ኢሰያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ!
ኢሰያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ
ሎሚ ቕነ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ርሱን ኣርእስቲ ኮይኑ ከም ዝቐነየ፣ ብሓደ ሸነኽ እቶም ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር ዝግደሱን ዝሓሙን፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንስልጣን ኢሰያስ ከናውሑ ዝምነዩ ውልቃዊ ረብሓ ዘጥቅዖም ዜጋታት ዝስሕቱዎ ኣይኮነን። ስለምንታይ ብዛዕባ ሓደ ውልቀሰብ ክንድዚ ዘረባን ገልጠምጠምን ኣድለየ እንተ ተባህለ፣ እቶም ፈተውቲ ሃገሮም፣ ውልቀመላኺ ስለ ዝኾነ፣ ንኤርትራን ህዝባን ንቕድሚት ከይከዱ ጅሆ ሒዙዎም ስለ ዘሎ እቲ ጉዳይ መዛረቢ ክኸውን ግድነትዩ ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ንስዉኣት ረሲዖም ብዛዕባ ጥቕሚ ነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ ድማ ኤርትራና ብዘይካኡ ሰብ ስለ ዘይብላ፣ ንሱ እንተ ጠፊኡ ጉም ክንብል ስለ ዝኾንና ወዘተ ዝብል ናይ ደናቁር መልሲ ክህቡን እቲ ዜና ሓሶት’ዩ እናበሉ ናይታ ድምጺ ሃሶት ዝኾነት ቲቪ ኤረ መቓልሕ ኮይኖም ቀንዮምን ኣለዉን። ክገርመኩም እዚ ኣኢሰያስ እንተ ጠፊኡ ኤርትራ ናብ ሶማል ክትቅየርያ። ዩጎስላቭያ ክትከውንያ ዝብል ዓንዴል ዘረባ፣ ኮነ ኢልካ ብጭፍራ ህግደፍን ሰዓብቱን ዝዝርጋሕ ሕሱርን ግዜኡ ዘሕለፈን ፕሮፓጋንዳ’ዩ። ህግደፍ ከም ቀንዲ መጣልዒ ካብ ዝሕዞ ድማ ዓሰርተ ዓመታት ቀሪቡ ኣሎ። ብዝኾነ ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ብምእታው፣ እቲ ሓደ እዋን ከም ደሞክራስያዊ ዝሕሰብ ዝነበረ ኢሰያስ፣ ድሕሪ ነጻነት ስለምንታይ ጸረደሞክራሲ፣ ጸረ ህዝቢ፣ ጸረ ፍትሒ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክገልጽ ክፍትን’የ።
ኣብ ግዜ ክፍልታት ዘበነ ጀብሃ፣
ዘመነ ክፍልታት፣ ዘመነ መስፍንነት፣ ዘመነ ጕጅለይ ጕጅለኻ፣ ወገነይ ወገንካ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ከም ዝነበረ ንኹልና ርዱእ ይመስለኒ። ኣብቲ ግዜቲ ኢሰያስ ይኹን ካልኦት ድሒሮም ዝተሰለፉ መንእሰያት ሰጓሚ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ባህርያዊ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስቲ ዝነበሮም ማርክሳዊ ስነሓሳብ ጸረ መስፍናዊ መርገጺ ሒዞም ክቃለሱ ግድነት ነይሩ። ስለዚ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኢሰያስ ከም ሰቡ ነይሩ’ምበር ኮኾብ ወይ ፍሉይ ዝፈጸሞ ቅያ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ንትምህርቲ ናብ ቻይና ከይዱ ስለ ዝነበረ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝነበረ ካብ ጀብሃ ናይ ምንጻል ወይ ምፍላይ ስራሕ በቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ብጾት’ዩ ተዓሚሙ። ገለ ካብኣቶም ኣብቲ መስርሕ ክስውኡ ኸለዉ ዝበዝሑ ድማ ድሒሮም ተሰዊኦም። ስለዚ፣ ኣብ ጀብሃ ዝነበረ ኵነታት ዝኾነ ውልቀሰብ ክምክሓሉ ወይ ስም ከጥርየሉ ዘይግባእ መድረኽ ስለ ዝነበረ ዘረባ ከይንዋሕኩ ኣብዚ ክገትኦ’የ።
ኣብ ዝበነ ህሓሓኤን ህግሓኤ፣
ካብ ምምስራት ህሓሓኤ ክሳብ 1973፣
ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ ኢሰያስ ካብ ቻይና ምስ ተመልሰ ጀብሃ ድሮ ናብ ኣርባዕተ ተፈናጪላ’ያ ጸኒሓቶ። ስለዚ፣ ንሱ ኣብታ ሰልፊ ነጻነት ዝብል ስም ሒዛ ብመሪሕነት ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ከባቢ ዓላ ትእለ ዝነበረት ወገን ተጸንበረ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኮማንድስን ብጀብሃን ትህደን ስለ ዝነበረት፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ካብቶም ዘጓይዩዎም ዝነበሩ ኮማንድስ እናሃደሙ ከለዉ፣ ሓንቲ ካብ ኮማንድስ ዝተተኰሰት ጥይት ኣብ ናይ ኢሰያስ ካምቻ ጁባ ንዝነበረት ዓሰርተ ብር ጥራይ ቀዲዳ ስለ ዝሓለፈት ንስክላ ከም ዝደሓነ ይንገር። ክንዝንግዖ ዘይብልና፣ ኣብርሃም ተወልደ ብሕማም ሞይቱ ተባሂሉ ኣሎ። መቸም ብዛዕባ ኣማውታኡ ብዙሕ’ዩ ዝዝረብ። ፈውሲ ቁማል ኣብ ርእሱ ምስ ገበረ። ብእግሩ ምስ ተጓዕዘ እቲ መድሃኒት (ስሚ ከረን) ብረሃጽ ናብ ስብነቱ ስለ ዝኣተወ ብኡ ንብኡ ዓፊሩ ሞይቱ ዝብልን፣ ኣብርሃም ከም ሓደ ጽኑዕን ፍሉጥ መራሒ ናይ ሓሙሻይ ክፍሊ ስለ ዝነበረ፣ ኢሰያስ ብዘይ ተወዳዳሪ መራሒ መታን ክኸውን ብመርዚ ቀቲሉዎ ዝብል ክልተ ተጋራጫዊ ሓበሬታ ኣሎ። ኢሰያስ ንተንኰል ውዒሉ ስለ ዝሓድረሉ ኣይገብሮን ኣይብልን ብወገነይ። ግንከ፣ እዚ ታሪኽ ስለ ዝኾነ፣ ብሕጂ ዝጻረን ምርምር ክካየደሉን ዝግብኦ ኣከራኻሪ ጉዳይ’ዩ። ብዝኾነ ኣብ ዓላ ከሎ፣ ኢሰያስ ብመንገዲ ተስፋንኪኤል ጆርጆ (ኣብ ቴስዓታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐትለ) ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ኣመሪካን ይራኸብ ነይሩ’ዩ። እዚ ቤላ ቤለው ዘይኮነ ሽዑ ዝነበሩ ኣባላት ሰልፊ ነጻነት ዝኣምኑሉን ብርክት ዝበሉ ደቂ ዓላ ዝፈልጡዎን ሓቂ’ዩ። ካብ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ንምድሓን፣ ግዜ ንምሽማትን፣ ናይ ምግቢ ሕጽረት ንምሽፋን ነይሩ ዝብል መግለጺ’ዮም ዝህቡ ተጣበቕቲ ናይቲ ጉዳይ። ተስፋንኪኤል ጆርጆ ምግቢ ዝጸዓነት መኪና ሒዙ ናብ ዓላ ይመላለስን ንኢሰያስ ይረኽቦን ከም ዝነበረ ግን ህዝቢ ዓላ ኣዳዕዲዑ ዝዛረበሉ ፍጻሜ’ዩ። እቲ ናብ ቃኘው ስተሽን ይኣቱ ነይሩ ዝብል ዘረባ ግን ትም ኢልካ ፈጠራ’ዩ ነይሩ።
