሞራልን ብዙሓት ምሁራት ተጋደልቲ ዘጓናደባ ቃላትን ሓረጋትን ክዝክር እንከለኹ ደመይ ይፈልሓኒ። ኣቱም ሰባት እተን መዓልታዊ ንሰምዐን ወይ እንብለን ዝነበርና ሓረጋት እሞ ንዘክር፥ “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል ኩነታት ኣየፍቅዶን ኢዩ። መድረኽ ዘይጠልቦ: ክውንነትን ውድዓውነትን ዘየፍቅዶ: ሕሉፍ ጸጋማዊ: ዝንቡል: ኣብ ሕሉፍ ኣይትንበር: ሕቶታት ኣይተብዝሕ: ህርፋን ሓላፍነት ኣሎካ: ሕማም ምሁር ተርኢ ኣለኻ: ነብስኻ ኣይተታዓባቢ: እዚ ናይ ንኡስ ብርጁዋ ጠባይ ኣየዋጻኣካን 'ዩ: ደርብኻ ቅተል: እዚ ከተማዊ ጠባያት እንተገደፍካዮ ይሕሸካ: ፍሉይ ምትእኽኻብ ጉጅላውነት ተዘውትር ኣሎኻ፡ መርገጺኻ ኣፍልጥ፡ ግቡእካ ፈጽም መሰልካ ክትሓትት፡ ባዕላውነት: ኣንነት...ወዘተ” ዝብሉ ንኽንደይ ምሁራት ወይ ደሓን መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ተጋደልቲ ዘሳቐዩ ቋንቋታት ምንባሮም ከመይ ጌሩ ይጠፍኣና። ንሕና ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብዚ ሃፋ እዚ ነጻ ኣይነበርናን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምሕሳብ ዓቕምና እውን ነክይዎ ኢዩ። ከም ወዮ ደራፋይ ዝበሎ "ሰውራውያን ዝመስሉ ሰብ መሰል ተዃሉ" ማለት እንታይ ማለት ድዩ? ኩልና ከም እንዝክሮ እቶም ብኣባላት ሰልፊ ዝፍለጡ፡ መሃይምነት ጥራይ ዘጥፍኡ ንክንደይ ሓርበኛ ላል ዘበሉ: ርእሱ ሓፍ ንዘበለ ኣእጋሩን ሞራሉን እናከርተሙ፡ ተጨፍሊቁ ከምዝነብር ዝገብሩ ዝነበሩ ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ንርሰዖም ዘለና።

ንኣብነት፡ ይዝከረኒ ኣብ 1987 ህዝባዊ ግንባር ንካልኣይ ጉባኤ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ክፍሊ ህዝባዊ ምንቅቃሕ ንጉባኤ ዝካፈሉ ወከልትና ንምምራጽ ተኣኪብና ኔርና። ሓንቲ ካብተን ጨንፈራት ድማ እታ ብእንዳ ምርምር እትፍለጥ ጨንፈር ኢያ ኔራ። እዛ ጨንፈር እዚኣ በቶም ኣዳለውትን ኣሰናዳእትን ናይቲ ኩሉ ኣብቲ ውድብ ዝሕተም ዝነበረ መጽሄታትን ጽሑፋትን ዝቖመት ኢያ። ገለ ካብዞም ምሁራት ከኣ፡ ጠዓመ (ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ነበር) ኣለምሰገድ ተስፋይ (ጸሓፍን ናይ ታርኽ ተመራመርን) እስቲፋኖስ ዳኘው፡ ፎርኦን: ኢትባርኽ ሃብተገርግስ ውዘተ ዝኣመሰሉ ኢዮም ኔሮም። ኣብ ጉባኤ ክውኩልና ብኣባላት ኣስማቶም ኣብ ዝተረቋሓሉ ግዜ ኢዩ እምበኣር ብኣባላት ሰልፊ ዝተደርበየ ናይ ቃላት ቦምባታት ኣብ ዝባኖም ክወድቕ ዝጀመረ። በዝን በትን ብነቀፌታን ጠቐነን ኣይብልዑ ኣይስልዑ ገይሮሞም ደኒኖም ብሕፍረት ካብቲ አኼባ ከምዝወጹ ተጌሩ። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ህግ ክልተ ግዜ ጥራይ ዝተገብረ ዓበይቲ ጉባኤታት: ካብዚ ክፍሊ ምንቅቃሕ ዝኾነ ዓቢ ጨንፈር ናይ'ቲ ውድብ ወከልቲ ኮይኖም ተመሪጾም ዝኸዱ ሰባት ኣይነበሩን። እዚኣቶም ካብዘይተመርጹ ደኣ መን ተመሪጾም ዝብል ሕቶ ከምዝህሉ ርግጸኛ ኢየ። እምበኣር ኣብዚ ኣኼባ እዚ ወከልቲ ክኾኑ ዝተመርጹ: ሊያ ጎይቶኦም (ድምጻዊት) ከዲጃ ኣድም (ድምጻዊት) ዓብዱ መዓለ (ድምጻዊ) ሓጃይት ምንዳል (ሳዕሳዒት) ሰናይት ደበሳይ (ሙዚቀኛ) ዝኣመሰሉ ነበሩ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ነቲ ክፍሊ ወይ ጨንፈር ንምንእኣስ ዘይኮነ: እቲ ኣሰራርሓ ከመይ ይመስል ነይሩ ንምግላጽ ዝኣክል ኢለ ኢየ። ካብ 'ዞም ክልተ ጉጅለ ኣስማት ዝጠቀስክዎም ኣብቲ ጉባኤ ከይዱ ብዛዕባ ፖሊሲታት፡ ሕጋጋት፡ ቅዋምን ፕሮግራምን ቅጥዒ ከትሕዝ ክመራመርን ክምጉትንን ዓቅሚ ዝነበሮ ኣየናይ ጉጅለ ምንባሩ ንኹላትና ንጹር ኢዩ:: ንምንታይ ደኣ እቶም ሓደ ዝተሓተ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዝነበሮም ተመሪጾም?
እቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዝነበረ ኣጠማምታ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ምንባሩ እንተ ተሰማሚዕና: ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰለፉ ብሉጻት ምሁራት ብጉቡእ ክጥቀሙሎም ዘይከኣሉን: ዘይደለዩን 'ሲ፡ ንተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ኣምሂሮም፡ ኣብዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሖም፡ ኣብ ሃገር ምምራሕ ወይ ነቲ ውድብ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ክሰርሑ ትምኒትን መደብን ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ጽላለ ይመስለኒ። ኣነ ከምዚ ዓቅሚ ኣሎኒ፡ ብኸምዚ ዓይነት ሞያ ሰልጢነ፡ ኣብዚ ሜዳ 'ዚ ተመኩሮ ኣሎኒ፡ እዝን እዝን ክገብር ይኽእል ኢየ፡ ኢልካ ምስ ልዕሌኻ ዘለው ክትወዳደር ዝኾነ ዓይነት ambition ከምዘይህልወና፡ ነተን ዝደለዩና ሃጓፋት ንኽንዓብስ ኢሎም ጥራይ ኢዮም መልሚሎምና (ኩረት)

