ሚርይምን ዙፋንን : እተን ክልተ ብጾትን ምሓዙትን ሰብ ሓደ ዕጫ!


written by Desta Ghebre



ኣብ ገጻት ፌስ-ቡክ ብዛዕባ እታ ብልቢ ዝፈትዋ ዓባይ ሓፍተይን ብጸይተይን ዝነበረት ሚርያም ኣስረስ ክጽሓፍ ርእየ ኣለኹ:: ኣነ'ውን ንድሕሪት 40 ተመሊሰ ተዘክሮታተይን ትዕዝብታተይን ንሚርያም ንምዝካር ገለ ዘይሕንጥጥ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ::
ኣብ መፋርቕ 1979 ኣብ ጥሩቕሩቕ (ላዕላይ ዓራግ) ኣብ ድምጺ ሓፋሽ እንኮለና እዩ ሌላና:: ሚርያም ብመልክዓ ጠባያ ትሕትናኣ ልቦናኣን ለዉሃታን ፍልይቲ ሰብ እያ ነይራ::

ኩሉ እያ ተዓዲላ:: ከም ንእሽቶይ ሓዋ ኣብ ሕቑፋ የእትያ ርእሰይ ክትደርዘኒ ኣነ ክ
ሓፍርን ይዝከረኒ:: በቲ ዘርኣየትኒ ፍሉይ ፍቕሪ ድማ ቀልጢፈ እየ ተማሓዝየያ:: እዚ ፈጣሪ ንሚርያም ፈጢሩ ደው ከብል ነይሩዎ ተብል ፍጥረት እያ ዝነበረት:: ሓደ እዋን ዓሶ ሓሚመ "ብላዕ ክጠቕመካዩ ኢላ ነቲ ቦጅቦጅ ከም ህጻን ከተኾልሰኒ ትዝ ይብለኒ;; ስለዚ ክኣ እዩ እቲ መስዋእታ ፍሉይ ዝገብሮ:: ብመስዋእታ ክኣ ኩሉ እዩ ሓዚኑ:: ልዕሊ ኩሉ ክኣ እቲ ብዓል ቃልኪዳና ኢሰያስ ወዲ ፍላንሳ:: ኢሰያስ ሓንቲ መዓልቲ እየ ርእየዮ::

ሓደ ምሸት'ዩ ንሚርያም ክርእያ ኢሉ ምስ መጸ ኣብቲ ሩባ ጉጅም ክብሉ ይሪኦምሞ ጸዊዓ " ሰብኣየይ እዩ ተላለዮ" ኢላትኒ:: ሓፊረ ጽቡቕ ጌረ ኣይጠመትኩዎን: መልክኡ እዚ'ዩ ክብሎ ኣይክእልን'የ :: ብጣዕሚ ይፋተው ብምንባሮም ድማ መስዋእቲ ሚርያም ንከርድእዎ ኣዝዮም ተጸጊሞም ከምዝነበሩ'ውን ሰሚዐ:: ሚርያም ምስ ከተተት ኩሉ ደንጊጹ እዩ:: ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ኣጻብእትኻ ሂብካያ ትናኸስ ዓይነት ሰብ ኣይነበረትን:: ኣዝያ ርህርህቲ ስለዝነበረት ንድፋዕ ሰዲድካያ ከተግድዓካ እንተዘይኮይኑ ብረት ሒዛ ጸላኢ ክትቀትል ትኽእል ሰብ ኣይትመስልን እያ::

ንሚርያም ዝኪረ ክሰግሮ ዘይክእል ዝኽሪ ናይ ካልኣይቲ ዓባይ ሓፍተይን ብጸይተይን ዙፋን ኣፈወርቂ ኣለኒ:: ዙፋን ካብ ሚርያም ብዘይፍለ መልክዐኛን ህድእትን ኩርዕትን እያ ነይራ:: ዘየኹርዕ ክኣ ኣይነበራን ብዓልቲ ቤቱ ንተኽላይ ዓደን እያ ነይራ::

ሚርይምን ዙፋንን ደቂ ሓደ መስርዕ ኮይነን ክልቲኤን ካብተን ቐዳሞት መስረትቲ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ sound editor/ technician እየን ነይረን:: ብሓደ ይሰርሐ ጥራይ ዘይኮነ ብሓደ ይድቅሳ: ብሓደ የዕልላ: ብሓደ ይኸዳ: ጉጅም መብሃልቲ እየን ነይረን:: ኣብ መንጎአን ዝኾነ ክፈሊ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን:: ኣብ ልዕሊ መደቀሲየይ ኣብ ኩጀት(ተሽኪል) ይድቅሳ ስለ ዝነበራ ስሓቐን ይሰምዖ ነይረ::ክልቲኤን ዕድል ኣይገበራን ሓድጊ ኣይገደፋን:: ሚርያም ወሊዳ ካብ መወለዳን (Maternity) ከይወጸት ቆልዓኣ ተጎድኣ: ዙፋን ክኣ ክትሓርስ ከይዳ ዕጫ ሚርያም ኣጋጢምዋ:: ምውት ወሊዳ! ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ! ቆልዑተን ሓቑፈን ክመጻ እናተጸበና ጥራይ ኢደን መጽኤናና::

ናይ ውትህድርና ነገር ኮይኑ ግን ናይ ምፍልላይ እዋን መጺኡ ክልቲኤን ከም ዝኸታ እዩ ተገይሩ: ኣይጸንሓን ክኣ መስዋእተን ተሰሚዑ