ናብ ኣርእስትና ምስ እንምለስ፣ እቶም ካብ ጋንታ ዘይሓልፉ ተጋደልቲ ጸቕጢ ናይ ጀብሃን ኮማንድስን ምስ በዝሖም ናብ ተኽሊ (ሰሜናዊ ባሕሪ) ብምኻድ መሪሕነት ክመርጹ ተዳለዉ። እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ግን ኣብ ክንዲ ብደሞክራስያዊ መንገዲ ዝኸውን ብኢሰያስ ዝተወደቡ ሰባት፣ “ንኢሰያስ ቈጽሊ ዘይነውድቐሉ፣” ስለ ዝበሉ ብዘይ ምምራጽ መሪሕነት ኮነ። ሰብ ተሳኢኑ ዘይኮነ ኢሰያስ ኣዝዩ ሕሉፍ ናይ ስልጣን ህርፋን ስለ ዘለዎ ጥራይ። ንሱ ናይ ኤርትራ ማኦ፣ ስታሊን፣ ካስትሮ ክኸውን’ዩ ነይሩ ሕልሙ። ድሕሪ ናይ ተኽሊ ኣኼባ፣ እቲ ብቝጽሪ ክስስን ዝጀመረ ሰልፊ ነጻነት ምስ ካልኣይ ወገን ንምርኻብ ናብ ሳሕል ገጹ ተጓዕዘ። ኣብኡ ድማ ድሕሪ ውሱን ግዜ ስሙር ግንባር ተፈጢሩ ኣብ ኣምባህራ ናይ ሓባር መሪሕነት ተመርጸ። ኣብ 1973 ክልቲኡ ወገን ምሉእ ስምረት ክገብር እናሓሰበ ከሎ፣ ብናይ ሓደ ኣኼባ ኣጋጣሚ ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። ጸጋይ ቀሺ ንሓደ ብጻይ (ንሙሴ) ስለ ዝሃረሞ’ዩ እቲ መበገሲ። ኣብቲ ኣኼባ ምርድዳእ ስለ ዝተሳእነ ድማ ጉዳይ ገፊሑ ሙሴ ተስፋሚካኤል ደሞክራሲ ከም ዘየሎ ተዛረበ። ነዚ እተጻሪ ኮሚቴ ድማ ተመርጸት። ኣብዚ ምንቅስቓስ’ዚ ከም በዓል ብርሃነ ገረዝግሄር፣ ወዲኤፍረም፣ ወዲሰለሙን፣ ወዲምሕጹን ወዘተ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ድሒሮም ግን ብኢሰያስ ተሻሒጦም ንበዓል ሙሴ ኣሕሊፎም ሂቦሞም። እዚ ሓደ ጸሊም ታሪኽ ናይቶም ሰባትን ናይቲ ውድብን’ዩ። ድሩዕ ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ከበሳ ምስ ዝነበራ ሓይልታት’ዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ፣ ኢሰያስ ነቲ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ወገናዊ’ዩ ዝብል ስም ኣጠሚቑ፣ ነቶም ንሃገር ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣብ 1976 ከም ዝርሸኑ ገበሮም። እቲ መዓንጣ ከብድኻ ዘሕርር፣ ዝበዝሑ ካብዞም ሕጂ ጕጅለ 15 ዝብሃሉ ይኹን ገና ምስ ኢሰያስ ዘጣቕዑ ዘለዉ ላህማማት መራሕቲ ነቲ ስጕምቲ ኣሜን ኢሎም ምቕባሎም’ዩ። ታሪኽ ግን ኣብ 1977፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2001 መልክዕ ቀዪሩ ክድገም ክንርእዮ ኢና።
ካብ 1973 ክሳብ 1977፣
ነቲ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምሕቃቕ ዝዓበየ ተራ ዝነበሮ ከም መሳርሒ ኢሰያስ ኮይኑ ዝገለግል ዝነበረ ሰለሙን ወልደማርያም፣ ውድባዊ ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ ስልጣኑ እናተዳኸመ ስለ ዝመጸ ፍኒሕኒሕ ክብል ግድነት ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ መጀመርያ ኣብ ትሕቲኡ ይሰርሑ ንዝነበሩ ከም በዓል ሃይለ ጀብሃ ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ ምስ በዓል ኣርኣያ ሰመረ፣ ዶክተር ኢዮብ፣ መሓሪ ግርማጽየንን ካልኦትን ብጅምላ ናብ ሓለዋ ሰውራ ከም ዝኣትዉ ተገብረ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንመንካዕ ዝወቕዑ ዘለዉ እናመስለኡ ኣብ ጉባኤ ክምረጹ ፈቲኖም፣ ስልጣን ክጭብጡ ደልዮም ወዘተ ዝብል ናይ ስልታን ውድድር ዘስዓቦ’ዩ። ኢሰያስ ዝኾነ ዝወዳደሮ ወይ ዝበልጾ ሰብ ክቕልቀል ስለ ዘይደሊ ብኡ ንብኡ ከሕቅቖም ግድን ኮይኑ። ስለ ዝኾነ፣ የሚን ብዝብል መጸውዒ ኣጠሚቑ ካብዛ ዓለም ከም ዝጸንቱ ገበረ። እቲ ገና ፍኒሕኒሕ ዝብል ዝነበረ ሰለሙን ወልደማርያም ንበይኑ ምስ ተረፈ ተራኡ ኣኺሉ ከም ዝቕንጸል ተገብረ። እዚ ልክዕ ካብቲ ስታሊን ኣብ ሩስያ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ መሳርሕቱን መቐና ቕንቱን ምጽናት ሜላ ዘይፍለ ገበን’ዩ። በሪያ ዝብሃል ናይ ጸጥታ ሓላፊ ዝነበረ ዩክራንያዊ ድማ ክሳብ እታ ጉራዴ ኣብ ክሳዱ ትዓልብ ቀንዲ መጋበርያ ናይ ስታሊን ነይሩ። እቲ ዘገርም፣ ናይ መንካዕ ግን ኣብቲ መጀመርያ ሕሉፍ ናይ ጸጋም ምንቅስቓስ (ለፍት ኤክስትሪሚዝም) ኢዩ ተባሂሉ ከብቅዕ፣ ድሒሩ ግን ናይ ኣከለጉዛይ ምንቅስቓስ ተጠሚቑ። እቲ ናይ ድሒሩ ዝተላዕለ ብስም የሚን ተጠሚቑ ዝነበረ ድማ ናይ ካርነሽም ምንቅስቓስ ነይሩ ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ። ኢሰያስ ከምኡ እንተ በለ ከም ዝዕወት ስለ ዝፈልጥ ኩሉ ግዜ ንዝኾነ ንዑኡ ዝቃወም ምንቅስቓስ ወገናዊ መልክዕ ከትሕዞ’ዩ ዝጽዕር። ንጕጅለ 15 እውን ምዃን ኣብዩዎ’ምበር ትሕተ ሃገራ ውያን፣ ወግናውያን ተንበርከኽቲ ዘይበሎም ኣይኮነን። መሳኪን ኤርትራውያን ከኣ ሓደ ባዕዳዊ እናኸፋፈለና ኣሜን ኢልና ስለ ንቕበሎ ካብቶም ሽዑ ዝነበርና ተጋደልቲ ስለምንታይ ዝብል ኣይተረኽበን። ኣሜንነት ይብልኹም ኣብዚ እንሃለ። ብሓቂ ድማ ልብና (ድኻምና) ፈሊጡ ንሃገር ምሉእ ሓደ ጓና ክጻወተሉ ከሎ ክትሓስቦ ዘጸግም’ዩ። ኣብ ታሪኽ፣ ሓደ ህዝቢ ንሓደ ዘይጠቅም ውልቀሰብ እሞ ኸኣ ጓና ክንብርከኽ ምርኣይ፣ ካብ ናይ ኤርትራ ሃገርና ዝዓቢ ኣብነት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን።
ካብ 1977 ክሳብ 1991፣
ኣብ ህግሓኤ ጉባኤ ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ’ዩ ዝብል መደብ’ኳ እንተ ነበረ፣ ኢሰያስ ስለ ዘይደለዮ ጥራይ ኵነታት ኣይመችአን እናተባህለ ክሳብ 1987 ኣይተገብረን። ኣብኡ ድማ እቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዝነበረ ኢሰያስ፣ ደጊም ዝደፍረኒ የሎን ብምባል ምኽትል ኣየድልን’ዩ ዝብል መደረ ኣስምዐ። እዚ ንሮሞዳን ገዲፍኩም ንዓይ ምረጹ ዝብል መልእኽቲ ከም ዝነበሮ ንኹሉ ሰብ ርዱእ ነይሩ። ኮይኑ ድማ ኢሰያስ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ብማእከላይ ሽማግለ ተመሪጹ ኣሎ ተባህለ። ሮሞዳን ድማ ናይቲ ሽዑ ከም ሽዑ ዝቘመ ቤትፍርዲ ሓላፊ ኮይኑ፣ ኣብ ሕስኽብ ቪድዮ ክርኢ ይውዕል ነይሩ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፣ ሓለዋ ሰውራ ስለ ዘሎ ቤትፍርዲ ስራሕ ክህልዎ ኣይክእልን ነይሩ። ምሕሳው ከይከውን ግን ናይ ዝተፋትሑ ተጋደልቲ ጉዳይን ወሊዶም ናተይ ኣይኮነን ናይ ዝበሉ ሰብ ነገርን ይቐርበሉ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ኣሎ። ከምቲ ልሙድ፣ ሽዑ’ውን ኣብ ክልተ ዓመት ጉባኤ ክግበር ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ’ዩ። ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዋህበ ክሳብ ድሕሪ ነጻነት ኣይተገብረን። ኣብቲ ግዜቲ፣ እቲ ውድብ ኣብ ብልሽውና ተሸሚሙ ስለ ዝነበረ፣ ኢሰያስ ቁምነገር ደልዩ ዘይኮነ ንተጋደልቲ መታን ከረጋግእ፣ ሓለፋታት ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ድፋዓት ኰለል ክብል ብምቕናይ ነቶም ኣብ ፍትወተ ነብሲ ኣትዮም፣ ኣረቅን ድሙድሙን እናስተዩ፣ ጮማ እናቘርጠሙ ኣንስቲ ብጾቶም ዝጋሰሱ ዝነበሩ ናይ ሕጂ ጀነራላት፣ ሰረቕቲ ኢሉ ክጸርፎም ተሰሚዑ’ዩ። ነቶም ተጋደልቲ’ውን፣ ነዚኣቶም ሕጂ እንተ ዘይተቓሊስኩሞም ጽባሕ ንግሆ ኣብ ፓላሶ ኮይኖም ጡፍ ክብሉልኩም’ዮም ክብል ምዒዱና’ዩ። ድሕሪ ነጻነት ግን ጡፍ ከይብሉልና ኢሉ ግዲ ኾይኑ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ናቕፋ ቪላታት ኣስፊሩዎም። ነቶም ዝፈርሖም ተጋደልቲ ድማ ዝጣየሱ ኣጣዪሱ ነቶም ክዋግኡሉ ዝድለዮም ድማ ኣብ ድፋዕ የብልዮም ኣሎ። ይዝከረኒ ኣብ ናይ ዕስራ ግንቦት ናዕቢ ኣብ ስታድዩም ምስ ኣከበና፣ ሓደ ተጋዳላይ ነዛ ዘረባዚ’ኣ ጠቒሱሉ ነይሩ። ኢሰያስ ግን ጐራሕ’ዩ ኣይመለሳን ሰፈፍ ኢሉዋ ሓሊፉ።
ድሕሪ ነጻነት፣
ካብ 1991 ክሳብ 2000፣
ኣብቲ ኣብ 1993 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ ጉባኤ ርሞዳን ብዘይ ሓደ ምኽኑይ ነገር ክርፈት ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ ኢሰያስ። ድሩዕን ወዲሰለሙንን ግን፣” እዚ ጌጋ’ዩ፣ ጸሊም ታሪኽ ምፍጻም’ዩ። ካልእ እንተ ተረፈ ከም ሓደ ሓርበኛ ብኽብሪ ክእለ ኣለዎ” ስለ ዝበሉ፣ ነቲ ተዳልዩ ዝሃቦ ጽሑፍ ብምንባብ ብምኽንያት ዕድመ ከዕርፍ ከም ዝደሊ ከም ዝገልጽ ተገይሩ። ህዝብና ድማ ነቲ ሽርሃዊ ናይ ህግደፍ ናይ ዜና ማዕከናት መናፍሕ ከም ክዉን ተቐቢሉዎ። ነዚ ጸሊም ታሪኽ’ዚ ሒዙ ከሎ ኢዩ’ምበኣር፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ ኢሰያስ ካልእ ውዳሴ ክዝረብ ንሰምዕ ዘለና። ብዝኾነ ድሕሪ ናይ ናቕፋ ጉባኤ ኢሰያስ ንህግደፍ ንማለቱ ጥራይ ከቝሞ ከሎ፣ ንክፍሊ ስለያ (እንዳ 73) ድማ ከም ዝፈርስ ገይሩዎ። ንሰራዊት ድማ ባዕሉ ሒዙዎ። ካባይ ጀሚርካ ሰብ ክርድኦ ኣይከኣለን’ምበር ካብ ሽዑ ጀሚሩ’ዩ እምባሕ ክብል ዝጀመረ። እዚ ቀቀሊሉ፣ ንማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤን ንወከልቲ ዞባታትን ኣባላት ፓርላማ ኮይኖም ኣለዉ ኢሉ ግዝያዊ መንግስቲ ብምእዋጅ ባዕሉ ፕረሲደንት ኮይኑ። በየናይ ናይ ህዝቢ ውሳኔ? መን ምስ ኣፍቀደሉ? ዝብል ሕጋዊ ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን’ዩ። ብዘይካ ህግደፍ ካልእ ዘይፈልጥ ህዝቢ ግን እንታይ ክብል ይኽእል!! እቲ ዝገደደ ግን ናይቶም ምህጉራት ኢና ዝብሉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ በለጸኛታት’ዩ። ኣብ ክንዲ ንማለቱ ወላ ያዕ! ዝብሉ ምስ ኢሰያስ ክጭፍሩን ክወደኽድኹን የረእይቱ ነይሮም። ድሕሪ ናይ ዕስራ ግንቦት ናዕቢ ድማ ነቲ ዝነበረ ሃጓፋት ብምምላእ ኣንጻሩ ዝኾነ ምንቅስቓስ መታን ከይለዓል ንኹሉ ትካላት መንግስቲ ብዝምችኦ መንገዲ ብናይ ኬይጂቢ ዓይነት ኣወዳድባ ከም ዝቐውምዩ ገይሩዎ። ናይ ጸጥታ ሚኒስተር የሎን ይብሃል ግን እቲ ትካል ብስዉር ይሰርሕ። ሰቦኣን ክልተን ምስ ፈረሰ ኣባላቱ ናብ ብዙሓት ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ፋሕ ኢሎም ንዑኡ ተኣዘዝቲ ኮይኖም። ኢሰያስ ሕጊ፣ ውዳቤ፣ ባጀት፣ ትካላዊ ኣአራርሓ ኣይፈቱንዩ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ ተመሊሱ በቲ ሕግታት ተሓታቲ ክከውን ስለ ዘይደሊ። ስለዚ፣ እንታይዩ ፍልስፍናካ እንተ ተባህለ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ይብለካ። ማሕበራዊ ፍትሒ ማለትከ እንታይ ማለትዩ እንተ በልካዮ ዝምልሰልካ ኣካል የሎን። መራሕቲ ህግደፍ ብዙሕ ግዜ ተሓቲቶም ክምልሱ ኣይከኣሉን።
ኣብ ጉዳይ ቅዋም ምስ እንኣቱ፣ ቅዋም ይነደፍ ተባሂሉ ክንደፍ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ናብቲ ቤትጽሕፈት ተቐልቂሉ ከም ዘይፈልጥ፣ ንዶክተር በረኸት ኣዘራሪቡዎ ከም ዘይፈልጥ ብዙሕ ሓበሬታታት ኣሎ። ሃደ ግዜውን፣ እዚ ብጣስ ወረቐትዩ ክትግበር ኢልኩም ኣይትሕሰቡ ከም ዝበሎም ዝዛረቡ ኣባላት ኮሚሽን ቅዋም ኣለዉ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ቅዋም ጸዲቑ ሎሚ ይትግበር ጽባሕ ይትግበር እናተባህለ ከሎ፣ ንስለ ከይትግበር ጥራይ ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ከም ዝውላዕ ገይሩ። ኢሰያስ ኵናት ክውልዕ ከሎ ውጽኢቱ ከምቲ ድሕሪ ዝተጋህደ ዝኸውን ኣይመሰሎን። ምናልባሽ ናይ ሰሙን ክልተ ቕነ ጉዳይ ኮይኑ፣ ሕቡራት መንግስታት ኢዱ ከእቱሞ ዶብ ይተሓንጸጽ ክብል፣ ወያኔ ድማ ተመሃሮና ስለ ዝኾኑ ሕራይ ኢሎም ክቕበሉዎ ድሕሪ ኩሉ ኣቦስቶ ክኸውን። ንህዝብና ድማ፣ “ሑሕ! ወያኔ ክመጹኻ’ዮም፣” እናበለ ብዛዕባ ቅዋም ከም ዘይሓትት