እቲ ኣበርክቶና ኣብ ሬድዮ ኦፐረይተር: ኣጋር ሓኪም ገለ ገለ ኣብ ስለያ:እቲ ዝበዝሐ ግን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኢዩ ነይሩ። ከም ዝተረዳኣኒ ዮሴፍ ብዛዕባዚ ክዛረብ እንከሎ ነቲ ናይቲ ውድብ ናይ ምግባር ድሌት (intentions) ኢዩ ዝነቅፍ ነይሩ 'ምበር፡ ነቲ ዓቕሚ፡ ተራን ተውፋይነትን ተማሃሮ ቤ/ት/ሰ ንምንእኣስ ኣይነበረን። እቲ ዕላማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ ኢዩ እምበኣር 5ይ 6ይ ክፍሊ ጥራሕ ኣብጺሖም ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምምላእ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ተመሃራይ ዘፋንውዎ ዝነበሩ። እዚ ካብቲ ገዛ ክትነድቕ ከለኻ እትጥቀመሉ ኮረት ብምንታይ ይፍለ።
እዚ ኮይኑ እቲ ነዚ ታሪኽ 'ዚ ብግቡእ ክንገልጾ እንተዘይ ኪኢልና: ነዚ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብግርህነትናን ቅንዕናንን ዝተላገጸ ስርዓት፡ ዳግማይ ዕድል ንህቦ ከምዘለና ምርዳእ የድሊ ይመስለኒ።

ስለዚ እቲ ጅግነትን ተውፋይነትን ንመስዋእቲ: ናይ ተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ይኹን ይኹን ና'ቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ እቲ ሕሉፍ ብልሹው ታሪኽ ናይ'ቲ መሪሕነት ግን ብንጹር ምስፋር ከድልዮ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ሕልሙ እምበር ራኢይኡ ነጊሩና ኣይፈልጥን ኢዩ። ራኢይ እንተዝነብሮ ራኢይኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምሰረሐ``ሞ ውጺኢቱ ሕጂ ምረኣና ኔርና። ዓስቢ ገድልና መቕዘፍትን ማእሰርትን፡ ስደትን መከራን ኮይኑ፡ ሕጂ ፋሕ ፋሕ ኢልና ኣንፈትና ኣጥፊእና ነቲ ዝዘራእናዮ ነስትማቕሮ አሎና።

