ሕቶታት ብዛዕባ፥
ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራን፥ ህልዉ ኩነታት፥ ህዝብና፥ ምስ ገዲም፥ ተጋዳላይ፥ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን ቅሱን፥
ተጋዳላይ ቅሱን፥ ኣብ 1973 ናብቲ 2ይ ወገን ህዝባዊ፥ ሓይልታት ወይ ድማ ሰልፊ ናጽነት ዝተሰለፈ፥ ኮይኑ፥ ሓደ፥ ካብቶም ንነጻነት፥ ዓቢ ኣበርክቶ፥ ዝገበሩ፥ ገዳይም ተጋደልቲ'ዩ፥፡
እዚ፥ ቃለመሕተት፥ ነዚ፥ ወለዶ፥ ታሪኹ ክፈልጥ ብምባል፥ ኢና ኣካይድናዮ፥ እዚ ቃለ-መሕተት ነዊሕን ሰፊሕን ከምምዃኑ፥ መጠን፥ በብኽፋሉ፥ ክቐርብ'ዩ፥፥ Share ድማ ክንገብሮ ይግባእ፥ ታሪኽ፥ ስለዝኾነ፥፥
ሕቶ፥ ቅድሚ ምስላፍካ ማለት ኣብ ትምህርቲ፥ ከለኻ፥ ብዛዕባ ህዝባዊ፥ ሓይልታይ ትሰምዖ፥ ዝነበርካን፥ ብኣክል፥ ምስትሓወስካዮን ዝነበረ ፍልልይ ዶ ክተዕልለኒ?
መልሲ' የቐንየለይ ሄኖክ፥ እቲ ውድብ ዝተፈላለየ መጺሀታይ ይዝርግሕ ነይሩ፥ ዳሓር ክፍለ ለሎ፥ ናብዓላ ጀሚሩ፥እቲ ወረ ቀልጢፉ'ዩ ተባሪዑ፥ መኽንያቱ ኣብ ጀብሃ ብዙሕ ቅትለት ናይ ክርስትና ስለዝነበረ፥ ጀብሃ ውን ነዚ ይኣምንሉ'ዮም፥፡ ብፍላይ ናይ ብዓል ኪዳነ ክፍሉ፥ ድማ ኣብ ከሰላ ስለዝተቐትሉ ወላ ኣብ ጋዜጣታት ናይ ኢትዮፕያ ውን ወጺኦም ነይሮም፥፥እዚ ወረ'ዚ ተባሪዑ ነይሩ፥እዩ፡፥ እቲ ዝበዝሕ ክርስትያን ናብ ኢትዮፕያ ኢዱ ይህብ ነይሩ፥፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ጋዜጣ ሕብረት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ኢትዮፕያ ጋዜጣ፥ ንሱ ማዓልታዊ ናይ ኢዶም ዝሃቡ፥ ነቲ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ድማ፥ ኣግሊሑ ይምዝምዞ፥ ነይሩ'ዩ፥፥ ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ዝነበሩ፥መንእሰያት፥ ናይቲ ግዜ'ቲ ማለት'ዩ፥፥ ነቲ ዝነበረ ማሕለኻታት ሰጊሮም ብኣብርሃም ተወልደ ተመሪሖም፥ ኣብ ዓላ ከምዝተፈለዩ ሽዑ ተፈሊጡ፥፥ ኣይጸነሐን ኣብርሃም ተወልደ ከምዝተሰወአ ውን ብረድዮ ኢትዮፕያ፥ ተሰሚዑ፥ ንሕና ናይ ኣብርሃም ተወልደ መስዋእቲ ብረድዮ ኢትዮፕያ ኢና ፈሊጥና፥፥ ራድዮ፥ ኢትዮፕያ መራሒ ወንበዴታት ኣብርሃም ተወልደ፥ መይቱ ኢላ ነጊራ፥፥ ኣነ'ኳ ሓዉ ነብርሃም ተወልደ፥ ዓርከይ ስለዝነበረ፥ ምሳይ፥ ስለዝነበረ፥ ኣሉላ ተወልደ ዝብሃል ሕጂ ከማን ዓሪፉ'ዩ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፥፥ ብኾምኡ፥ ብቀረባ ንፈልጥ ኔርና ኢና ብዛዕባ፥ ኣብርሃም ተወልደ፥ ኣብ ሓዝሓዝ ውን ሓዘን ተገይርሉ'ዩ፥፥ ግን ብኽያት ኣይፍቀድን'ዩ ናይ ወምበድየ ስለዝኾነ፥ ብኽያት ኣይፍቀድን'ዩ፥፥ ስለዚ ዓቢ ጽልዋታት ነይሩና፥፥ ብዘይክኡ ካኣኣ እቲ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ፥ ብህዝባዊ ሓይልታት ዝተጸልወ እዪ ነይሩ፥፥ እዚ ድማ ኣቀዲሞም ብዓል ኪዳነ ክፍሉ፥ ብዓል፥ ሃይለ ድሩዕ ዝወደብዎ ምንቅስቃሳት፡ ነይሩ'ዩ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩንቨርስቲ፥፥ እቲ ጥሕሻ ዝብሃል፥ ኣብ ውሽጢ ኢትዮፕያ ዝንቀሳቐስ ናይ ምሁራት ጉጅለ ነይሩ'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥፥እዚ ጉጅለ እዚ ብኣዝዮም ምሁራት' ዝኾኑ ሰባት'ዩ፥ ቆይሙ፥፥ ሽዑ ተመስገን ሃይለ ዝብሃል ስዉእ ሽዑ ተታሒዙ፥ ካብ ኢዶም ኣምሊጡ፥ ካብ ፐላሶ ጸዲፉ ተሰዊኡ፥፥ብዙሓት ዓበይቲ ምሁራት ብደረጃ ትምህርቲ ልዑል፥ ዝነበሮም፥ ኣብ ኢትዮፕያ፥ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝነበሩ፥ ኣብዛ ጥሕሻ፥ ትብሃል ምንቅስቃስ ነይሮም'ዮም፥፥እዛ ጥሕሻ፥ ትብሃል ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረት ቀላል ውድብ ኣይኮነትን ነይራ፥፥ ዳሓር እቲ ብህዝባዊ ሓይልታት ንሕናን ዕላማናን ዝብል ጽሑፍ ክዝርጋሕ፥ እንከሎ፥ ዓቢ ጽልዋታት ገይሩ'ዩ፥ ስለዚ' እዞም፥ ህዝባዊ' ሓይልታት፥ ክርስትያን ስለዝኾኑ ዘይኮኑ ተፈልዮም፥ ይብደሉ ስለዝነበሩ'ዮም ተፈልዮም፥'ዳሓር' እቲ ጀብሃ ትብሎ ዝነበረት ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር'ያ ንዝብል፥ መርገጺ፥ እታ ንሕናን ዕላማናን፥ ዝብል መርገጺ' ትቃዎሞ'ያ፥፥ኮምኡ ውን እቲ ጀብሃ ዝህብዎ ዝነበሩ መግለጺታት ኣብ ፈቀዶ ሃገራት 80% ህዝቢ ኤርትራ ኣስላም'ዩ 20% ድማ ክርስትና እዩ፥ ዝብል መግለጺታት ይገልጹ ነይሮም፥፥ እቲ ክርስትያን ዝብሃል ኣብተን 3 ንኣሽቱ ኣውራጃታት ማለት ኣከለጉዛይ ሓማሴን ሰራየ፥ ጥራይ'ዩ ዘሎ ካልእ ኩለን ኣውራጃታት እስልምና'እየን ዝብል መግለጺታት' ይህቡ ነይሮም፥፥ ነቶም ሃገራት ኣዕራብ ከእምኑ ኢሎም፥ እዚ ኩሉ ካልእ' ናይ እስልምና እዩ፥፥ ስለዚ ኢትዮፕያ ክርስትያናዊት ሃገር ጎቢጣትና ኣላ፥ ዝብል መግለጺ' ንሃገራት ኣዕራብ ይህቡ ነይሮም፥፥
ወላ ኣብቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ኣተዓዳድላ ናይ ቅያድ ኣልዓማ፥ 38 ክምረጹ እንከለዉ ካብዚኦም 3 ክርስትና ጥራይ እዮም ኣትዮም ነይሮም፥፥ ዳሓር ካኣ ክርስትያን ኣብቲ ግዜ ኣንድነት፥ ክርስትያን እዮም ኣንድነት ምስ ኢትዮፕያ፥ ዝብሉ ዘለዉ መኽንያቱ ክርስትያን ስለዝኾነት ኢትዮፕያ፥ እንዳበልካ ኣብልዕሊኦም ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት እዩ ተፈጺሙ፥፥ ሕጂ ምስከምዚ እታ ንሕናን ዕላማናን፥ ኣብ ምንቕቓሕ ናይቶም፡ዝስለፉ ዝነበሩ ዓቢ ተራ ነይርዋ'ዩ፥፥ ዝእመን ሓቅታት እዪ ነይርዋ፥፥
ኣብቲ ሳዓት ናብ ሜዳ ንኽትወርድ ኣዝዩ ከቢድ፥ዩ፥ ነይሩ፥ ከምገለ ጌርካ ኢኻ ትወርድ፥ ቅድሜና ዝወጹ ብዓል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፥ እተን 3 ኣዋልድ እተን ኣብ ናይ 1973 ዝተገፍዓ፥ ምሁራት ኤርትራውያን ማለት'ዩ፥፥ እዚኣቶም ኣብታ ግዜ'እቲኣ ግራጅወይት ዝገብሩላ ግዜ'ያ ነይራ፥፥ ንዓኣቶም ንቕድም ከነውጾኦም ኢና ንስኻትኩም ድሕሪኦም ትስዕቡ ተባሂልና፥ ብኸምዚ መኽንያት ኢና ካብ ብዓል ሃይለ፡ምሕጹን ዝደንጎና፥፥ ሃይለ ምሕጹን ግን የድልዮም እዩ ንሜዳ፥ ሓኪም ስለዝኾነ' የድልዮም እዩ፥ ፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ውን ደቂ ኣንስትዮ ስለዘይነበራ ኣብቲ ገድሊ፥ እተን ደቂ ኣንስትዮ ውን ሽዑ ዝምረቓ እየን ነይረን፥፥ ዳሃብ ተስፋጼን፥ ብሶሶሎጂ እያ ትምረቕ ነይራ፥ ወርቁ ዘርኣይ ብሶሶሎጂ'ያ ትምረቕ ነይራ፥ ኣበራሽ መልኬ፥ብሶሶሎጂ'ያ ትምረቕ ነይራ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን' ድማ ብሕክምና እዩ ዝምረቕ ነይሩ፥፥ ስለዚ ኣብታ መመረቕተኦም ንሳቶም ኣብ ሰነ ዝምረቁ ኣብ ጉምበት እዮም ወጺኦም፥፥ ደድሕሪኦም ድማ ንሕና ክንስዕብ ኢና፥፥እቲ ኩነታት ናይ ጥሕሻ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣጋጢሙ ብዓል ተመስገን ተሰዊኦም፥ እታ ትሕሻ ተረኺባ፥ ፋሕ ፋሕ ኣትይዋ፥ ኩላ ሰብ፥ ሽዑ ክልና ትኣኻኺብና ናብ ሜዳ ወሪድና፥፥ ኣብቲ ንሕና ዝተሰለፍናሉ እዋን፥ ምሁራት እዮም ዝስለፉ ነይሮም፥ እታ ጉጅለ ናትና ብዙሓት ምሁራት ዝሓቆፈት'ያ ነይራ፥፥ ብዝኾነ ኣብቲ ሜዳ ምስ ኣተና ኣይጸናሕናን ኣብ 3 ምዓልቲ፥ ቅድሜና ቅድሚ 3 ሰሙን ዝወጹ ኩናት ሕድሕድ ኣጋጢምዎም፥፥ ሽዑ' ክልተ ሓይሊ ማለት ክልተ ጋንታ ናይቲ ግዜ፥ ሓደ 80 ዝኾኑ ተጋደልቲ' ካብ ሳሕል፡ንኸበሳ፥ ወጺኦም፥፥ ኣብኡ ድማ ኩናት ተኻይዱ ብዓል ፍስሃየ ካራሽ ዘለውዎም ኣብቲ ኩናት ሕድሕድ ይስውኡ፥፥ንሕና ምስ ኣተና ቀጥታ እዩ ናይ ክልተ ምዓልቲ ውግእ ኣጋጢሙና፥፥ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ ምስ ኩማንዲስ፥ ኣብቲ ውግእቲ ዓቢ ስርሒታትት እዩ ተኻይዱ በተን ክልተ ኣሃዱታት መጺአን ዝነበራ፥፡ ብአአንን ብፈዳይንን ክፍሊ ርክብን፥ እቶም ልፍሊ ርክብ ዝብሃሉ ፈዳይን ዝብሃሉ፥ ብዓል ወልደምካኤል ሃይለ ብዓል ድሩዕ፥ ዘለውዎም እዮም ንሳቶም እዮም ኣብቲ ህጁም ኣትዮም ዝነበሩ፥፥ኣብቲ ህጁም ኣትዮም ኣጽዋር ዝሰለቡ ማለተይ'የ፥፥ እቶም ናይ ፈዳይንን ክፍሊ ርክብን እዮም፥፥ ስለዚ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ፥፥ ንሕና ውን መስዋእቲ ከፊልና ኢና፥ ሓደ 6 ሰባት ተሰዊኦምና እዮም፥፥ ንኢትዮፕያ ግን ዓቢ ስንብራት እዩ፡ነይሩ፥ መኽንያቱ ኣብ ከባቢ ድርፎ'ዪ ነይሩ እቲ ውግእ፥፥ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብነፈርቲ ውግእ ዝግበር ዘሎ፥፥ ስለዚ ዓቢ ውግእ እዩ ነይሩ፥፥ መራል ናይቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ ንኽትገልጾ እዩ ዘሸግረካ፥፥ ሞራልካ ስሰማይ ዝሰቅል እንቋዕ ተሰለፍኩ ዘብል'ዩ ነይሩ፥፥ ዳሓር ኣብቲ ኩነታት ክንሪኦ እንከለና፥ መጀመርታ ምስ ድሩዕ ተራኪበ ነይረ ብዓል ድሩዕ ክትሪኦም ከለኻ ዝተማህሩ ከማን ኣይመስሉን እዮም ነይሮም፥ ኮምኡ ውን ብዓል ናይዝጊ ክፍሉ ነይሮም ኣብኡ፥ ብዓል ብጻይ ጎይትኦም ኩሎም ብዲግርታት ዝተመረቑ እዮም ነይሮም፥፥ ብድሕሪ'ዚ ሳሕል፡ምስወረድና ኣብቲ ዝነበረ ኩነታት፥ እቲ ምንቅስቃስ ናይ 1973 ይጅምር፥'
2ይ ክፋል ይቕጽል...........
ሄኖካ ሃኒ
ሕቶታት ብዛዕባ' ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን (ቅሱን)
2ይ ክፋል
እቲ ምንቅስቃስ ናይ ብ1973 ይጅምር እቲ ህቡብን ብተጋደልቲ ፍትዉን ዝኾነ ሙሴ ተስፋምካኤል፥ ትሃሪሙ! እንተኾነ ተጋደልቲ ከሰምዑ ብምባል እቲ ማህረምቲ ክሕባእ እዩ ትሓሲቡ ነይሩ፤፥ ብዝኾነ ግን እቲ ማህረምቲ ስለዝተራእየ ሙሴ ውን ሃራሚኡ ክፈልጥ ስለዘለዎ፥ ሙሴ ሃራሚኡ ኣይፈልጥን'ዩ፥ ነይሩ፤ ኣብ ሕክምና ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ፥
ከይትነግርዎ ተባሂሉ ካልእ ሳዕቤን ከይመጽእ፥ ተባሂሉ፤፥
ሕቶ፥ ሐራይ እስከ ኣብዛ ናይ መንካዕ ከነዕልል፥ እቲ መበገሲ ናይ መንካዕ እንታይ እዩ፥ ነይሩ? እንታይ ዓይነት ሕቶ'ዩ ነይሩ? ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ድዩ ከ?
መልሲ፥ እወ እንታይ ይመስለካ እቲ መበገሲ'ዝነበረ ኩነታት ከምዚ ዝብለካ ዘለኹ፥ ኣብ መሪሕነት ሓደ ዓቢ ግርጭት ነይሩ፤እቶም መሪሕነት ክብሃል ከሎ፥ ብፍላይ እቲ ናይ ሰልፊ ናጽነት ወገን ዝነበረ መሪሕነት፥ ኣብ ሞንጎ ተወልደ ኢዮብን ኣስመሮም ገብ/ዝጋብሄርን በቲ ሓደ ወገን፥ በቲ ሓደ ወገን ድማ ሰለሙን ወልደማርያም ዘለዎም፥ ኣብ ሞንጎ እዚኣቶም ምስሕሓባት፥ ነይሩ፤፥
እቲ ምስሕሓብ ጎሊሑ ዝረአ ዝነበረን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦን ምስሕሓብ'ዩ ነይሩ፤፥ ምስ'ዚ ጉዳያት እዚ ዝትኣሳሰረ፥ ኣኼባታት ነዚ ግርጭት፥ ንምፍታሕ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ' ክግበር ጀሚሩ፤፥ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝተገብረ፥ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባታት፥ክፍታሕ ኣይተኻእለን!! ስፍሕ ዝበለ ካብ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ዝትሓወስዎ ግፍሕ ዝበለ ኣኼባ ይገበር ተባሂሉ፥ ሓደ 40 ዝኾኑ፥ ሰባት ትኣኪቦም ማለት'ዩ፤፥ ነቲ ሽግር ክፈትሑ ተባሂሎም፤፥ ኣብዚ ሽግር እዚ እቲ፥ዝበዝሕ ክስታት ናብ ሰለሙን ወልደማርያም ዝቐርብ ዝነበረ ክስታት፥እዩ፤፥ እቲ ክስታት ድማ ሰለሙን ወልደማርያም ብኣውራጅነት ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝብል፥ 2ይ ድማ ኣብታ ናይ ስርያ ኣዲስ ዝብሃል ስርያ ኣዲስ ዝብሃል ኣብ ጀብሃ ዝተቐንጸሉ ነይሮም፤፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰለፉ፥ ዓበይትን ምሁራትን'ዮም ነይሮም፤ ብኣዲስ ኣበባ ገይሮም ናብ ጀብሃ ዝተሰለፉ፥ 1969 ኣብ ሓሊበት ዝብሃል ሳሕል፥' ጀብሃ እዚኣቶም ምስ ኣብርሃም ተወልደ ክፍለዩ እዮም፥ ዝብል፥ ኮምኡ ኣብርሃም ተወልደ ክኽተቡ ኣይደልዮምን እዪ ነይሩ፥ መኽንያቱ ጀብሃ' እቲ ጉባኤ ኣዶብሓ፥ ክሳብ ዝግበር፥ ዝኾነ ክታበት ጠጠው ክብል'ተባህሉ፥ኣብርሃም ተወልደ ውን ናይቲ ስሙር ሓይሊ፥መሪሕነት ተመሪጹ ነይሩ፤ 1968 ሓደ ካብኣቶም ስለዝነበረ፤ ኣብቲ ከባቢ ኣከለጉዛይ ይንቀሳቕስ ስለዝነበረ፤ ኣብ ኣከለጉዛይን ሰምሃርን ማለተይ'ዩ፤፥
ንሰለሙን ወልደማርያም ዝኾነ ክታበት ከይገብር ከልኪልዎ ነይሩ፤፥ ሰለሙን ወልደማርያም ግን ሓቢኡ ከቲብዎም፤፥
ሕቶ-- ሰለሙን ወልደማርያም ንባዓል መን'ዩ ዝኸትቦም፡ነይሩ?
መልሲ---እቶም ዝተቐንጸሉ ኣብ ስርያ ኣዲስ፥ ዝብሃል፥ ሓቢኡ ስለዝኸተቦም፥ ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ኣብ ሓደ ሕቡእ፥ ቦታ ሓቢእዎም ከምዘሎ፥ ተፈሊጡ!! እዚኣቶም ካኣ እንድሕር እቲ ጉባኤ ኣዶብሓ፥ እንድሕር ገለ ኮይኑ፥ ኣብ ልዕሌና ንዝውሰድ ስጉምቲ፥ ሓይሊ ክንድርብ ኢና ብምባል ዝገብሮ፡ዝነበረ ፋሉላዊ ኣካይዳ'ዩ፥፣
ኣብርሃም ተወልደ ምስፈለጠ፥ ምስ ሰለሙን፥ ብዙሕ ምስሕሓባት ጌሮም'ዮም፤፥ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣኼባ ኢና ንዛረብ ዘለና፥ ሰለሙን ወልደማርያም ንስኻ ኢኻ ጠንቆም ዝብልን ብኣውራጃን ተኸሲሱ፥ ነዞም 250 ብሬን ተኺሎም እዮም ረሺኖሞም ጀብሃ ኣብ ሓሊበት ዝብሃል ቦታ፥
ሕቶ፥ እዞም ብጆብሃ ዝተረሸኑ፥ 250 ተጋደልቲ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ድዮም ነይሮም??
መልሲ--ገና ገና ኣይተፈለዪን ኣለዉ! ኣብ ጀብሃ እዮም ነይሮም ኣብ መጀመርያ 70ታት እዮም ተረሺኖም፥ ናይዚኦም ምርሻን ድማ ነብርሃም ተወልደ ኣቖጢዕዎ'ዩ፥ ብኸምዚ፡ድማ ምስ ሰለሙን ንምንታይ ከቲብካዮም ዝብል ኣስሓሓብ ነይሩ፤
ኣብርሃም ተወልደ ክፍለ ከምዘለዎ ዝወሰነ ናይ ኪዳነ ክፍሉን ወልዳይ ጊደን፥ መቕተልቲ፥ ኣብ ከሰላ፥ ምስሰመዐ፥ ቃልሲ ተፈሊኻ'ዩ ዝብል መርገጺ ወሲዱ፣ ኣብ ዓላ ተፈልዩ ውጺኢት ናይቲ ኣኼባታት ይከታተል ነይሩ፥፣ ብድሕሪ'ዚ ጉባኤ ኣዶብሓ ተወዲኡ ብድሕሪ ምርጫ ድሮ ንድሮ፥ ጀብሃ ክትኣስር ጀሚራ ተባሂሉ ተላቢዑ፥ ወልዳይ ጊደይን ኪዳነ ክፍሉን ከምዝተቐትሉ ኩሉ ሰብ ሰሚዑ፥ ብድሕሪ'ዚ ኣብርሃም ተወልደ ህዝቢ ኣኪቡ፥ ተፈሊናሉ ዘለና መኽንያት ምስ ጀብሃ ክንጉዓዝ ኣይንኽእልን ኢና ኢሉ ንህዝቢ ነጊሩ፥ ንህዝቢ ዓላ ማለት'ዩ፤፥
ሕጂ ኣብቲ ናይ 1973 ክምንምለስ፥ ንሰለሙን ብዙሕ ክስታት ተመስሪትሉ፥ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ማለት'ዩ፤፥ ሙሴ ተስፋምካኤል እዚ ውድብ እዚ ኣካይድኡ ጥዑይ ኣይኮነን፥ኣብዚ ውድብ ዲሞክራሲ የለን፥ ናይ ውልቀ ሰባት ዲሞክራሲ'ዩ ዘሎ፥ ኣብዚ ትኣኪብናሉ ዘለና ግርጭት ክንፈትሕ እንተዘይኬና፥ ክንፈርድ' ኣይትኣከብናን ኢልዎም፥ ብዛዕባቲ ንሰለሙን ወልደማርያም ዝዋሃብ ዝነበረ ፍርድታት፥ ማለት፥ዩ፥፣
ሙሴ ተስፋምካኤል He is very smart: ብጣዕሚ፥ ሓያል ሰብ'ዩ፥፣ እቲ ኣኼባ ነቲ ግርጭት ምፍታሕ እዩ ነይሩ ድሌት ናይ ሙሴ፥ ስለዚ' ሙሴ ፥ ክንፈርድ ኣይኮነን መጺና ሽግር ክንፈትሕ እንበር ፍርዲ' እንተኾይኑ፥ ግን ኩሉ ተጋዳላይ ማንደይት ክዋሃቦ ኣለዎ፥ ዝብል ሕጋዊ መርገጺ ወሲዱ፤፣
ብዛዕባ ኣብቲ ውድብ፥ ዝነበረ፥ ሕማቕ ኣሰራርሓ ሙሴ ደው ኢሉ፥ ይምክቶ ስለዝነበረ፥ ጸጋይ ቐሺ ዝብሃል ብሰደፍ ብረት ጌሩ፥ ንሙሴ ሃሪምዎ፤፥ ምስ ወደቀ ሃለዋቱ ኣይፈልጥን'ዩ ነይሩ፤፣
ሕቶ--ኣብዚ ሳዓት'ዚ ጸጋይ ቀሺ ንሙሴ ክሃርሞ፡ከሎ ዝራኣይዎ ሰባት ኣለዉ ዶ?
ዝተዛረበ ሰብ ከ፡ነይሩ ዶ?
መልሲ-- ኩሉ እቲ ኣኼበኛ ርኢይዎ፥ ኣብ ማእከል ኣኼባ እንድዩ ሃሪምዎ፤፥ ብድሕሪ'ዚ ጸጋይ ቀሺ ተቐጺዑ፥ናይ 2 ሰሙን መቕጻዕቲ ናይ ምግብና ኣብ ሕክምና ተቐጺዑ፥መራሒ ሓይሊ'ዩ ነይሩ፥ ካብቲ ዝነበሮ፡ደረጃ ክሳብ መቕጻዕቲ ዝውድእ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፤
ነገር ግን ስለምንታይ ሙሴ ትሃሪሙ ዝብል ኣብ ኩሉ ተጋዳላይ ምልዕዓል ፈጢሩ መኽንያቱ ሙሴ ሁቡብ እዩ ነይሩ፤፥ ኣብቲ ግዜቲ' እታ ዝላዓለት ሓይሊ'ያ ትብሃል፥ ነይራ፤ ሙሴ ኮምሽነሪ ናይ ሓይሊ'ዩ ነይሩ፥፣
ኣብቲ ግዜ'ቲ ሙሴ ልዕሊ ኢሰያስ፥ እንተዘይኮይኑ ትሕቲ ኢሰያስ ኣይረአን እዩ ነይሩ፤፥ ንሙሴ ካብ ካልኦት ምሁራት ዝፈልዮ ምስ ሓረስቶትን ትሕት ዝበለ ደረጃ ዘለዎም ሰባትን ዓሚቕ ናይ ምርድዳእ ክእለት'ነይርዎ'ዪ፤፥
ብዝኾነ፡ሙሴ ምስትሃርመ ሕማቕ ስምዒት ኣብ ተጋደልቲ ፈጢሩ፥ ኣኬባ ክግበር እዩ ወከልቲ' ስደዱ' ተባሂልና እቶም ተጋደልቲ፥ ብድሕሪ'ዚ የውሃንስ ስብሃቱ፥ ንሕና ንቕድም ናይ በይንና ኣኼባ ክንገብር ኣሎና ኢልዎም'፥ የውሃንስ ስባህቱ ሓደ ካብቶም ገስገስቲ ምህራት'እዩ ነይሩ፥ መንካዕ ማለተይ'ዩ፤፥ ቅድሚ ናብ መሪሕነት ምኻድና ንሕና ክንገብሮ ዝግባኣና ኣኼና ኣሎና፥ ሓደ ሓሳብ ሒዝና ድማ ናብ መሪሕነት ንቐርብ፥ ነታ ዝተገብረት ኣኼባ ሽዑ የውሃንስ ስባህቱን ኢብራሂም ዓፋን ይመርሕዋ ማለት'ዩ፥፣ ኣብቲ ኣኬባ ዝነበረ፥ ኩነታት ኣብዚ ኣብ ተጋደልቲ ብዙሕ፥ ግህሰት ስለዘሎ፥ ሓንቲ መሰላት ተጋደልቲ እትእክብ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ምዓልቲ ኣኪባ ናብ ኣኼበኛታት ከተቕርብ' ሓንቲ ኮሚተ ንምረጽ ተባሂሉ ሕራይ ተባሂሉ፥፣
ብዓል የውሃስን ስባህቲ ኢብራሂም ዓፋ ሃብተስላሴ ገብረመድሂን ዘለውዎም ተመሪጾም 10 ዝኣባላታ ማለት'ዩ፤ ሙሴ ኣብዚ ኣይተመርጸን መኽንያቱ፥ ሙሴ ኣብታ ናይ ገስገስቲ ምሁራት የድሊ ስለዝነበረ፥ ነታ ገስገስቲ ምሁራት እዩ ትሓጽዩ ነይሩ፤፣
3ይ ክፋል ይቕጽል..........
ኣብ ሕቶ መንካዕን ትሕዝቱኡ ኢና ዘለና፥ ኩቡራት ነበብቲ፥ ነቲ ታሪኽ ኣገላልጻ ክጥዕም ተባሂሉ፥ እዩ ንድሕሪት ተመሊሱ ቅድሚ፥ 73 ዝነበረ ኩነታትን ምስ ናይ 73 ዘዕልለና ዘሎ፥
SHARE
ሄኖካ ሃኒ
3ይ ክፋል ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን ቅሱን፥
3ይ ክፋል
ሙሴ ኣብታ ንመሰላት ተጋደልቲ እትከታተል ኮሚተ ኣይተመርጸን፥ መኽንያቱ ኣብታ ናይ፥ ገስገስቲ ምሁራት፥ ትሓጽዩ ስለዝነበረ፤ ኣብታ መሰላት ተጋደልቲ እትዕዘብ፥ ጆን'ዪ ኣትዩ፥ ብድሕሪ'ዩ ኩሉ ተጋዳላይ ዝራኣዮ ዘበለ ጉድለታት ኣብ ብዓል ኢሰያስ ይኹን ካልእ፥ብዝርዝር ቀሪቡ፥ ኣብ ውሽጢ 10 ምዓልቲ መሪሕነት ካኣ፥ እቲ ዝካኣላ ሰሪሓ፥፣እቲኣቶም ክእከቡ እንከለዉ መሪሕነት ካኣ ነቲ ድሑር ስምዒታት ትወዳድብ፤
ተመሊስካ ሎሚ፡ክትሪኦ፡ከለኻ እቶም ኣብቲ ውሽጢ፡ምንቅስቓስ፥ መጀመርያ ደጊፎም ዝነበሩ፥ ዳሓር ተገምጠሎም፤ ኣባላት ሰልፊ ኮይኖም ጸኒሖም፥፣ ኢብራሂም ዓፋ፥ ሓደ መስረቲ ናይታ ምስጢራዊት ሰልፊ'ዩ ነይሩ፥፣ ብዓል ኣልኣሚን መስረቲ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ'ዮም ነይሮም፥፣ ሕጂ ብዓል ሮሞዳን ዓሊስዒድ፥ ተወኪሎም ኩሎም እቶም ቀዳማይ ወገን ብምልኦም፥ ብዓሊ ስዒድ ተወኪሎም ኣንጻሩ ጠጠው ኢሎም ዓሊ ስዒድ'ዩ ማንደይት ተዋሂብዎ ነቲ ምንቅስቓስ ናብ ካልእ ኣንፈት ጠውየሞ፥ በቲ ሓደ ወገን ካኣ ሰለሙን ወልደማርያም፥ ነዛ መሪሕነት ክዓልውዋ'ዮም ዝብል፥ ገምጋም'ዮም ወሲዶም፥ ሰለሙን ወልደማርያም ካኣ ብኣውራጅነት ደቂ ሓማሴን ክውድብ፥ ላዕልን ታሕትን ይብል፥ ድሕሪ 10 ምዓልቲ ኣኼባ ምስተወደበ፥ ሽዑ፥ እታ ዝዓበየት ጉዳይ እታ ትምረጽ ኮሚተ፥ ስልጣና ማዕረ መሪሕነት ኮይኑ፥ ስለዚ እዛ ተቖጻጻሪት ኮሚተ መሰል ተጋደልቲ እትሕሉ፥ ኣብ ገጋደልቲ ግህሰት እንተዳኣ ርእያ ክሲ ከተቕርብ ትኽእልያ፤ ስለዚ ካብ መሪሕነት ጀሚርካ ብምልኦም ኣብ ቁፅር ኣትያ ማለት'ዩ፤፥ ክሳብ ጉባኤ ተገይሩ ካልእ መሪሕነት ዝምረጽ'ያ እታ ኮሚተ ክትጸንሕ ትሓሲባ' ነዚ ንኸይግበር'ዮም፥ ግን ብምሉእ ሓይሎም ሰሪሖም መሪሕነት፥ ከምቲ ዝሰርሕዎ ድማ ካብቶም ዝምረጹ ዝነበሩ፤ 9 ኣባላት እንድዮም ክምረጹ ነይርዎም፥ እተን ክልተ ቁጽሪ፡ነተን ኣብ ከበሳ ዘለዉ'ዩ፥ እቶም 7 ድማ ኣብኡ ክምረጹ፥ 3 ኣብ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ክምረጹ ከለዉ 4 ድማ፥ ካላይ ወገን፥ እቶም ዝተመርጹ ኣርባዕተ ሰባት ደቂ ሓማሴን እዮም ነይሮም፤ ካብኣቶም ኣፈወርቂ ኣምሓራይ፥ ታረቀ የሕዶጎን እዮም፥፥፣
እዚኣቶም ድማ ካብቶም ገስገስቲ ምሁራት እዮም፥ ንሕና ብኣውራጅነት ዝተገብረ ውዲት ኣይንቅበሎን ኢና ኢሎም ነጺጊሞ፤፣ሕጂ ኣብ ተጋደልቲ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ፥፥ ብድሕሪ ኡ እታ ሽማግለ መግለጺ ክትህበና መጺኣ፥ ዘቕረብናሎም ሕቶ እቶም ክልተ ካኣ ምሳኩም፡መጺኦም፥ መግለጺኦም የስምዑ ዝብል'ዪ፥፣ ናቶም ጉዳይ እዩ ኢሎምና፥ግን ንሕና ክንፈልጦ ኣለና ኢልናዮም ዝተኽሰተ ነገር ምህላዉ ተረዲኡና ነይሩ፤፥ ኣብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ክሳብ ብረት ምትዕምማር ነይሩ'ዩ፥፣ ኣብቲ ሳዓት ኢትዮፕያ እንተዘይመጹ፥ ኢትዮፕያ መጺኣ ፈላልያትና እንበር፥ ኣብ ዓላኬት ዝተገብረት ኣኬባ ኣዝያ ርስንቲ ኣኼባ እያ ነይራ፥ መኽንያቱ ታረቀን ኣፈወርቅን እንድሕር ዘይመጺኦም ናትኩም ዘተባ፥ ኣይንሰምዖን ኢና ዝብል ዘረባ ስለዝመጸ፥ ኣብዚ ምትህልላኽ'ዚ፥ ኢብራሂም ዓፋ ንሃብተስላሰ ገብረመድሂን ብረት ዓሚርሉ፥ ብረት ምስዓመረሉ፥ ሃብተስላሴ ድማ ብረት ዓሚርሉ፤ ክልቲኦም ምስተፋጠጡ፥ ኩልና በብረትና ዓሚርና ብድሕሪ'ዚ ኢብራሂም ዓፋ ብጣዕሚ ሰንቢዱ፥
ሕጂ መን ክዘብጥ'ዩ ዝፈልጥ የለን ተፋጠጥ'ያ ኮይና!! ኢብራሂም ዓፋ ብረቱ ኣውሪዱ ሓንሳብ ሓንሳብ ኢሉ፥ ነቲ ኣሕሊፍዎ ዝነበረ ጥይት ናብ ቦትኡ መሊስዎ፤ ብድሕሪኡ ምውጩ ካብቲ ኣኼባ ይሰጎ፥ ውጩ ተሶጊጉ ይኸይድ፤ ሓንሳብ ርግእ ኢልና ኣኼባና ንቐጽል ተባሂሉ፣ ውጩ ተሰጊጉ እንዳኸደ ከሎ፥ ናብቶም እንዳዋርድያ ገጹ ይኸይድ፥ ዋርድያ ድማ ራድዮ ትዓጽዪ ዝሰምዖ ስኢኑ፥ ኢትዮፕያ ካኣ ክኣትዉና ቀሪቦም፥ ዋርድያ እንዳጎዮዪ ናባና ገጾም ይመጹ፥ ውጩ ተሰጊጉ ናብኦም እንዳኸደ ከሎ፥ ኣብ መንገዲ ይረኽብዎ፥ ስለምንታይ ራድዮ ትዓጽውዎ ኢትዮፕያ መጺኣ ኢሎም ንውጩ ምስ ነገርዎ፥ ውጩ እንዳጎየየ መጺኡ ነቲ ኣኼበኛ ሓቢርዎ፤፥
ብድሕሪ'ዚ ድፋዕና ሒዝና ውግእ ተጀሚሩ፤ ኢትዮፕያ ብምሉእ ሓይሎም ስለዝመጹ፥ ንሕና ምስ ኢትዮፕያ እንዳተራጋረግና እንከለና'ዮም ንሃብተስላሴ ወሲዶሞ፥ ሃብተስላሴ ተደሊኻ ኣለኻ ተባሂሉ፥ ይኸይድ፥
ሕቶ---ንሃብተስላሴ መን'ዮም ዝጽውዕዎ ዘለዉ ማለት'ዩ
መልሲ--መሪሕነት፥ ተጸዊዕካ ተባሂሉ ገረግር ኣስመራ ምስከደ፥ ኣይተመልሰናን ኣቡኡ ኣጥፊኦሞ ማለት'ዩ ንሃብተስላሴ፥ እቲ ውግእ ምስኢትዮፕያ ን14 ምዓልቲ ይኸውን ቀጺሉ፥ ዓቢ ውግእ እዩ ነይሩ!! እቲ ውግእቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መጀመርታ እዪ፤ መኽንያቱ ሓደ ውሑድ ቁጽሪ፥ ንኽልተ ሰሙን፥ ዝኸውን ምስሓደ ዓርሞሾሽ፥ ሓይሊ፤ ቦታ ናቐያየረ፥ 2 ሰሙን፥ብዘይምቁራጽ እዩ ተኻይዱ፥ እዚ ሞቶ ስድስት ዝብሃል' ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተራእዩ፤፥ እቲ ውግእ ምስተወደአ መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ መጀመርታ ዝትኣስሩ፥ ኣፈወርቂ ተኽሉን ታረቀ ይሕደጎን'ዮም፤ ነዞም ክልተ ምስኣሰረቶም መሪሕነት፥ ስለምንታይ ትኣሲሮም ዝብል ተቓውሞ' ይመጽእ፤፥
መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ ስለዘላ፥ ሙሴ ተስፋምካኤል ንፔጥሮስ ሰለሙን መልእኽቲ ሰዲድሉ፤፥ ፔጥሮስ ሰለሙን ናይ ሃንደሳ፥ ፈንጅታት ክቐብሩ ተንቀሳቒሶም፥ ስለዝነበሩ፥ ፔጥሮስ ካብዝኾነ ሓላፍነት ወሪዱ እዩ ነይሩ፤፥ መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ ስለዘላ ዓጢቕኩም ከልጢፍኩም፡ምጹ ዝብል መልእኽቲ፥ ካብ ሙሴ ተማሓላሊፍሎም፤፥ ሙሴ ውን ደስኪሉ እዪ ነይሩ ሽዑ፤፥ ሕጂ እቲ መልእኽቲ ጠሊፎሞ፥ ፔጥሮስ ሰለሙን መድፍዕ ሒዙ ተሰሪዑ ክመጽእ ከሎ፥ ኣብ ድብያ ኣትዮም ኩሎም ተታሒዞም፤ ኩሎም ተታሒዞም ካኣ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም፥፣
ብዓል ሙሴ ውን ተታሒዞም ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም፥። ብዓል ጆን ውን ኮምኡ፥ ንኹላ ምጥርናፍ ኮይና፤ ኩላ ሰብ ክትኣቱ ምስጀመረት እታ ሓይሊ ናይ ብዓል ትኩእ የሕደጎ፥ እታ ሓይሊ ናቱ ትንቀሳቐስ ማለት'ዩ ስለምንታይ ትኣሲሮም ኢላ፤፥ ሓላፊና ስለምንታይ ትኣሲሩ ብዝብል፥ ብዓል ሃብተምካኤል፥ ወልደገርግሽ፥ ሓዉ ነዚ ዓንደብርሃን ማለት'ዩ፥ ንሱ ዝመርሓ ጉጅለ፥ ትንቀሳቐስ ማለት'!ዩ፥ ምእስር ምስበዝሐ ካብቶም መሪሕነት ሓደ ተወልደ ኢዮም እዚ ትወስድዎ ዘለኹም ስጉምቲ፥ ጌጋ፥ እዩ፥፣ ኣነ ካብ ጀብሃ ዝተፈለኽሉ መኽንያት፥ ጀብሃ ብትገብሮ ዝነበረት ምእሳርን ምቕንጻልን' ጸሊአ እየ ተፈልየ፥ ስለዚ' ንስኻትኩም ውን ኣብቲ ንሕና ዝመስረትናዮ ውድብ፥ ምቕንጻልን፡ምእሳርን፥ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስዱ፥ ኣንጻር እቲ ዝተፈለናሉ እላማ ስለዝኾነ፥ ኣቅበሎን'የ፥ ኢልዎም፥ ስለዚ ትፈትሕዎም እንተዳኣኬንኩም ጽቡቕ እንተዘይኮይኑ፥ ኣነ ኣይእከብን'የ ምሳኻትኩም ኢልዎም፤፥ እዚ ናይ ተወልደ ኢዮብ መግለጺ ብጽሑፍ እዩ ሂብዎም፥ ደብዳበ ጽሒፉ ብጽሑፍ'ዪ ሂብዎም፤፥
እቲ ጽሑፍ ድማ ንኹሉ ተጋዳላይ ተነቢብሉ'ዩ፥፣ ተወልደ ኢዮም ከምዚ ስለዝገበረ፥ ነቶም ኣዕነውቲ ካኣ ስለዝደገፈ፥ ካብ ስልጣን ወሪዱ ኣሎ፥ትብል መሪሕነት ክትንቀሳቐሰላ ጀሚራ፤፥ንዓና ዘንበቡልና ነዚኣ፥ መስፍን ሓጎስን ዓሊ ስዒድን እዮም፤፥ ሄኖክ እንተዳኣ ክኢልካ ንመስፍን ሓጎስ ሕተቶ፥ ከምዚኣ ትብሃል ሓቂ ድያ በሎ ሓሶት እንተዳኣ ኢሉካ ባዕለ ኣለኹ፤፥ ኣብቲ ኣኼባ ዝዋዓሉ ሰባት ብሂወት ስለዘለዉ ከቕርቦም ይኽእል'የ፤፣ንምርግጋጽ ማለት'ዩ፤፥ ወላ ንድሩዕ ከማን፥ ብዛዕባ'ዚ ነጊረዮ ነይረ፥ መስፍን ሓጎስ እንድህር ናይብሓቂ ምሳኻትኩም ኣብቲ ጉጅለ ኣሎ ኮይኑ፥ ተወልደ ኢዮብ፥ ዘንብቦ ዝነበረ፥ ከምዚ ይብል ነይሩ፥ሞ ሓቂ ድያ ኢልካ ሕተቶ ኢለዮ። መኽንያቱ ድሩዕ ኣብቲ ግዜ ምንቅስቃስ ኣይነበረን ተማሪኹ'ዪ ነይሩ፤፥
4ይ ክፋል ይቕጽል............
ሄኖካ ሃኒ፥ share ንበሎ ታሪኽ'ዩ፥፣
ቃለ-መሕተት ብዛዕባ ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ፥ ምስ ገዲም ተጋዳላይ፥ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን (ቅሱን)
4ይ ክፋል፥
እቲ ምንቅስቃስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ድሩዕ ኣብ እስርቤት ተማሪኹ'ዩ ነይሩ፤፥ ስለዚ ብዛዕባ፥ መስፍን ስለዚ ዘይትፈልጦ ነገራት ስለዘሎ ንድሩዕ፥ ድሕሪ'ቲ ምንቅስቃስ ነጊረዮ ነይረ፥ ብዝኾነ፥ ተወልደ ኢዮብ ንሰንኪ ንመንካዕ ደጋፋይ ኢኻ ተባሂሉ፥ ካብ ስራሕ ጠጠው ይብል፥ ብረቱ ልጉም፥ እዪ ናይ ተወልደ ኢዮብ፥ ዝኾነ ሰብ ብፍላይ ሰለሙን፥ ወልደማርያም፥ ንዓይ ክኣስር እንተዳኣ መጺኡ ጥይተይ ልጉም'ዩ፤፥ ዝቐረበኒ ድማ ክዝበጥ'ዩ ይብል፤፥
ተወልደ ኢዮብ ንፉዕ'ዩ፤፥ ኬድካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ መግቢ ይበጽሖ'ዩ፥ እታ ጽላል ናቱ ኣካቢቡላ እዩ ብመንደቕ ተነዲቓ'ያ፥፣ ብረቱ ዕምርቲ'ያ፥፣ ሰለሙን ወልደማርያም በቲ ከባቢ ኣይሓልፍን'ዩ በቲ ተወልደ ኢዮብ ዝነበሮ ቦታ ኣይንቀሳቐስን'ዪ፤፥ ሰለሙን ወልደማርያም እዪ ዝኣስር ነይሩ፤፥ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ተባሂሉ ንሱ'ዩ ሰብ እንዳሃደነ ዝኣስር፥፣ በታ ተወልደ ዝነበራ ግን ኣይንቀሳቀስን'ዩ፤፥ ካልእ ግን ዝኾነ ሰብ እንዳኣተወ ንተወልደ ኢዮብ ክረኽቦ ይኽእል'ዩ፤፥ ብፍላይ ብፍላይ ኢሰያስ ብተደጋጋሚ' ይበጽሖ ነይሩ'ዩ፤፥
ድሕሪ'ዚ ንሕና ንኸበሳ ንወጽእ ከበሳ ምስወጻና፥ ነቲ ጉዳይ ሓደ መደምደምታ' ክግበረሉ' ተባሂሉ፥መሪሕነት ባዕላ፥ መሪሕነት ሽማግለ መሪጻ፥ ነቲጉዳይ ክትርኢ ተባሂሉ፥ ማለት'ዩ፤፥ ነቶም ዝእሰሩ ዝነበሩ ጉዳዮም እትርኢ ብወልደምካኤል ሃይለ ትምራሕ ሓንቲ ናይ ፈዳይን ሓይሊ፥ ካብ ኣስመራ ዝመጹ፥ ንሳቶም ክርእይዎ ተባሂሉ፥፥ እዚ ናይ ድስፕሊን ጉድለት እንተዘይኮይኑ፥ ካልእ ጉድለት የብሎምን፥ ስለዚ ዘእስር መኽንያት፥ የብሎምን ኢልዎም ወልደምካኤል ሃይለ፤፣ ኣብ ኮምኡ መደምደምታ በጺሑ፥ እንተዘይኮይኑ ካብዚኦም ንላዕሊ፥ ነቶም ኣብ ላዕሊ ሞክሮፎን ሒዞም ብኣውራጃ ክርብሹ ዝቐነዩ፥ ካብኦም ንላዕሊ ሕማቕ ዝገበሩ፥ በዚ ሓደ ወገን ኣለዉ፥ ኢሎም ብዓል ወልደምካኤል ሃይለ መደምደምታ ሂቦም፤፥
ዘእስር መኽንያት ዝብሃል የብሎምን ምስ በሎም፤፥ ካልእ ሽማግለ ትምጻእ ተባሂሉ ብድሕሪኡ ውን፥ ካብቶን ኣብ ከበሳ ዝነበሩ ድማ፥ ብብጻይ ጎይቶኦም እትምራሕ፥ ሓንቲ ሽማግለ ቆይማ ማለት'ዩ፤፥ እዛ ሽማግለ ጎይቶኦም በርሀ፥ ኣለዋ፥ የማነ ሃይለምካኤል ዝብሃል ነይሩ፤፥ ኣባግራይ ኢና ንብሎ ዝነበርና፤፥ ዑቕበ ኣብርሃ ነይሩ፤ ግርማይ ገብረመስቀል፡ነይሩ፥፥ ሓምሻዮም ሓመድዓሊጣህር ዝብሃል፡ነይሩ፤፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ሽማግለ ቆይሞም፥ ነቲ ጉዳይ ክምርምሩ ኣብ ኩሉ ቦታታት ተንቀሳቒሱ፤፥ ኣብ መወዳእታ መደምደምታ ድማ በጺሖም፤፥ ብወገን እቶም ገስገስቲ፡ምሁራት ዝቐርብ ዝነበረ ነጥቢ ጉጅለ ነይሩ፥ ዝብል፥ ንሕና ንርእስና ኣብ ጉጅለ ተወዲብና ኔርና፤፥ ኣንጻርና ድማ ካልእ ጉጅለ ተወዲቦም፤፥ ኢድ እቲ መሪሕነት ኣትይዎ፥፣ ብኣውራጃውነት ድማ ውደባ ነይሩ፤፥ ዝብል 3 ክስታት እዮም ኣቕሪቢም ነይሮም፤፥
ነዚምአን ክትምርምር ኢላ እታ ሽማግለ ምስቀረበት፥ እቲ በቶም ገስገስቲ ምሁራት ቀሪቡ ዝነበረ ክስታት መርሚራ እታ ብብጻይ ጎይቶኦም ትምራሕ ጉጅለ፥፥ እታ ጉጅለ ከምዝነበረት ኣረጋጊጽናዮም ዝብሉ፥ ብብዓል ሙሴ ወገን ሓደ ጉጅለ፡ነይሩ፥ ጉጅለ ከምዝነበሩ ንሳቶም ባዕላቶም ውን ይኣምንሉ'ዮም፤፥ ብኣንጻሮም ድማ ካልእ ጉጅለ ነይሩ፤፥ ኣውራጃውነት ኣትይዎ ከምዝነበረ፥ ርኡይ ብርኡይ ዘረጋገጽናዮ፥ ሓቅታት ኣሎ ኢሎም፡ብዓል ብጻይ ጎይቶኦም፤፥ ደምዲሞም፤፣ ኢድ መሪሕነት ነይርዎ ንኽንብል ግን እታ ወረቐት ስለዘየላ፥ እታ ትዘውር ዝነበረት ወረቐት ናይ መሪሕነት፥ ጠፊኣ ስለዝኾነት፥ ስለዝተሰወረት ከነራጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና ነይራ፥ እዮም፡ዝብሉ ንሕና ግን ነታ ወረቐት ክሳብ ዘይረኸብና፤ ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና ስለ'ዚ፥ ናዓኣ ውድቕቲ ጌርናያ እዮም ዝብሉ፤፥
እምበር ብዓል ብጻይ ጎይትኦም በጺሖሞ፡ነይሮም ናይ መሪሕነት ኢድ ከምዘለዎ ርዱእ፥ እዩ ግን ብጭቡት ክትዛረብ ስለዘለካ'ያ፥ እታ፥ ጉዳይ፤፥ መሪሕነት ካኣ፥ እዚ ነገር'ዚ ክሳብ ኣብ ከምዚ፥ እንድሕር በጺሕኩም ንሕና ካኣ ኢድና ከነእቱ ኢና ኢላ ምዓት ምፍርራሕ'ያ፥ ክትገብር ፈቲና፥፣ ከምቲ ድሕሪ ብጻይ ጎይቶኦም ዘዕለለኒ፥ ሕጂ ዳሓን ነታ መሪሕነት ቀስ ኢልና ክንሪኣ ኢና እተን ክልተ ግን፥ ከምዝነበራ ክንገልጽ ኢና እታ ናይ ገስገስቲ ምሁራትን ማለት(መንካዕን) ኣንጻር መንካዕ ኣውራጃዊ ውደባ'ዘለዎን፥ ከምዝነበራ ክንገልጽ ኢና፥ ኢሎም መደምደምታ፥ ሂቦም መግለጺ ሂቦም፤፥ ክህቡ ከለዉ እቶም ኣርባዕተ፥ ኣብ ሓደ ክኾኑ ከለዉ እቲ ሓደ ሓመድ'ዓሊ ጣህር፥ ዝብሃል ካብታ ቀዳመይቲ' ወገን ናይ ህዝባዊ ሓይልታት፥ እሞ ንኸበሳ ገለ ውሑዳት ሰባት ከይዶም ዝነበሩ ካብኣቶም፥ እንድዩ ተመሪጹ፥ ንሱ ልክዕ ምስቶም ናይ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፥ ሓደ መርገጺ'ዩ ዝወስድ፥ እዚ ዝብሃል ዘሎ ኩሉ ኣይነበረን ኢሉ ይዛረብ፤፥ ግን ኣርባዕተ ስለዘድመጹ፤ ናቱ ውዱቕ'ዩ ነይሩ፤፥ መሪሕነት ግን ነዚ፥ መሊስካ ዝገደደ፥ ቁኑዕ ክፈርዱ ኢልና ዘቕረብናዮም እንዳበልካ ዕግርግር ተፈጢሩ፤፥ ስለዚ መሪሕነት ባዕላ ነቲ ጉዳይ፥ ርእዮም ፍርዲ ዝህቡ፥ ሽማግለ፥ መዚዝና ኣሎና ኢላ፥ ሓንቲ ሽማግለ መዚዛ ማለት'ዩ፤፥ ንሕና ንኸበሳ ወጺና፤ እታ ሽማግለ ሕጂ፥ ብኢብራሂም ዓፋ እያ ትምራሕ ነይራ፤፥ ዝሃበቶ ፍርዲ ድማ ሞት'እዪ ነይሩ፤፥ ነቶም 6 ሰባት ንሞት ፈሪዳቶም፥፣
ንሙሴ ተስፋምካኤል
ንዮውሃንስ ስባህቱ
ንኣፈወርቂ ተኽሉ
ንታረቀ የሕደጎ፥
ንሃብተስላሴ ገብረመድሂን፥
ንርእሶም ዓቋይ(ዶክቶር ርእሶም)
ሕቶ-----ኣብዛ ናይ መንካዕ'ስ ብዙሓት ሰባት ደቂ ኣከለጉዛይ' እዮም ኩሎም ይብሉ' እዮም፥ ስለዚ ነቲ ናይ 1973 ምንቅስቃስ፥ ካልእ ኣንፈት ይህብዎ እዮም ማለት፥ ደቂ ኣከለጉዛይ ብኣውራጃ ተወዲቦም ዳሓር ተቐቲሎም ዝብል፥ ስእሊ ኣብዚ፥ ናይ ሎሚ ወለዶ' ኣሎ፥ እስከ ሓቂ ድዩ? ኩሎም ደቂ ኣከለጉዛይ ድዮም? ወይስ ጌጋ'ዩ፥ እስከ ኣስማቶምን ዓዶምን ጥቀሰለይ??