ክገብሮዩ ነይሩ ዓላማኡ። መቸም እንተ በዚ እንተ በቲ ገይሩዎ ኣሎ። እቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጐብለል ምዃን ዓላማኡ ግን ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ተሪፉ። መሲሉዎ። ክበኣስ ዝፍደለየ ነዲኡ ኣይነግርን’ዩ፣ ወያኔ ቀዳድ ገረወኛዩ፣ ባደመ ብወያኔ ተታሕዘት ማለት ዳግማይ ጸሓይ ኣይትበርቕንያ ማለትዩ፣ ሓጺር መነገዲ ኣሎ፣ ብሃቂ ተደፊእና፣ ብዘይ ቃልዓለም ተማሂርና ኢሉ። ተንበርካኺ ዝበሎ ሰብ ግን ኣይረኸበን። ምሕልፎ ድሩዕ ነቲ ንሱ ዘባላሸዎ ዘረባ ክጽግን ከም ዘይጸዓረ ኣብ ጀርመን ንኤርትራ ውያን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ሓንቲ ሓረግ ተዛሪቡ ተባሂሉ ተንበርካኺ ተባሂሉ። ከምቲ ባዕላ ዝሰበረታ ጻሕሊ ሓጺባ ከም ዘቐመጠታ ዝብሃል፣ ኢሰያስ ዝገበረ እንተ ገበረ ከደሙ ንጹህ’ዩ። ሓቁ ድማ ዝተዋህቦም ዕዮ ገዛ ሓንቲ ከየጕደሉ ዝፍጽሙ ብዙሓት ባራዩ፣ መጋበርያ፣ መጣቓዕቲ፣ ሒዙ እንታይ ዘሰክፍ ኣለዎ።
ካብ 2001 ክሳብ 2009፣
ኣብ 1997 ነጻ ፕረስ ተኣዊጁ ሃገር ናብ ሓድሽ መድረኽ ምስግጋር ጀሚራ ነይራ። ኵናት ምስ ጀመረ’ውን ልዕሊ’ታ ናይ ሓሶት ማዕከን ዝኾነት ሓዳስ ኤርትራ የድምዓ ነይረን ክብሃል ይክኣል። ድሕሪ ሳልሳይ ወራር፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ናይ ጕጅለ 15 ምንቅስቓስ ግን ነግራት ኣይግድን ኮይኑ። ነጻ ግዜጣታት ነቲ ጸገማትን ናይ ሰራርሓ ጕድለትን ናይ መንግስትን ከቅልዓ ስለ ዝጀመራ፣ ሃንደበት ናይ ኣመሪካ ሲኣኤ መሳርሒ ኮይነን ተባህለ። እዚ ድማ ኣብ መበል ዓሰራይ ዓመት ነጻነት ኤርትራ ብሃባር ንኢሰያስ ቃለ መሕትት ኣካዪደናሉ ከብቅዓ’ዩ ከምኡ ዝብሃል ዘሎ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፣ ንጕጅለ ኦኣሰርተ ሃሙሽተ ስለ ዘየቃልዓ ጥራይ። ይዝከረኒ ሽዑ፣ ረሞዳን ከይተረፈ ቃለ መሓትት ኣካዪደናሉ፣ ለውጢ ኣድላዪ ምዃኑ፣ ጥዕናዩ ክብል መዲሩ ነይሩ። ደሓር ግን ኢሰያስ ብጫ ካርድ ምስ ኣርኣዮ ንህይወቱ ፈሪሑ ከጽቅጥ መሪጹ። ድሕሪ ምእሳር ጕጅለ 15 ክልተ ነግራት ተጋሂዶም። ቀዳማይ ኢሰያስ ዝቈጻጸሮ ስኢኑ ልጋም ከም ዘይብላ መሚና ሸለውለው ክብል ከሎ፣ ካልእይ ድማ ያዕ ዝብልን ዝመክርን ስለ ዝተሳእነ፣ ቍጠባ ሃገር ይኹን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ ክወድቕን ከም ሳዕቤን ድማ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሕሰም ክወድቕ ክኢሉ። ሕጂሞ ኸኣ ምስ ሓንጐሉ ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ’ዩ በጺሑ ዘሎ። እምበር ትማሊ ሓደ ነገር ክትብል ጸኒሕካ ሎሚ በንጻሩ ኣይትዛረብን ኢኻ። ዲጋ ተሰሪሑ፣ ጽርግያ ተደጊሙ፣ ቤት ትምህርቲ ወይ ሕክምና ተደጊሙ ብዝብል ዘረባ ሰብ ጸሚሙ’ዩ። እዚ ንገራትዚ ግን ካብ ግዜ ጥልያን ጀሚርካ ክሳብ ሃይለ ስላሴ ዝትግበር ዝነበረ’ዩ። ህዝቢ ሓሪምዎ ዝነበረ፣ ነጻነት፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ስራሕዶ ኣይኮነን? ነዚ ምድጋምሞ ኸኣ፣ እቲ ህዝቢ ዝኸፍሎ ዘሎ ግብሪ ህግደፍ ይሓሽሾ ከም ምባል’ዩ ዘስምዕ።