ተወልደ ካሕሳይ
 

ራኢ ደኣ ነይሩ እምበር፡ ተተግቢሩን ይትግበር ኣሎን እኳ ደኣ

ቶማስ ሶሎሞን

ቶማስ ሶሎሞን

ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ሰሙናት ብዙሓት ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ንራኢ ህዝባዊ ግምባር ብመንጽር ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ስዒቡ ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ከቐምጡ ተኸታቲለ። እቶም ኣብ ዝኽረይ ፍሉይ ቦታ ሒዞም ዝርከቡ ደቂ ቤት ትምህርተይ ብልዙብ አገባብ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ክካትዑን ምርኣየይ ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ገይረ ኢየ ዝርእዮ። በዞም ተላዒሎም ዘለዉ ኣርእስትታት ብዙሓት ደቂ ሃገርና ትምህርታዊ ሓዘል ትንታነታትን ታሪኽን ክቐስሙ ኢዮም ኢለ ድማ እግምት። ከምኡ እውን ኣብ መንጎና ዝጸንሑ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ናብ ምጽባብ ገጽና ዝተበገስና ኮይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። እዚ ተበግሶ ቀጻልነት ክህልዎ ድማ ተስፋ እገብር። እቶም ተላዒሎም ዘለዉ ኣርእስትታት ብዙሓት እኳ እንተ ኾኑ፡ እዚ ጽሑፍ ኣዚዩ ምእንቲ ከይነውሕ (ብዘይ ብእኡ እውን አንዊሐዮ ከይከውን እንዳ ተሰከፍኩ ኢየ) ናብ’ታ ራኢ ህዝባዊ ግምባር ብመንጽር ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ስዒቡ ዝተኸሰተ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ኣቶኲረ መረዳእታይ ክገልጽ አፍቅዱለይ።
ናብ’ታ ኣካታዒት ኮይና ዘላ ሕቶ ቅድሚ ምእታወይ፡ ሎሚ መዓልቲ ዝሰማዕኩዎ ዜና ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበርናሉ ኩነታት ዘመሳስል ኮይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ ከካፍለኩም ምደለኹ። ተመሃሮ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ሎሚ ዕለት 8 ወርሒ 9 ኣብ አውቶቡሳት ተሳፊሮም፡ ንስድርኦም ተሰናቢቶም ንትምህርትን ታዕሊምን ናብ ሳዋ ወሪዶም ዝብል ዜና ተኸታቲለ። እዞም ብመበል 34 ዙርያ ዝፍለጡ ተመሃሮ፡ ምናልባት ናይ’ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሰር ስዒቦም ብምባል ክግለጹ ይኽእሉ ይኾኑ። ብናተይ ርእይቶ ግን፡ ናብ ቅድሚ ግዜ ናጽነት ሰጊርና እንድሕሪ ደኣ ተመልኪትና፡ እዞም ተመሃሮ 34 ዙርያ ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቅምጥ ኢሎም ኢዮም ዝመስሉ ብምባል ምገለጽኩዎም። መመሳሰሊኦም ድማ ኩሎም ዕሸላት ኤርትራውያን ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕጫኦም ሓደ ስለ ዝኾነ እውን ኢዩ። ቀደም ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ናብ ዜሮ፡ ሓወልዕ፡ ጀልሃንትን ዓራርብን ምስ ከዱ ብዙሓት ካብኣቶም ጉዳይ ሃገር ብቀዳምነት ይስራዕ ስለ ዝነበረ ትምህርቶም አቋሪጾም ናብ ኲናት ኢዮም ወፊሮም። ሕጂ እውን ዝተቐየረ ነገር ዘሎ ኣይመስልን። ኣይግበሮ ደኣ እምበር ዂናት እንተ ተኸሲቱ፡ ህግደፍ ሕልና ኣጥርዩ ነዞም ተመሃሮ ትምህርትኹም ግበሩ ከም ዘይብሎም እተኣማመን ኢየ።
ንታሪኽ ቤት ትምህርቲ ሰውራን ዝሓለፉ ዙርያታትን ሃገራዊ አገልግሎትን ደሚርካ፡ ሕጂ እውን እዞም ሎሚ መዓልቲ ዝተበገሱ ተመሃሮ 34 ዙርያ ነቲ ናይ 44 ዓመታት ታሪኽ ክደግሙ ኢዮም ሀ ኢሎም ጉዕዝኦም ዝፍልምዎ ዘለዉ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ናይ 44 ዓመታት ጠሊቕካ ምስ እትምርምሮን ራኢ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር እንታይ ኢዩ ነይሩ ኢልካ ምስ ነብስኻ ምስ እትመክርን እቲ መልሲ ክንዲ እምባ ኮይኑ ኣብ ቅድመኻ ተኾዲሙ ይጸንሓካ። ህዝባዊ ግምባር ደኣ ራኢ ነይርዎ እምበር፡ እቲ ራኢ ተተግቢሩን ይትግበር ኣሎን እኳ ደኣ ኣብ ዝብል መደምደምታ ድማ ትበጽሕ። ናብ’ቲ ራኢ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ኣብ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ እንታይ ኢዩ ነይሩ ዝብል ሓሳብ ኣቶኲረ ምስ ሓደ ኣብነታት አሰየ ሓሳበይ ከካፍል ክፍትን ኢየ።
ገሌኹም ከም ትዝክርዎ፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ዓራርብ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ። ገለ ዕድል ዝገበርና ቁንጣሮ ተመሃሮ ኣብ ተክኒካዊ ትምህርቲ ተዋፊርና ንንበር ደኣ እምበር፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ በተን ናይ ሽዑ ክፍለ ሰራዊታት ይምልመሉ ነይሮም ኢዮም። ካብ ዕጫ ናይ’ቶም ኣብ ዓራርብ ዝነበሩ ተመሃሮ ብዘይፍለ ድማ ፍርዝን ዘዝበሉ ተሓርዮም ናብ ግምባራት ኢዮም ዝምደቡ ነይሮም። ብቐዳምነት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ናይ’ቲ ውድብ፡ ተመሃሮ ከይመልመልካ ኣብ ኩለን ክፍለ ሰራዊታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ ክትሕዝ ምፍታን ንራእን ዕላማን እቲ ውድብ መባእታዊ መረዳእታ ክህበና ተስፋ እገብር። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ውሑዳት መንእሰያት ናይ ኮለጅ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም ትምህርቶም ክቕጽሉ ዕድል ይርከቡ ደኣ እምበር፡ እቶም ዝበዝሑስ ኣብ’ቲ ብግዱድ ዕዮን ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካብ ባርነት ክትፈልዮ ዘጸግም ነጻ ጉልበትን ኢዮም ዕድመ ንእስነቶም ዘባኽኑ ዘለዉ። ብተመክሮታት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከም ዝሓለፍና መጠን፡ ምስ’ዞም ናይ ሎሚ ወለዶ ዘመሳስሉና ብዙሓት ረቋሒታት ይሃልዉ ደኣ እምበር፡ እቶም ብግዱድ ዕስክርና ከካብ ዓዶም ተገፊፎም ናብ ገድሊ ዝተጸምበሩ መንእሰያት እውን “እዞም ሓደስቲ ወለዶ ናትና ዕጫ ኢዩ ገጢሙዎም” ዝብል መጎተ እንተ ዘቕርቡ እውን ካብ ሓቂ ዝርሕቁ ኣይመስለንን። በዚ ኮይኑ በቲ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ዕጫ መንእሰያት ኤርትራን ክዳውንቲ ቀያይሮም ክረኣዩና ይኽእሉ ይኾኑ ደኣ እምበር ውሽጣዊ ኩነታቶምሲ ቀደምን ሎምን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘሎ።
ነቲ ናይ ትማሊ ራኢ እምበኣርከስ ነዚ ሎሚ ኣብ ባይታ ተተግቢሩ ዘሎ ስራሕ እንዳ ረአኻ ኢኻ እንታይ ከም ዝነበረ ክትርድኦ ዘየጸግም። እቲ ኣብ 1976 ዝጀመረ፡ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑ ኣኪብካን መልሚልካን ሃጓፋት ናይ’ቲ ውድብ ምዕጻው ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ውጽኢታዊ ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ኢዩ እምበኣር እንሆ ድሕሪ ልኡላውነት ኤርትራ ጥራይ ንዕድመ መንእሰያት እንዳ መጸኻ ነታ ትልኽ ትብል ዘላ ውድብ ሂወት ክትሰኹዓላ ምፍታን ናብ 34 ዙርያታት በጺሑ ዘሎ። ብመንጽር ውጽኢት ናይ’ዚ ምንጪ ሓይሊ ናይ’ታ ውድብ ክኸውን ተባሂሉ ዝባኸነ ዕድመ መንእሰያትና ክንሪኦ እንድሕሪ ደኣ ፈቲንና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ህግደፍ ዕድሚኡ ከናውሕ ክኢሉ እምበር መንእሰይ ኤርትራ ንነብሱ ክሃንጽ ወይ ሃገርና ክትህነጽ ኣይረኣናን። ምናልባት ገለ ገርሀኛታት፡ መንእሰይና ሃገር ኣምጺኡን ልኡላውነት ኣውሒሱን እንድዩ ዝብል ሞጎተ ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ሞጎተ እዚ ንኻልእ ዝበለጸ ኣገባብ ምምጻእ ሃገርን ምውሓስ ልኡላውነትን ክትርኢ ካብ ዘይምኽኣል ኢዩ ዝብል ግምት አለኒ።
ን44 ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ዝቐጸለን ብዙርያታት ዝተሰርቀን ዕድመ ዕሸላት ኤርትራውያ ምስ ውጽኢቱ ኣመዛዚንካ ብምርኣይ፡ ራኢ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ኣብ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ እንታይ ከም ዝነበረ ከተለሊ ዘጸግም ኣይመስለንን። ንሱ ድማ ብዋጋ ዕድል ንኡስ ወለዶ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ኢዩ ነይሩን ዘሎን። እቲ ሓቂ ንሱ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ እንሆ ንዓሰርተታት ዓመታት ሓደስቲ ወለዶታት ኤርትራ በብእብረ፡ በቲ ሓደ ወገን ንእስነቶም ቁማር ክብላዕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እንተስ ብሓይሊ እንተስ ብዘይምርዳእ መሓውርን ሳምቡእን ናይ’ቲ ውድብ ክኾኑ ብቐጻሊ ንርኢ ዘለና። እዚ መረዳእታ እዚ ካብ ማዕዶ እቶም ንነብሶም ሓራ ዘውጽኡሞ ብተቓወምቲ ዝፍለጡ ኤርትራውያን ኮይንካ ክትርእዮ ከለኻ ቀሊልን ርዱእን ይመስል ይኸውን። ብማዕዶ እቶም ንህዝባዊ ግምባር ገና ኣብ ክሳዶም ሓንጊሮማ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትና ክትሪኦ ከለኻ ግን ቀሊል አይኮነን። ናይ ኣረዳድኣ ጸገም ዘይኮነ፡ ኩሉ ውልቃዊ ሓርነትካ ከተረክብን ናይ’ቲ ውድብ ብርክን ጉልበትን ክትከውን ደኣ እምበር ብናይ ገዛእ ባዕልኻ ሓሳብ ዓው ኢልካ ክትምጉት ኣዚዩ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ኢዩ ዝብል ግምት አለኒ። እምበር፡ እዚ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ደኣ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ምርኩስ ብምግባር ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ነጥቢ ክመጽእ እቲ ዝቐለለ እንዲዩ ነይሩ። ደጊመ ከስምረሉ፡ ራኢ ኢሰያስን ናይ ቀረባ ሰዓብቱን እንታይ ከም ዝነበረ ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ኮይካ ክትርእዮ ከለኻ ንጹር ኢዩ። ንሱ ከኣ ዕድል መንእሰያት ኤርትራ በሊዕካ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ኢዩ። እዚ ራኢ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተተግቢሩን ይትግበር አሎን።
ኣብ መወዳእታን በዚ ኣጋጣምን፡ ነቶም ገና ጣዕሚ ውልቃዊ ሓርነት ዘየስተማቐሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ወይ ድማ ኣርዑት ባርነት ካብ ዝባኖም ዘየውረዱ ወገናትና፡ ሓደ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም እደሊ። ሓርነት ሃገር ካብ ውልቃዊ ሓርነት ኢዩ ዝጅምር እሞ ንኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ደለይቲ ፍትሒ መሲልኩም ብመጀመርታ ንሓርነትኩም፡ ኣስዒብኩም ድማ ሓርነት ሃገርኩም ንምርግጋጽ ምስ ትብገሱ፡ ቀዳሞት ተረባሕቲ ባዕልኹም ምዃንኩም ከተሓሳስብ እፈቱ። ይኣክል ንዝኣረገን ዝዓነወን ስነሓሳብ ክትከላኸል ሓርነትካ ምውፋይ።
ሰላምን ጥዕናን ንኹሉኹም
ሓውኹም ቶማስ ሶሎሞን