መልሲ-----እወ እንታይ ይመስለካ'እዚ ብኣንጻር ክዝረብ ከሎ ድላዮም እዮም ስም ዝህብዎ፥ ወላ ንጉጅለ 15 ውን እኮ፥ ናይ ኣከለጉዛይ ምጥርናፍ እዩ ኢሎም፡ዘይስሙ ሂቦሞ እዮም፤፥ ናይ ኣከለጉዛይ ምንቅስቃስ ግን ኣይነበረን' ናይ 6 ኣውራጃታት ዝጠርነፈ ሃገራዊ ሕቶ እዩ ነይሩ፤፥
ሕጂ ናብ መንካዕ ክንምለስ ኣስማቶምን ዓዶምን ክጠቕሰልካ' እዞም 6 ንሞት ዝተፈርዱ፥
ሙሴ ተስፋምካኤል--ዓዲ ፍኚዕ ኣከለጉዛይ
የውሃንስ ስባህቱ---ጉራዕ ኣከለጉዛይ፥
ሃብተስላሴ ገብረመድህን---ዑናፎርዖን ኣከለጉዛይ
ዶክቶር ርእሶም--ሰራየ'
ኣፈወርቂ ተኽሉ' ዓዲ ተከሌዛን ሓማሴን
ታረቀ የሕዶጎ ካኣ ሕንብርቲ ሓማሴን፤፥
እዚኣቶም እዮም መንካዕ ዝብሃሉ' ከምቲ ዝበልኩኻ ግብ ብኣንጻር ክዝረብ ከሎ፥ ንዝኾነ ነገር ዘይናቱ እንተተዋህበ ዘገርም ኣይኮነን፤፥
5ይ ክፋል ይቕጽል..........
ሄኖካ ሃኒ
ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተስፋምካኤል (ቁሱን)
5ይ ክፋል..
እቶም ኣብ መንካዕ ዝነበሩ፥ 6 ምሁራት 3 ደቂ ኣከለ'ጉዛይ እዮም 2 ደቂ ሓማሴን እዮም 1 ድማ ወዲ ሰራየ'ዩ፤፥ ስለዚ ንምንታይ ደቂ ኣከለጉዛይ እዮም ናይ ኣውራጃ እዩ ነይሩ ይብሃል፥ እዚ ኩሉ ድማ ነቲ ንቁሕ ሙሴ ተስፋምካኤል ንምርካብ'ዪ፤፥ ወይ እቶም ቀንዲ ተጠመቲ ዝነበሩ ሙሴን ወይሃንስ ስባህቱን' ስለዝነበሩ'ዩ፤፥ እዚ ኣባሃህላ ሓሶት እዪ፤፥ መግለጺ ናይ የውሃንስ ስብሃቱ፥ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ እዚ ሕጂ፡ንገብሮ ዘለና ምንቅስቃስ፥ ናይ 1973 ናይ ገስገስቲ ምሁራት ናይ ምእራም ምንቅስቃስ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተባሂሉ፥ ክስነድ'ዩ እዪ፡ዝብል ነይሩ፤፥
ስለዚ እቲ ዝነበረ ምንቅስቃስ ናይ ገስገስቲ ምሁራት እዩ፤፥ ወላ እቶን ነፋሪት ጨውዮም ዝመጹ ብዓል፡ሙሴ የውሃስ፥ ኣማኒኤል፥ ደበሳይ'ዮም' ነይሮም፤፥ ደበሳይ ወዲ ሰራየ እዩ፤፥ ግን ተቐንጺሉ'ዪ ምስቶም ዝቕንጸሉ ዝነበሩ፤፥ ስለዚ እቲ ዝብሃል፥ ሓሶት'ዩ፤፥
ኩቡራት ተኸታተልቲ እዞም ኣየር ዝጨወዩ፥ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ስሞም፥ ካብ ኢትዮፕያ ናብ ልብያ ኣየር ናይ ሃይለስላሴ ጨውዮም ዝኣተዉ ጀጋኑ'ዮም፥ ንዝያዳ፥ ኣፍልጦ ግን ኣብ ካልእ ግዜ ክጻሓፍ'ዪ፤፥
ንቐጽል እንባኣር፥ ግርማይ ባህረ ምሳይ ወዲ ኣሃዶይ' እዪ ነይሩ፥ ኣብ ከበሳ መጀመርታ ዝተሰለፍክሉ፥ግዜ ዪንቨርስቲ ካላኣይ ድዩ 3ይ ዓመት'ዩ ነይሩ፤፥ ወዲ ሓማሴን'ዩ፥
ሕቶ----እዚ ግርማይ ባህረ ዝብሃል ካብቶም ዝተቐንጸሉ'ድዩ??
መልሲ---እወ ካብቶም ዝተቐንጸሉ'ዩ። ካብቶም ገስገስቲ ምሁራት እዩ፥፣ እቶም ገስገስቲ ምሁራት ዝብሃሉ፥ እቲ ምሁር ጉጅለ፥ ሓንቲ ብልጽግቲ ኤርትራ ክሃንጽ ራኢ ዝነበሮ፥ ኣብ ሓደ'ዩ ተጠሚሩ' ነይሩ፤፥ እቶም ድኽመት ዝነበሮም ግን ካብኡ ይወጹ ነይሮም፤ ሕጂ ናይዝጊ ክፍሉ ስለምንታይ ናብቲ ገስገስቲ ምሁራት ዘይትሓወሰ እንተዳኣ ኢልካኒ፤ ናቱ ድኽመት ነይርዎ ናይዝጊ ክፍሉ። ናይዝጊ ብነብሱ ፈራሕ እዩ። ኣብ ከበሳ'ዩ ነይሩ፥
ኣብ ኩናት ውን ትብዓት ዘይብሉ፥ ስለዝኾነ ኮምሽመሪ ጋንታ ጌርካዮ፥ ፈሪሑ ራዕራዕ ዝብል እንተዳኣ ኮይኑ፥ ክትኣልዮ ኣለካ፣ ናዓ ሓደስቲ ሒዝካ ኪድ ኣብ ሳሕል ትምደብ ተባሂሉ እዪ ናብ ሳሕል ከይዱ፥ ሳሕል ምስመጸ እታ ድኽመት ናቱ ሕብእቲ ድኽመት ኣላ፥ ክሽፍና ድማ ኣለዎ፥ ኣንጻር ክንቀሳቀስ ክኽእል ኣለዎ፥ መኽንያቱ፥ ጎብለል ኮይኑ ንኽወጽእ፥ ብድኽመቱ እዩ ናይዝጊ ኣንጻር እቶም ገስገስቲ ምሁራት ደው ኢሉ።
ኣማኒኤል ቀሺ ንሱ ውን ኣብቲ ናይ የሚን ዝተቐንጸለ፥ ኣብዚ ጉጅለ ዝብለካ ዘለኹ ምርጫ ተመሪጹ ነይሩ'ዩ ከም ወዲ ሓማሴን፥ ንሱ ሕጂ ካብ ከበሳ ክመጽእ ከሎ፥ ወላ ድሩዕ ድሕሪ ይገልጾ ነይሩ'ዩ፥ ብዛዕባ ኣማኒኤል ቀሺ፥ ኣማኒኤል ቀሺ፥ ስለምንታይ ንሳሕል ከምዝሰደድዎ፤፥ ኣማኒኤል ቀሺ ምስቶም ፈዳይን እዩ ነይሩ፥ እታ ፈዳይን ብወልደምካኤል ሃይለ እያ ትምራሕ፥ እቲ ክፍሊ ርክብ ካኣ ብሃይለ ድሩዕ እዩ ዝምራሕ፥ ብዓል ሃይለ ድሩዕ ኣስመራ ስለዝውዕሉ፥ መሕደሪ ኣብ እምባደርሆ ነይርዎም፤፥ ኣብ እምባደርሆ ውፉያት ነይሮሞም፥ ኣብኡ'ዮም ዝሕብኡ፥ ሕጂ ኣማኒኤል ቀሺ፡ነታ ኣብኡ ዘላ ዋና ገዛ፥ ቀንጠብጠብ ክብል ጀሚሩ።
ሰንቢዳ ሕጂ ንሳ ኣብ መወዳእታ ንድሩዕ ነጊራቶ፥ እዚ ብጻይኩምስ ሕማቕ ኣመል ኣለዎ፥ ቀንጠብጠብ ይብል ኣሎ፥ ኢላ ንድሩዕ ነጊራቶ ድሩዕ፥ ሰንቢዱ!! እንታይ እዪ ዝገብር ዘሎ ኢሉ፥ መኽንያቱ ሓደ ዓቢ ምስጢራዊ ስራሕ እንዳሰራሕካ፥ ኣብ መሕቢኢኻ ገዛ ቀንጠብጠብ ምባል፥ ነገር ክበላሾ'ዩ። ሕጁ ንኣማኒኤል ቀሺ፥ ማኣረምታ ገይርሉ፥ ኣብኡ ምስኣቶም ክሰርሕ ከምዘይክእል፥ ካብቲ ቦታ ክእለ ኣለዎ፥ ሽዑ ድሩዕ ደብዳበ ናብ ኢሰያስ ጽሒፉ፥ እዚ ሰብ እዚ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ ስለዘሎ ናብ ወዲ ፈንቅል ስደዶ ወዲ ፈንቅል ከጽርዮ እዩ ኢሉ ንኢሰያስ ደብዳበ ሰዲድሉ፤፥
ስለዚ ምጽእ ምስ በለ ካብ ከበሳ እታ ምንቅስቃስ ናይ 1973 ጸኒሓቶ ኣንጻራር ድቕድቕ፥ መኽንያቱ ነታ መሪሕነት ክኸስባ ዝኽእል ኣብዛ ግዜ እዚኣ'ያ፥፣ ስለዚ ኩላ በብድኽመታ እያ ኣብቲ፥ ኣንጻር እቲ ምንቅስቃስ ነይራ፤፥ ገብረምካኤል ወዲ 4 ዝብሃል ኣብ የሚን ዝተቐንጸለ፥ ንዓይ መሳልፍተይ'ዩ፤፥ ንሱ ሕጂ ኣብቲ መጀመርታ ምንቅስቃስ ምሳና እዩ ነይሩ፥ ሽዑ ንሽዑ ግን መርገጺኡ ቀይሩ።
ስለዚ' እዚ ምንቅስቃስ ናይ መካዕ ናይ ኣከለጉዛይ ኣይኮነን ነይሩ፥ ኣዝዮም ብዙሓት ምሁራት ደቂ ኣከለጉዛይ ነይሮም እዮም ቃልሲ ግን ናይ ወዲ ኣከለጉዛይ ኣይኮነ ናይ ናይ ወዲ ሓማሴን ኣይኮነ ናይ ዝተቓለሰ ብዓል ራኢ'ዩ፤፤
ኣልኣሚን ስራጅ ሕጂ ካብቶም ቀንዲ ተንቀሳቐስቲ'ዩ ነይሩ፥ እታ መጀመርታ ኣኼባ ክትግበር ከላ ነቶም 10 ሰባት ዝሓጸዮም ኣልኣሚን ስራጅ እዩ፥ ንባዓል ጆን ማለት'ዩ፥ ከመይ ጌሩ ሓደ ሰብ 10 ሰብ ይመርጽ ተባሂሉ፥ ንሱ ግን ግዜ ከሕጽረልኩም ደልየ እየ እንበር ባዕልኹም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም ዘይንዕኦም ኢኹም ክትመርጹ ኢልዎም፤፥ ዳሓር ግን ነዚ ኣልኣሚን ስራጅ መሪሕነት ጠዋውያቶም እንድዒ፤፥
ሕቶ' እዚ ኣልኣሚን ስራጅ ንብሎ ዘለና እዚ ጻሓፊ ናይ ህግደፍ ዘለድዪ??