ሕጂ ጐንደር ኬድካ እንታይ ኣምጻኻ? ከይከውን ናብ መደምደምታ ክኣቱ። ኣብ መጨረሽታ፣ ኢሰያስ ኩሉ ግዜ ጸረ ደሞክራሲ፣ ጸረ ፍትሒ፣ ጸረ ድሌት ህዝብን ሃገርን ዝኸውን ስለምንታይ’ዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ’ዩ። ዝተፈላለየ መልሲ ዝህቡ ሰባት ክህልዉ ግድነት’ዩ፣ መሰሎም’ዩ ኸኣ። ብወገነይ ዘሎኒ መልሲ እነሆ።
- ኢሰያስ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ ጨካን ሰብ ስለ ዝኾነ፣ ደሞክራሲ ኣብ ዝእወጀሉ ግዜ ብገበናቱ ክሕተት ከም ዝኽእል ዝይርድኦ ኣይኮነን። ደም ሓርበኛታት ስዉኣት፣ ደም በዓል ሙሴ፣ ጆን፣ ብጻይ ጐይትኦም፣ ዶክተር ኢዮብ፣ ኣርኣያ ሰመር፣ መሓሪ ግርማጼን ወዘተ ክሕተተሉ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ። ኣብ ግዜ ነጻነት ካብ ዝገበሮ ገበናት፣ ብዘይካቶም ኣብ ፈቐዶ ቤትማእሰርቲ ብምስጢር ዝቐንጸሎም፣ ብናይ ማይሓባር ስንኩላን ደምውን ተሓታቲ’ዩ። ስለዚ፣ ንደሞክራስን ፍትሕን ከም ቍርን ኣስሓይታን ክፈርሐን ግድነት ይኸውን።
- ኢሰያስ ከም ባህሪ ወልቀመላኺ፣ ስታሊናዊ፣ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ ብመሰረቱ ደሞክራሲ ዝብል ኣምር፣ ይትረፍ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ክሰምዖ’ውን ኣይደልን’ዩ። ምስ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ድማ፣ “እንታይ ማለትዩ ደሞክራሲ?” ብምባል ብብድዐን ንዕቀትን ዓው ኢሉ ተዛሪቡሉ’ዩ።
- ኢሰያስ ንነዊሕ ዓመታት ከም ውልቀመላኺ ኮይኑ ግዜኡ ክእዝዝ ጥራይ ስለ ዘሕለፎ፣ ሕጂ ብሃንደበት ደሞክራስያዊ ክኸውን ዘይሕሰብ’ዩ። ቍሩብ’ሞ ንሕሰብ! ሓደ ሰብ ንዕድመኡ ምሉእ ጐብለል ኮይኑ ድላዩ ክገብርን ኣሻፈረኝ ክብል ዝጸንሐን ሰብ፣ ሕጂ ከም ሰብካ ኢኻ፣ ማዕረ ከም ስኒ ኣድጊ ክብሃል ከሎ ይወሓጠሉዶ? ክሕሰብ ዘይክእል’ዩ። ስልጣን ድማ ንዝለመዶ ኣዝዩ ምቍር’ዩ!
- ኣብ መጨረሽታ፣ ኣብ ሜዳ ከለና ኢሰያስ መራሕቲ ጀብሃ ብገበኖም ክሕተቱ’ዮም፣ ክብል ጐረሮኡ ክሳብ ዝደርቕ ይልፍልፍ ነይሩ። ድሒሩ ግን ነዛ ሕቶ’ዚኣ ከልዕላ ዘይኮነ ንመራሕቲ ጀብሃ ንዑ ምሳይ ሕበሩ እናበለ ክልምኖም’ዩ ተራእ’ዩ። ስለምንታይ እንተ ተባህለ፣ ከምዚ እንተ ኾይኑ ንስኻ’ውን ክትሕተት ኢኻ ክብሃል ከም ዝኽእል ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ምሕታቱ ኣይተርፍንዩ። ዕድመን ጥዕናን እንተ ሂቡና ብዙሕ ክንርኢ ኢና።
ደም ስዉኣት ኣይሰድድን’ዩ!
ካብ ዘመን ጸረ ምልኪ
Last Updated ( Tuesday, 25 August 2009 14:38 )