Kebira Tesfazigi
 
ዘስደምም’ዩ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዮሴፍን ጊዶዎንን ኣብ ታሪኽ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ምኩርስ ዝገበረ ምስ ቲቪ ኣሰና ቃለ-መጠይቕ ጌሮም። ብዘይሕብእብእ ድማ ነቲ ዝነበረ ታሪኽን ትዕዝብቶምን ገሊጾሞ። ሓደ ብክፉት ኣእምሮ ንትሕዝቶ’ቲ ቃለ-መሕተት ክሰምዕ ዝፈተነ፡ ዘከራኽር ዘረባ ኣይረክብን’ዩ። እቲ ክውንን ሓቅታትን’ዮም ከምዘለዎ ኣቐሚጦሞ። በዚ ክናኣዱ ይግባእ።
እንተኾነ፡ ገለ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ካብቲ ዮሴፍ ዘቕረቦ ነጥብታት ቆንጭሎም ብምውሳድ ከሽርፍዎ ተዓዚበ። ‘ብኮረት መሲሉ ኣነኣኢስና’፥ ‘ታሪኽና ደዊንዎ’፥ ‘ከም በራዩን ኣገልገልትን ገሊጽና’፥ ‘ጅግንነትና ረሲዕዎ’ ወዘተ ዝብል ሓረጋት እናተጠቕሙ ቁጥዕኦም ክገልጹ ርእየ። ተገሪመ! ካብ ምግራም ሓሊፉ ከኣ ኣስደሚምኒ!
እዞም ሓለዋ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ወይ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ኮይኖም ብርዖም ዝሰሓሉ ገለ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ውልቀ መላኺ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እታ ንመዋእል ዝሓልማ ዝነበረ ባህጉ ዝተፍጸመት ኮይና ኣብ ዝተሰማዓትሉ ህሞት ኣብ ሃለፍታ ኣትዩ "ኣይከሰርናን : ኣይጠፋእናን: ኩሉ ንብረትና ኣምሊስና ኢና: ጉዳይ ዶብ ኣድላዪ ኣይኮነን: ሓደ ህዝቢ ኢና: ንሰለስተ ወለዶታት ብዘይ ምኽንያት ኢና ተዋጊእና" ወዘተ ዝብል ኣፍልብኻ ዝሽንድሕ ኣሽካዕላል መደረ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ከስምዕ እንከሎ፡ ኣበይ ኔሮም?
ታሪኽ ከይብለል ከም ስራሕ ሒዞሞ እንተለዉ፡ ነዚ ንመስዋእቲ ብሉጻት ተጋደልትን ህዝብን ብብላሽ ዝገለጸ ግስሩጥ ዘረባ ናይቲ ፕረዚደንት ስለምንታይ ዘይተቓወሙ? ስለምንታይ ከ ዘየቆጥዖም?
ብዓቢኡ ነቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝዘለፈ፡ ጌና ውን ዘሽካዕልል ዘሎ ኣካል ክትብድህ ኣፍካ ዘይከፈትካ፡ ነቲ ሓቂ ዝተዛረበ ሰብ ክትጥቅን ምፍታን ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
ኣብዚ፡ ኩሉ ሰብ ቅኑዕ ምስሊ ናይቲ ታሪኽ ንምቕማጥ ዝመስሎ ሓሳብ ክገልጽ መሰሉ’ዩ። እንተኾነ፡ ውሱናት ፍጻመታት እናቆንጨለ፡ ነቲ ስርዓት ዝወቐሱ ሰባት ጥራሕ እናፈለየ ክነቅፍ ምስ ዝፍትን ግን፡ ታሪኽ ከዐሪ ዘይኮነ፡ ናይቲ ታሪኽን ህዝብን ኤርትራ ዝድውን ዘሎ ውድቀቱ ብገዛእ ቃሉ ዝተኣመነ ውዱቅ ስርዓት መታወኒ ክኸውን ዝመረጸ’ዩ።
የማን ጸጋም ዘብል ጉዳይ ኣይኮነን፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ።
ካልእ ኣብ ፖለቲካዊ ዒላ እናሓንበስካ ኣብ ናይ ደጋፍን ተቓዋምን ፖለቲካ ክኣቱ ኣይደልን’የ ክብሃል ኣይካኣልን’ዩ፡ ግሉጽ መርገጺ ስለዝኾነ። ስለዚ ንታሪኽ ምጥባቕ ሌላን ጉሌላን ኣየድልዮን’ዩ እሞ ብከምኡ ክትሕዝዎ ይላቦ።
ናይቶም ኣብ ብርዒ ስም ተሓቢኦም ኣነዋሪ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት’ውን ንእሽተይ ዝብሎ ኣለኒ። እዞም ሰባት’ዚኦም ብሰንኪ ሓንኳል ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዓዶም ገዲፎም ኣብ ዓዲ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ኮይኖም ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ዕድመ ንእስነቶም ዝኸፈሉላ ሃገር ጠንጢኖም ናይ ጉዳዮም ተዓዘብቲ ኮይኖም: ኣብ ኮሪዖም ዘይነብርሉ ቦታ ዝቕመጡ ዘለዉ መታዕብይቲ’ዮም። ይኹን ድኣ’ምበር፡ ምስቲ ግርምኦም ቀንጢጡ፡ ዕርቃኖም ኣውጺኡ ኣብ ግዳም ዝደርበዮም ስርዓት ክጸጋግዑ ክትርኢ እንከለኻ ብሓቂ መትዓቢቲ ናይቶም ብቆራጽነቶምን ቅንዕንኦምን ዘይተምበርካኽነቶምን ዝልለዩ ተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ እዮም ክትብል ኣይትደፍርን:: ብኣንጻሩ ነቶም ለውጢ ንምምጻእ ዝንቀሳቐሱ ውፉያት ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር ከከሻምሹ፡ ክዝልፉ፡ ከምኡ’ውን ፈጠራዊ ጸለመ ክዝርግሑ ጸዓቶም ከህልኹ እንክትርኢ ትሓዝን:: ነዚኦም ብዙሕ ሚዛን ሂበ ኪኖ’ዚ ክዛረበሎም ኣይደልን፡ ግን ከምቲ ሓፍትና ኤደን ካሕሳይ ዝበለቶ ይርዳእኩም፡ ይርዳኣዮም።
ስለዚ ኣሕዋት፡ እቲ ታሪኽ ኣይተጠምዘዘን፡ ከምዝነበሮ’ዩ ተተሪኹ ዘሎ። ታሪኽ ከምዝነበሮ ምርኣይ ወይ ምንባብ ዘሸግሮኩም እንተኮይኑ ከኣ ነቲ ውጽኢት ናይቲ ታሪኽ ማለት ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ተዓዘቡ።
ኣብ ስደት ንክትነብሩ ዲኹም ተጋዲልኩም ኣብ ዓድኹም? ንህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ክትተኽሉ ዲኹም በረኻ ወፊርኩም ህዝቢ ዝረግጽ ስርዓት? መስዋእቲ ጀጋኑ መታዕብይትኹም ዘኽብር መሪሕነት ክትተኽሉ ዲኹም ተጋዲልኩም ዋላስ ብመስዋእቶም ዘሽካዕልል? ዕላማኹም ሰብ ማሙቑ ዝነብረላ ሃገር ክትምስርቱ ዋላስ ቆሪሩን ተሸቕሪሩን ዝነብረላ: ተሓጊሱ ዶ ሓዚኑ? ወዘተ። ነዘን ሕቶታት ብልክዕ ክትምሉሱለይ ምደለኹ:: ብድሕሪኡ ንስኹም ዲኹም ትጋገዩ ዘለኹም ዋላስ ደለይቲ ፍትሒ መትዓቢትኹም በሪሁ ክራኣየኩም’ዩ፥ ሓቂ ክትርእዩ ቅሩባት እንተለኹም ምስክርነት ዘየድልዮ ኩነታት ሃለዋትኩም ተዓዘቡ::
ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ!!!
የቐንየለይ!