መልሲ-----ኖ ኖ ኣይኮነን፣ ፈደረሽን ናይ ኩዑሶ ገይሮሞ ነይሮም ኣብ ወጻኢ፥ ኣብ ፈረንሳ፣ ናይ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ነይሩ፥
ሕቶ--- ሕራይ፥ እስከ ብዛዕባ ናይ የሚን' ካኣ ሕጂ ክንዛረብ፥ የሚን፥ ምዓስ እዩ ምንቅስቃስ ጀሚሩ፥ ዕላምኡ ከ እንታይ እዩ ነይሩ? ንኣብነት ሰለሙን ወልደማርያም፥ ቅድሚ፥ ምቕንጻሉስ ናብ ሱዳን ሃዲሙ፥ ነይሩ ይብሃል፥ እዩ፥ ናብ ሱዳን ዘህደሞ እንታይ'ዩ?
ኣብ ምቅንጻል ናይቶም ምሁራት ኣቢ ተራ ዝነበሮ ሰብ'ዩ ኣብ ሱዳን ከሎ ግን ንዓርኩ ቁኑዓት እዮም ኢልዎ ይብሃል፣ እስከ ብዛዕባ'ዚ ቁሩብ ኣዕልለኒ???
6ይ ክፋል ይቕጽል.............
ሄኖካ ሃኒ
ቃለ መሕተት ብዛዕባ ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ ምስ ገዲም ተጋዳላይ፥ ተኽለብርሃን ተስፋምካኤል (ቅሱን)
6ይ ክፋል፥
ሕቶ-- የሚን እንታይ እዩ ነይሩ ዕላምኡ፣ ሰለሙን ወልደማርያም ሓደ ካብቶም ቀንጸልዪ'ዩ ነይሩ ናብ ሱዳን ኣብ ዝሃደመሉ፥ ግን ዕላማ ናይ መንቃዕ ቁኑዕ ምንባሩ ተዛሪቡ ይብሃል እስከ ብዛዕባዚ ኣዕልለኒ?
መልሲ----ሕራይ እዚ እቲ ዓርኩ ኢልዎ ዝብሃል እንድዩ፥ ዓርኩ ስለዝኾነ ከመኽንየሉ ውን ይኽእል'ዩ፤፥ ኣነ ግን ሓቂ እየ ክዛረብ፥ ዝኾነ ሰብ ብሕጋዊ መንገዲ ክኸይድ ይደልዮ'የ፤፥ ሰለሙን ግን ሓጋዊ መንገዲ ኣይሰርሕን'ዩ ኣይፈልጦን ውን እዩ ነይሩ፤ ፥ ነዛ ኩላ ሰብ ትሃንዲዱ ልዕሊ ኢሰያስ ኣብ 1973 ምንቅስቃስ ኣንጻር ዝተንቀሳቀሰ ሰብ እንተዳኣ ነይሩ፥ ሰለሙን ጥራይ'ዩ፤፥ ሰለሙን ወልደማርያም፥ ኣብ 1975 እታ ግርጭት ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን ሰለሙንን' ጀሚራ ኣላ፥ 1975 ሰለሙን ወልደማርያም ኣብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ የለን፥ ሕጂ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስን ሰለሙንን ዝነበረ ግርጭት ኣብ 75 ተጋሂዱ እዩ፤፥
ቅድሚ እቲ ኢሰያስ ምግሃዱ ግን ኣነ ይፈልጥ ነይረ እየ፤፥ መኽንያቱ ካብ ሓለዋ ሰውራ ክወጽእ ከለኹ፥ ናይ ክልቲኦም ባእሲ ከምዘውጻኒ ይፈልጥ ነይረ እየ፤፥ መኽንያቱ ስለምንታይ ትኣሲረ ኢለ ሓቲተ፥ ስለዝኾንኩ ሕጂ ስም ክጠቕስ ኣይደልን'የ ሰባት ክልክም ኣይደልን'የ፤፥ ብሂወት ስለዘለዉ፤ ብዝኾነ ንምንታይ ክምዝወጻኹ ሓደ ሰብ ነጊሩኒ ሰለሙንን ኢሰያስ ስለዝተባእሱ ኢኻ ወጺኻ ኢሉኒ፤፥ ጽቡቕ ዕድል ረኺብኩም፥
ኣነ ምስ ስምኦን ኢማን የማነ ቻይና ዝብሃል ነይሩ፥ ሰለስቴና፥ እዞም ክልተ ተሰዊኦም እዮም፥ የማነ ቻይና ሕጂ ወዲ ዓዲ ንፋስ'ዩ፥ ኣብቲ ናይ 1973 ምንቅስቃስ ግን ምሳይ እዩ ነይሩ፤፥ ሰለስቴና ብሓደ ክንወጽእ ከለና ከምዚ ስለዝኾነ፥ ተባሂሉ፥ ንስምኦን ድማ ባዕሉ እዩ ኢሰያስ ኣፋንይዎ፥ የማነ ቻይና ድማ ክትስዕብ ኢኻ ተባሂሉ፥ የማነ ቻይና ድማ ምስ ሰለሙን ወልደማርያም ሕለፍያ ኮይኖም፥ ኣብታ ምስ ወጻና፥ ቀልጢፎም ሽዑ ንየማነ ኮምሽነሪ' ናይ ሓይሊ ጌሮሞ፥ ንዓይ ግብ ኣይትሪፎምኒ፥ ሰለሙን ግን ይሕንሕን እዩ ነይሩ፤፥ ምትህልላኽ ነይሩና፥ ከበሳ ክኸይድ እየ ኢሰያስ ኢሉኒ እዩ ይብሎ ኣይትኸይድን ኢኻ ይብለኒ ኣነ ክምደብ ከለኹ ብሓላፍነት ኣይኮነን ከም ሳንዱቕ ብሬን ዝስከም ጌሮም እዮም መዲቦምኒ፥ ስለዚ ሰለሙን ናይ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ኮይኑ ዝገብሮ ዝነበረ፥ ካልእ እዩ ነይሩ፥ ሕጂ ንሰለሙንን ኢሰያስን ግን ቅድሚ ንኸበሳ ምምጻእና ፥ ሓደ ዓቢ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ነይሩ፥
መኽንያቱ ሰለሙን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሓይልታት ዳርጋ ኩሎም ዳሓፍ ናይ የሚን ምንቅስቃስ ተባሂሎም፥ ዝግለጹ መራሕቲ ሓይልታት፥ እንድዮም ኮይኖም፥ ካብቲ ኣውራጃታትን ምሁራትን፥ ካብ ዝኾነ ሓላፍነት ኣልዮሞም ስለዝኾኑ፥ እዞም ዳሓር ዝገበሉ፥ ንሳቶም እዮም ኣብቲ ጽፍሒ ክመጹ ጀሚሮም ሕጂ ንዓኣቶም ኣኪቡ፥ ገዛኢ ሃብተን የማነ ኣባግራይን፥ መሪሕነት ክግምጥሉ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ተባሂሉ፤፥
ገዛኢ ሃብተ ዝብሃል ካብቶም መጀመርያ ኣብ ዓላ ዝተፈለዩ፥ ወዲ ኣከለጉዛይ እዩ፥ ኮምሽነሪ ቦጦሎኒ እዩ ነይሩ ኣብቲ፥ 1975 የማነ ኣባግራይ ድማ ምኽትል ናይ ድሩዕ ዝነበረ ኣብቲ፥ ናይ መጀመርታ፥ ድሩዕ ምምራኹ፥ ዳሃር 1975 ምስተመለሰ፥ ኣብታ ኮሚተ ናይ ብጻይ ጎይቶኦም ድማ ነይሩ፥ ዳሓር ንኸበሳ ምስተመለስና ድማ፥ ሓላፊ ናይ ህዝባዊ ርክባት ዝነበረ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝተሰወአ እዩ፤፥ ሕጂ፡ነዞም ክልተ እዚኣቶም መሪሕነት ክግምጥሉ ደልዮም ኢሉ ሰለሙን ወልደማርያም ምንቅስቃስ ጀሚሩ፤፥ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም፥ ገዛኢ ሃብተ ኣብ ሳሕል ስለዝነበረ፥ ሰለሙን ኣኼባ ገይሩ፥ ኣንጻር ገዛኢ ሃብተ ብዙሕ ምንቅስቃሳት' ገይሩ፥ ገዛኢ ሃብተ ንኸበሳ ከድዩ፣ ገዲፍዎም ከይዱ፥ መኽንያቱ ክኣስርዊ እዮም፥ ኢሰያስ ካኣ ኣብ ከበሳ እዩ ዘሎ፥ ገዛኢ ሃብተ ምስተን ኣብ ከበሳ ዝቖማ ዝነበራ ቦጦሎኒ ኮምሽነሪ ቦጦሎኒ ጌሮም ኮፍ ኣቢሎሞ፥፥