Eden Kahsai
Kebira ክብረቲና ናትክስ ካላኣይ የብሉን!
ኣንቲ ክንዲሽሕ !!!
እምበር 'ዶ ኩላትና በዛ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኢና ሓሊፍና? ከብዲ 'ደ ጉራምራ በልዎስ ኣብዚ እነሆ:: ታሪኽ ነዓይ ደስ ብዘይብል ጌርካ ኣዘንቲኻ ኢልካስ ክንድዚ ጸለለል: ብዓቢኡ ዓዲ ብዘይዋጋ ኣብቅድሚ ዓይንና እንዳተሸጠት ሕቆኻ ሂብካ ኣጽቂጥካስ : ኩረት ኣይነበርኩን ሱማ ኣይነበርኩን ኢልካ ክንድዚ ዕብዳን ኣሎ:… 
 
Habtila Domoz
ዋዕሮ፡ ኩልግዘ ፡ዋዕሮ ከባሪ ይበል ኣቃራርባ ርእሲ እንተለዎም ጽቡቅ ገይሮም ይረድእዎ ኣብ ክንዲ ኣብቲ፡ሓሳብ ማክታዕን ፍልልያትካ ኣወግድካ ኣብ ሓደ ኣንጻር እዚ፡ገባቲ፡ ኢሳያስ ምቅላስ ናይ ብርዒ ኣሽማት እናተጠቅምካ ስባት ከተጃጁ ምፍታን ናይ ውዱቓትን ቱሕታትን ዩ ዕባይ ቤትምህርቲ ሰውራ ኣፍልቡ ገቲሩ ንሓቂ ዝቃለስ ዝይፍርሕ ተባዕ ዩ ሞ እዞም ናይ ብርዒ ግባልል ክትመ… 
 

Kebira Tesfazigi
 መን ጽቡቕ ጎኒ ናይ ታሪኽ ዘርዘረ: መን ከ ነቲ ክፉእ ሸነኽ ኣውከአ ዘይኮነስ....ነዞም ክልተ ጫፋት ኣጋጪኻ ጥዑይ ፖለቲካዊ ስርዓተ-ምሕደራ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንኽንቀራረብ ኢዩ ነገሩ:: ሓዉትና ክብረት ድማ ብኽቡር ኣበሃህላ ነቶም ዓይነ-ሕልነኦም ቀቢሮም ዘለዉ ወገናት ዝቕስቅሰን ዝግስፅን ሓሳብ ኣፍሲሳ ኣላ'ሞ: ነቶም ኣብ ተቓራኒ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋ… 
 
Tesfamichael Okbamichael

Kebira Tesfazigi
 ዓሩዑት ምልኪ ክሳብ ዘይሰበሩዎ ደቂ ሰባት እንዳ ተማሳሰሉ እዮም ዝነብሩ ከደንቀኪ የብሉን ።ኩሉ ሰብ ሓቂ ዝዛረብ ኔሩ ተዝኾውን ዲክታተራት ኣይምስተፈጥሩን እንተተ ፈጢሮም ውን ሓንቲ ለይቲ ኣይምስ ሓደሩን ። መለክቲ ንቶም ዓሎቁቲ ቀልጢፎም እዮም ዘለልዩዎም ፉሉይ መለለይ ኣሎዎም ከይላኣክኻዮም ስለ ዝሕሱው ንጹሃት ሃገራዊያን የጥፉኡ ሃገር ትሓሚሳ ትተርፍ ።
 
Bariamicael Yemane
ንዑ እባ በጃኹም ፡እንተስ ኩረት እንተስ ዓንዲማእከል ኮይና ዝሃነጽናያ ቤት እኮ ኣብ ኢድና ተሓውየና ኣላ። ሰፍ ዘይብል ልክዕ ዘረባ እዩ።
ኩረት እንተ ተባህለ ከ ኮረት እውን ኣካል ናይ ዝህነጽ ህንጻ እካ እዩ።ቀልል ኣበርኩንቶ ኣይኮነን ዘለዎ።ስለዚ የሕዋት ኣብ ቀንዲ እቲ መንገዲ ሕዝና ደኣ ንጉዓዝ እምበር ጫልዳ መንገዲስ ናብ ዘይ ሓሰብካዮ ጉዕዞ እዩ ዝወስደካ። ኣነስ ናይ መምህር ዮስፍን ጊደ… 
 
Tsigehana Yohannes
እንጅራ እዝጊ ብልዒ ክብራ ሓፍተይ!!!!! መንገዲ ሓቂ ግድፍካስ ናብ ጓል መንገዲ!!!! ሸንኮለል ምባል 'ከ እንታይ ኣምጽኦ ግደ ሓቂ እንተለዎም ብሕጊ እትምራሕ ሃገር ክትህልወና ካብዚ እዝገሻኣሎ መከራን ምብትታንን ስደትን ወርድዎ ዘሎን ስቓይ ህዝብና ንምሕጻር ምስ ህዝብኻ ሓደ ጸጸር ምድርባይ 'ዶ ኣይምሓሸን ካብ ዘርባ ክትቆናችል ምውዓል
ኣብ ልቦም ይምለሶም ምሕረት ይአዝዘሎም ኢልና … 
 
Belombeshir Mikielay
ሰላም ከመይ ኣለኺ ክብርቲ kebira Tesfazigi
ጽሑፍኪ ንቢበዮ ። ግዜ ዝጠፍኦ ከተንብቦ ውን ደስ የብለካ ። ብዙሕ ኣውነታውን ጽቡቕ ትሕዝቶን ድማ ኣለዎ ። እንተ ኾነ ብዙሕ ድማ ምስ ኣመላኽታይ ዝጋጮ ሓሳብ ውን ኣይ ሰኣንኩሉን ።… 
 
Fatma Hamed replied
 ·
Solomon Yohannes
What a remarkable response to those who expect Beraki and Bitew to get justice through due process of court after 20 years incarceration!!!
 
Salem Alem
ክብረቲና (ከቢራ ከም ስማ) ብርዕኺ ትሰስን ዝሓፍተይ : ናይ በሓቂ መሃሪ ጽሑፍ ብፍላይ እታ "ግስሩጥ ዘረባ . . ." ትብል ናይ በሓቂ ገላጺት ኮይና ረኺበያ::
 
Tesfay Ghebrelibanos Haile
እቲ ሓቂ ንሱ እዩ::ሓቂ ክትሪኣን ክትሰምዓን ሽግር የብላን: ሓቂ ትውለድ እምበር ኣይትስራሕን እያ:: ሓሶት ግን ትእለም : ብሓንቲ ረፍዲ ይሰርሕዋ : ከቢራ ሓፍትና ጽቡቕ ተንቲንኪዮ ኣለኺ: ኣይትጥፍእና ቀጽልዮ::

Ermias Andegiorgish
ብራቮ ክብራ ተስፋዝጊ!!!ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የበርህ ከምዝብሃል፡ክብራ ከምሽምኪ ክብሪኽ ክብሪ ኣሕዋትኪ ዝገልጽ እጽብ ድንቕ ዝኾነ ጽሕፍ ብምጽሓፍኪ ከመስግነኪ!!ኣውድቃ ቃላትኪ ዋሕዚ ትረኻኺ መስጡኒ፡ክጽሕፈልኪ ተገዲደ። ነዚ ጽሑፍኪ ብዘይ ምስልካይ ምሸተ ምሸተ ተዓጢነዮ እየ ዝድቕስ ብርዕኺ ይሰስን። ይልመድኪ ድማ ይብል ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንምልኪ ዝብድሁ ጽሑፋትኪ ክርኢ ይምነ ቕጺልዮ።
 
Veronica Solomon
ርጡብ ዘረባ ክብረቲና ክብረት ይሃብኪ። ብሳላ 'ዛ ቃለ መሕተት ንነዊሕ ዓመታት ርኤዮም ዘይፈልጥ መትዓቢቲ ክሪኦም ኳ በቒዐ።ዮሴፍን ጊደዎንን ብዓቢኡ ክኣ ቲቪ ኣሰና ንዘይተተንከፈ ኣርአስቲ ምብርባርኩም ዝልዓለ ምስጋና ይግብኣኩም።
ንሕና ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ስውራ ብቕንዕናና፡ ድፍረትና፡ግሉጽነትናን አንልለ ሕብረተሰብ ኢና፡ ዘይተቐጠናን ዘይተበለልናን ወነንቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ካብ ኮና፡ ትማሊ… 
 
Hennen Haile
ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ናጽነት ይበል ዘበለ ውድብ ምንባሩ ኩሉና ኣይንኽሕዶን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ስለ ዝ ኣመነሉ ኻኣ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ከም ሓደ ኣካል ሓደ ተምሳል ኮይኖም ናጽነት ተጎናጺፎም።ከም ሓደ ሰውራ መጠን ገለ ሰውራዊ ባህሪ ክህልዎ ዘይተርፍ እዩ፡ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ከምዚ እባ ከምቲ እባ እንተበልና ንልውጦ ነገር የለን ፡ክንልውጦ ንክእል ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ህዝቢ ኤርትራ ብዝ… 
 
Yokii Bah
ኬብራ ኣንበሳ ከምዚ እዛ ክብርቲ ሓፍትና ዝበለቶ ሓቂ እንተንዛረብ ኩልና ኣበይ በጺሕና ምሃለና።ብዝኮነ ነቶም ሓንጐሎም ገና ኣብ ዓራርብ ምስገደፍዋ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ዘላ ጽንዓት ይሃቦም።ፍልልይ ቤትምህርቲ ሰውራ ሪእናዬ ጊሊኦም ሓንጐሎም ምስ ሰብ ዘቅምጡ እቶም ስማርት ድማ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዘይተረደኦም እታ ገድሊ ናይ በይኖም ዝመስሎም ውጹዓት ሓንጐሎም ምሎስሎም ኢሎም ዝቃለሱ ሪኢና።
  

Aaron Berhane

ራኢ ዶ ጋህሚ
ብድሕሪ’ቲ ዮሴፍ ፍስሃየን ጊዶዎን መሓሪን ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት፡ ህዝባዊ ግንባር ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ክምስርት እንከሎ ንጹር ራኢ ኔርዎ ዶ ኣይነበሮን፡ ዝብል ክርክር ክሰምዕ ቀንየ። ነዚ ዘለናዮ ኩነት ክንግምግም ባይታ ስለዝፈጥር ርእይቶይ ክህብ ተገዲደ ኣለኹ።
ብመጀመርታ ኣብ ሓደ ገጽ ምእንቲ ክንመጽእ፡ ራኢ (vision) እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ ክፍትን። ራኢ ማለት ሓደ ውድብ ወይ ኩባንያ ኣብ መጻኢ ክበጽሖ ዝደሊ ደረጃ ወይ ከመዝግቦ ዝደሊ ዓወት ዝገልጽ ኣብ ስምዒት ዝተጠምረ ስነ-ሓሳባዊ ክስተት'ዩ።
ነዚ ምርኩስ ጌርና ንሓፈሻዊ ራኢ ህዝባዊ ግንባር እንተተንቲናዮ፡ ሓደ ራኢ ኔርዎ። ንኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ሓራ ጌርካ፡ ሓደ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል። እዚ ራኢ’ዚ ኣብ ሓንጎል ህዝብን ተጋደልትን ከምዝሰፍር ስለዝገበረ፡ ህዝብን ተጋደልትን ነዚ ራኢ ናጽነት ኩውን ንምግባር፡ ህይወቶም ከይበቐቑ፡ ኣብ ዉዑዩን ዝሑልን እናተጠብሱ ነታ ሓላል ናጽነት ኣረኪቦምና። ኣብዚ ዘከራኽር የብልናን።
ናይ ህዝባዊ ግንባር ራኢ ኣብቲ ኣብ 70ታት ዝመስረቶ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ እንታይ ኔሩ ኢልና እንተሓቲትና ግን፡ ዝጭበጥ መልሲ ኣይንረኽበሉን። ራኢ ዘይኮነ ጋህሚ’ዩ ኔርዎ። ኣርሒቑ ዘይጥምት ክሻፋ’ዩ ዝጥቀም ኔሩ።
ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ሃገር ክሃንጹ ዝኽእሉ መሃንድሳት፡ ሕሙማት ክፍዉሱ ዝኽእሉ ሓካይም፡ ሃገር ከማሓድሩ ዝኽእሉ መራሕቲ፡ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገር ከረጋግጹ ዝኽእሉ ስነ-ቁጠባውያን ወዘተ ንምፍራይ ዝዓለመ ኣይነበረን። ነቶም ካብ ስድርኦም ዝተዘናበሉ ህጻናት ግዝያዊ መዕቆቢ ፈጢርካ፡ ከም ዕቑር ዓቕሚ መተካእታ ናይቲ ኣብ መስርሕ ናጽነት ዝስዋእ ዝነበረ ጅግና ከኸውን’ዩ ተተኺሉ። ብመሰረት’ቲ ዝተሃንደሰ ዕላማ ከኣ፡ ዘዝዓኾኸ ናብ ዓውደ-ኩናት ይላኣኽ ኔሩ። ዓቕሚ ኣዳም ከይበጽሑ ናብ ግንባራት ዝተላእኩ ብኣማኢት ይቑጸሩ ኔሮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ክቱር ድሌትን ባህግን ናይቶም ተመሃሮ ይሕወሶ ስለዝነበረ ግን እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ተወሲዱ ኔሩ።

ንኣብነት፡ ኣብ 80ታት ንብዙሓት ትሕቲ-ዕድመ ተመሃሮ ናብ ዓውደ ኩናት ክሰድድ ንገለ ድማ ብምኽንያት ምጥፋእ ማሃይምነት ናብ ድሕሪ-መስመር ጸላኢ ክልእኽ እንከሎ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ውን ይኹን ብማህደረ-ትምህርቲ ናብ ደገ ዝተላእከ ኣይነበረን። እዚ ኣብቲ ብዙሓት ሃገራት ስካንድናቭያን፡ ማህደረ-ትምህርቲ ክህባ ማዕጹአን ከፊተን ዝጠልባሉ ዝነበራ እዋን’ዩ። ኣብ ክንዲ ናብ ደገ ሊእኽካ ብትምህርቲ ኣሰልጢንካ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሃናጺ ተራ ዝጻወቱ ዜጋታት ምፍራይ፡ ደቂ 13 ዓመት ናብ ሓዊ ጠቢስካ ግዝያዊ ሽግር ንምፍታሕ ዘቐድም ውድብ’ዩ ኔሩ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ፡ ነቲ ተመሃራይ ከም ኮረት’ዩ ዝጥቀመሉ ኔሩ። ዝተቐደ ነዃል ክመልእ’ምበር ኮኾብ ሰሜን ኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ዜጋ ንምፍራይ ኣይነበረን። ሰዓቢ’ምበር መራሒ ዝኸውን ኣካል ንምምልማል ኣይተተኽለን።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ትጽቢት ኤልትስ ናይቲ ውድብ ወጻኢ፡ ሓደ ንኡስ-ባህሊ (subculture) ተቐልቂሉ። ንትኣምነሉ ዕላማ ካብ ምስያፍ ድሕር ዘይምባል፡ ንሓቂ ምጥባቕ፡ ጌጋ እናራኣኻ ሸለል ዘይምባል፡ ንሓላፊን ተራን ብማዕረ ምጥማት፡ ብግዝያዊ ጥቕሚ መትከልካ ዘይምምርሳሕ፡ ነብሰ-ተኣማንነት፡ ተወፋይነትን ወዘተ። እዚ ዝተጠርየ ንኡስ-ባህሊ ድማ ቀንዲ መለለዪ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ኔሩ።
እዞም ብሉጻት ባህርታት ካብቶም ዝምህሩና ዝነበሩ መማህራንን ኣለይትን ዝተጠርዩ’ምበር፡ ሓፈሽዊ ሞቶ (motto) ናይቲ ውድብ ከምዘይነበረ ምስ ዓኾኽኩ’ዩ ተረዲእኒ። ኣነን ካልኦት ብጾተይን ካብቲ ሰፊሕ ሓጽቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስለዘይራሓቕና ብተዛማዲ ብዙሕ ጸገም ኣየጋጠመናን፡ ዝተሰማዓና እናተዛረብና ዝደለናዮ እናሓተትና ኢና ናብ ካንሸሎ ናጽነት ኣቲና። እቶም ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወጺኦም ናብ ሓይልታትን ክፍልታትን ዝተወዝዑ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር ግን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ሓሊፎም። ገሊኡ ናይ ባህሊ ምግጫው (cultural shock) ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ግን በቲ እቲ ውድብ ብውሽጢ ውሽጢ ዝስራሓሉ ዝነበረ ስቱር ውዲት’ዩ።

ካብ ብዙሓት ኣብ ሓይልታት ዝተወዝዑ ዓበይቲ ኣሕዋት መታዕብይቲ ከምዝሳምዕኩዎ፡ ተመሃራይ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር በቲ ናይ ተማእዛዝነትን ተመሳሲልካ ምኻድን ዝብል ባህሊ ናይቲ ውድብ ተሓጺቡ ክሳብ ዝጸሪ፡ ከም ሓደገኛ ፍጥረት ብፍሉይ መነጽር ይጥመት ከምዝነበረ ይገልጹ። ነቲ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ሰኒቖሞ ዝመጽኡ ብሉጽ ባህሊ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብቲ ዝተጸንበርዎ ክፍሊ ከይዝርግሕዎ፡ እቲ ውድብ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሻቕሎት ከምዝነበሮ ይትርኹ። ወሳኒ ሓላፍነት ከይሕዙ ይሕጸሩ፡ ተመራሕቲ’ምበር መራሕቲ ከይኮኑ ብስዉር ይኽልከሉ ከምዝነበሩ ይጸውዩ። ነቓጻት፡ ዘይምእዙዛት፡ ዘይሓለፍነታውያን ወዘተ ዝብል ቅጽል ስም እናጠመቑ፡ ነብሰ-ተኣማንነቶም ክሰርቁ፡ ጽልዎኦም ከዳኹሙ ወርትግ ይጸዓር ከምዝነበረ ይሕብሩ። ገለ ተመሃሮ ቤ/ት/ሰ ነበር ነቲ ናይ ተመሳሳልነት ካባ ለቢሶም ኣብቲ ጅሉሕ ባህሊ ሪዕሞም ደኒኖም ክኸዱ እንከለዉ፡ ገለ ግን ኣብ ኩሉ ምግጣም ስኢኖም ብየማንን ጸጋምን ብነቐፌታ እናተለኽዑ ክሳብ’ታ ህይወቶም ብጅግንነት ዝወደቐትላ ሰዓት ሕብሮም ከይቀየሩ፥ በትሪ-ሓቂ እናወርወሩ ሓሊፎም። ሕሩይ ከምኡ ውን ኪዳነ ከራሽ ገለ ኣብነት’ዮም። ነዞም ጀጋኑ ከመይ ጌርና ክንርስዖም።
ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ናይ ምሕራር ዝብል ራኢ ስለዘየጥፍአ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ከኣ ጨጨጓሩ ንውሽጢ እናወሓጡ ነቲ ሕልሚ ናጽነት ክዉን ንምግባር ኣበርቲዖም ስለዝሰርሑ፥ ሓያል ጻዕሪ ህዝብን ተጋደልትን እቲ ቃልሲ ስለዘይተፈልዮ፡ ኣብ መወዳእታ ናጽነት ጨቢጥና። ቀዳማይ ራኢ ተተግቢሩ፡ እቲ ካልኣይ ማለት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል ራኢ ግን በርዒኑ ተሪፉ። ሎሚ ዶ ጽባሕ ነቲ ራኢ ንጭብጦ እናበልና፡ ህዝባዊ ግንባር ብህግደፍ ዝበሃል ቫይረስ ተለኺፉ። ኤልትስ ህዝባዊ ግንባር፡ ፈጣርን ዘርጋሕን ናይቲ ቫይረስ እቲ ከምርሖም ዘቐመጥዎ ጋኔነ ኢሳያስ ምዃኑ ቀልጢፎም ኣይፈለጥዎን። ካብ ከምኡ ሓደጋታት ክከላኸል ዝኽእል ጸረ-ቫይረስ ውን ኣየቐመጡን። እቲ ቫይረስ፡ ነቲ ጥዑይ ክፋላት ህዝባዊ ግንባር ሓደ ብሓደ እናልመሰ፡ ክፉእ ውዲትን ዝተራቐቐ ሸረኽን እናዘርግሐ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ነንሕድሕዶም ከምዘይተኣማመኑ እናገበረ፡ ነቶም ክብድሁ ይኽእሉ’ዮም ዝብሎም ዜጋታት ከም በዓል ቢተውን ካልኦት ጀጋኑን እናዳጎነ መሓውራት ናይቲ ቅያ ዝሰርሐ ውድብ ኣልሚስዎ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ሓደ ካብ ዝነበሩ ቀዳሞት ታርጌታት ከኣ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር’ዮም። ብዙሓት ካብቶም ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ኣምጺኦም ዝሓለፉ ተመሃሮ ዕድሚኦም ኣብ መጀመርታ ዒስራታት’ዩ ኔሩ። ናይ ትምህርቲ ዕድመ’ዩ ኔርዎም። ተማሂሮም ነታ ዕድመ ንእስነቶም ዝወፈዩላ ሃገር ክሃንጹ ክቱር ባህጊ ኔርዎም። ግን ተኸልኪሎም። ዝተረኽበ ማህደረ-ትምህርቲ ነቶም ዓበይቲ ኣባላት ናይቲ ውድብ’ምበር ናብ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር ዝቐንዐ ኣይነበረን። እዚ ኣጋጣሚ ኣይነበረን፡ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ውዲት’ዩ።
ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ነበር፡ ንክልቲኡ ወለዶ - ቅድሚ ቃልስን ድሕሪ ቃልስን ዝተወልዱ ከራኽብ ዝኽእል ዕድመ ዝውንኑ፥ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘራኽቦም ቤት-ትምህርቶምን ቀቢሮሞም ዝመጽኡ ጀጋኑ ዘለዉዎም፥ ክልቲኡ ገጻት ናይቲ ናጽነት ዘምጽአ ውድብን ምስኡ ተሓንጊሩ ዝኣተወ ቫይረስን ዝፈልጡ፥ ዝተጠልመን ዘይተተግበረን መብጽዓታት ኣነጺሮም ዝርእዩ ዜጋታት ስለዝኾኑ፡ ንዝነበሮም ገድላዊ ተመኩሮ ትምህርቲ እንተደሪቦምሉ፡ ናይ ስልጣኑ ዕድመ ከየሕጽሩ ስለዝሰግአ’ዩ። እቲ ስግኣት ቀደም ኔሩ፡ ሕጂ ውን ኣብ ቦትኡ’ዩ ዘሎ።
ራኢ ህግደፍ ንጹር’ዩ። ኤርትራዊ መንነት ዲህኹ፡ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገር ረሚሱ፡ ህዝባ ኣብ ጸበብቲ ኣተሓሳስባታት ገማሚዑ፡ ልኡላውነት ሃገር ምሻጥ’ዩ። እዚ፡ እቲ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን፡ ኣንጻር ህዝብን ተጋደልትን ዝተቃለስሉ ዕላማ ዝሰርሕ ሓደገኛ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ’ዩ።
ስለዚ፡ መታዕብይቲ፡ ነታ መማህራናን ኣለይትናን ኣብ ሓንጎልና ዝቐረጽዋ ኤርትራ ንክንቀርጽ፡ ኣብዚ ዘሎ ቀንዲ ጉዳይ ምርኩስ ጌርና ንዘቲ። ነቲ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዘጥረናዮ ብሉጽ ባህልታት ዳግማይ ነሰስኖ። ጌጋ እናራኣና ተዓሚትና ኣይንኺድ። ዝነደቕናዮ ገዛ እናፈረሰ ተጸጊዕና ኣይንሕለፍ። ኣብ ቅድሚ ዓይንና ፍትሒ እናተጓዕጸጸ ማዕዶ ማዕዶ ኣይነቋምት፡ እሱራት ክፍትሑ ዓው ኢልና ንጸውዕ። ናይ ሕልና ዕረፍቲ ክንረክብ፡ ካብዚ ኸ ናበይ እናበልና ብልቢ ንዘቲ።
ኣሮን ብርሃነ

Aaron Berhane
 ኣሮን ጽቡቕ ኣቐሚጥካዮ አሎኻ:: በዚ ሎምቅነ ዝፈስስ ዘሎ ሃናጺ ሓሳባት ነቲ ፈሊጡ ዓይኑ ዝገሃመ ኳ ተዘይፈወሶ: ብዙሕ ተገሪዙ ዝነበረ ወገን ግና ለካ ከምዚ ከኣ አሎ ዩ ኣቢሉ ንኣጠማምትኡን ርእዮተ ዓለሙን ዝቕይር ዘሎ ዕዮ ምኳኑ ከረጋግጸልካ እደሊ:: ስለዚ ጽቡቕ ስራሕ'ዩ ቀጽለሉ!!!
 

 

 

 

 


   

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com