ሰለሙን ኣኼባ ክገብር ከሎ ግን ኣንጻር ገዛኢ ሃብተን የማነ ኣባግራይን ማለትዩ፤ የማነ ኣባግራይ ኣበስመራ ተሰዊኡ ኣሎ፤፥ ሰለሙን ኣይፈለጠን፥ መኽንያቱ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓደ ከዳዕ! ወዲ ተኽልያ ዝብሃል፥ ንየማነ ኣብግራይን ን መምህር ዓንዶምን ዝብሃሉ፥ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተኸቢቦም ኣብ እንዳ ማርያም፥ ኣየር ወለድ ኢድኩም ሃቡ ምስበልዎም፥ ንኹሉ እቲ ገንዘብን ወረቓቕትን ኣቃጺሎም ዝተሰዉኡ እዮም፤፥ ንኣየርወሎድ ከማን እዚ ተግባር ኣሰንቢድዎም እዩ፤፥ እቶም ኣየርወሎድ ዝብሃሉ' ኮማንዶ ናይ ኢትዮፕያ፥ ንሶም እዮም ክሕዝዎም መጺኦም ነይሮም፥ ስለዚ ብኸምዚ መስዋእቲ ዝተሰወአ ሰብ፥ ብሰለሙን ወልደማራይም ኣብ ሳሕል ይኽሰስ ነይሩ፤፥ ሕጂ'ዛ ነገር ኣብ ምንታይ ትቃላዕ ማለት'ዩ፥ ኣብቲ 2ይ ዙርያ ቤት-ትምህርቲ ካድር፥ ዝብሃል እታ ገዳይም ተጋደልቲ ብደረጃ መሪሕነት ውን ብዓል ኣስመሮም፥ ዘለውዎም ነይሮም'ዮም፥ እቲ ትምህርቲ ናይ ካድር ድሩዕ እዩ ሓላፊኡ፥ ትምህርቲ ናይ ካድር ምስተወደአ፥ ድሩዕ ሓላፍነት ስለዘይብሉ፥ ናይታ ቤት-ትምህርቲ ሓላፊ'ዪ እንበር መሪሕነት ኣይኮነን፥ ብዛዕባ ውድባዊ ጉዳያት፥ ዘሎ፥ ሕቶታት ኢሰያስ መጺኡ'ዩ ዝምልሶ፥ ንድሩዕ ሕቶ የቕርብሉ፥ ሓደ ሰብ ነታ ሕቶ ኣቕሪብዋ ነይሩ፥ ገዛኢ ሃብተን የማነ ኣባግራይን፥ መሪሕነት ክግምጥሉ ደልዮም ነይሮም ዝብል ኣኼባታት ኣብ ሳሕል ተኻይዱ፥ ከመይ እያ ተባሂላ፤፥ ሕቶኹም ሓዝዎ፥ ሕጂ ንምልሶ ሕቶ ኣኮነን ሓዝዎ ኢልዎም፥ ድሩዕ፥ ንሕና ንምልሶ ሕቶታት ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም ተባሂሉ፥ እዚ ሕቶ'ዚ ተወዲቡ እዩ ነይሩ፥ ንፎርማሊቲ'ዩ ዝዝፈብ ነይሩ፤፥ ሽዑ ኢሰያስ መጺኡ ሓዲሩ፥ ንጽባሕቲ ድሩዕ ኣኼባ፥ ጌሩ፥ ሕቶታት ዘለኩም ውድባዊ ሕቶታት ኢሰያስ መጺኡ ስለዘሎ ክትሓቱ ትኽእሉ' ኢኹም ኢልዎም፥ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኣብ 1975 እዩ፥ ሕቶታት ኣቕርቡ ምስተባህሉ ገዛኢ ሃብተ'ካኣ ኣሎ ኣብቲ ኣኼባ፥ ገዛኢ ሃብገን የማነ ኣባግራይን መሪሕነት ክግምጥሉ ሓሲቦም ዝብሃልል፥ ኣኼባታት ኣብ ሳሕል ተኻይዱ፥ እንታይ እያ እዛ ክሲ ካሳብ ክንደይ እዪ እዚ ሓቅታት ስለምንታይ ከ፥ ኢሎም ሓቲቶሞ ንኢሰያስ፥ ኢሰያስ ካኣ ተገምጢልዎም ነቶም ኣብ ሳሕል ኣኼባ ዝገብሩ ዝነበሩ የሚን ተባሂሎም ዝግለጹ ማለት'ዩ፤፥ እቶም ኮምኡ ዝብሉ ዝነበሩስ ኣብዚ ምሳኹም ኣለዉ ኢልዎም፤፥
ኣብዚ ምሳኹም ስለዘለዉ ባዕሎም የብርህልኩም ኢልዎም፥ እቶም ኣብቲ ኣኬባ ኮምኡ ትብሉ ዝነበርኩም ግለጽዎ ኢልዎም፥ ስቕ ስቕ ኮይና፥ ንዑ'ባ ተስኡ ባዕልኹም ኢኹም፥ ምሽ ትዛረቡ ኔርኩም፥ ተስኡ ተዛረቡ ኢልዎም፤፥ ስቕ ስቕ ኮይና! ብጂ ንገለ ገለ ሰባት ኣስማት ተቒሱ ኣተሲእዎም፥ ካብቶም መራሕቲ ሓይልታይ፥ ንስኻ ንስኻ ምሽ ኣብቲ ኣኼባ ኔርኩም፥ ከምዚ ምሽ ትብሉ ኔርኩም፥ ካብ ምንታይ ተበጊስኩም ኢልዎም፥ መልሲ የለን ስቕ ኮይና፥ ኣነ ኣብቲ ኣኼባ ኣይነበርኩን ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ እዩ ድሕሩ ነጊሩኒ፥ ሽዑ ኢሰያስ ንመጀመርታ ግዜ፥ ወላ ነቶም ኣኼበኛታት ዘሰንበደ፥ መሳርሒ ናይ ሰለሙን ክትኮኑ እንተደሊኹም ክትቅጽሉ ትኽእሉ' ኢኹም፥ ግን ክትስሕንዋ ኢኹም፥ ኢልዎም፥
ሕቶ---ኢሰያስ ድዩ ኮምኡ ዝብል ዘሎ?
መልሲ---እወ ኢሰያስ ኣብቲ ኣኼባ፥ ኮምኡ ኢልዎም 1975 እዩ፥ ገና ሰለሙን መሪሕነት እንከሎ'ዩ፤፥ ግርጭት ከምዘሎ ኣብ ሞንግኦም ተፈሊጢ ማለት'ዩ፤፥
7ይ ክፋል ይቕጽል..........
ሄኖካ ሃኒ Share
ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተስፋምካኤል(ቅሱን)
ብዛዕባ ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ፥
7ይ ክፋል
ኣብ ሰለሙንን ኢሰያስን ዘሎ ግርጭት ተጋሂዱ ማለት'ዩ፤፥ ኣነ ሕጂ 1975 ፈሊጠ ኣለኹ ብዛዕባ'ዚ ኣኼባ' ዝተገብረ ናይ፥ መንከብለ ቤት-ትምህርቲ ካድር፥ ሓደ ዓቢ ነገር ተኸሲቱ ከምዘሎ ይርኢ ኣለኹ፥ ሕጂ ሰለሙን ወልደማርያም ምስቶም መራሕቲ ጋንታታት፥ምስ ብዓል ኣቢቶ፥ ተሰማሚዑ ነዛ ኩላ ዩንፈርስቲ በጺሓ ትብሃል፥ ኩላ ሓለዋ ሰውራ ጥዒሞማ'ዮም፤፥ ገሊኣ ክልተ ሰሙን ትቕጻዕ ገሊኣ፥ ወርሒ ተቐጺዓ ትመጽእ፥ ኩሎም ጥዒሞማ'ዮም፤፥ ብፋላይ ኣብ ከባቢ ናቕፋ ዝነበሩ፤፥ ብፍላይ ካኣ እንዳ'ከቢድ ብረት፤፥ ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ ምርጫ ናይ ጉባኤ ክግበር ከሎ፥ ቅድሚ ጉባኤ ምርጫ ምግባሩ፥ ካብቲ ሓለዋ ሰውራ ንሰለሙን ኣልዮሞ፥፣ ሰለሙን ክእለ ከሎ፥ ናይ ሓለዋ ሰውራ ኮይኑ ይኣስር ነይሩ' ዳሓር ካኣ መራሕቲ በጦሎኒ ዘይፈልጥዎ፥ ምስመራሕቲ ጋንታታት እንዳተሰማምዐ፥ መራሕቲ ጋንታታት ሰብ ይሰድሉ፥ ሰለሙን ኣብ ሓለዋ ሰውራ የእቱ፥፥
ነዚ መኽንያት ጌሮም፥ ነቲ ሓለዋ ሰውራ፥ ብደረጃ መሪሕነት ዓሊ-ስዒድ ተመዲቡላ፥ ብደረጃ ሓላፊ'ካኣ ግርማይ ምሓሪ ተመዲቡላ፥ ግርማይ ምሓሪ መጺኡ ነቲ ሓለዋ ሰውራ ተቛጻጺርዎ፤፥ እቶም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ፥ ብዓል ሃይለ ጀብሃ፥ ካብ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎሞም፥ ሰለሙን ወልደማርያም ካኣ ናይ ክፍሊ ታዕሊም ከምዝኸውን ጌሮሞ፤፥ ስለ'ዚ ሰለሙን ካብቲ ቦታ ኣልዮሞ'ዮም፥ እቶም ምስኡ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ካኣ፥ ኩሎም ካብ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎሞም፥ ብዓል ምሓሪ ግርማጼን ዝብሃል፥ ኣብ ሶፌት ዝተማህረ ማለት'ዩ። ኮምኡ ውን ብዓል ገ/ምካኤል ልኡል። ኩሎም ካብ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎሞም።እቶም ምስ ሰለሙን ይንቀሳቐሱ'ዮም ዝብሃሉ፥ ማለት'ዩ። ሕጂ ንጉባኤ ምቅርራብ ይግበር፥ነይሩ፥ 1976 እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ክመርጹን ክምረጹን መሰል የብሎምን ተባሂሉ። ብዓል ሃይለ ጅብሃ ኣብቲ ምርጫ ኣይነበሩን፤፥
ባራላይዝ ገይሮሞም፥ ስለዚ ሰለሙን ወልደማርያም፥ ንፎርማ'ዩ ኣብቲ ኣኼባ ዝመጽእ ዝነበረ፥ መኽንያቱ ኣልሚሶሞ'ዮም ቅድሚ'ቲ ጉባኤ፤፥
ዳሓር ሰለሙን እዚ ኩሉ ክገብሮ ዝጸንሐ፥ እቶም ናቱ ክውቅዑ ስለዝጀመሩ ሓንቲ ክገብር ኣይክኣለን፥ ነቶም ናቱ ካኣ ኣደስኪሎሞም'ዮም፤፥ ዳሓር ካኣ ንሰለሙን' እንድሕር' ንመንካዕ ሾብ ኢልዎም ሰለሙን ጠፊኡ ማለት'ዩ፤፥ መኽንያቱ እዛ ኩላ ብሰለሙን ክትህደን ዝጸንሐት ኩላ ክትዘብጦ እያ ማለት'ዩ፤፥ ሰለሙን ባይታ የብሉን ሕጂ! ኣብቲ ጉባኤ ክግበር ከሎ" ንሰለሙን ከም ሕጹይ ንማእከላይ ሽማግለ፥ ሕጹይ ኣይቕሪቦሞ፥ ንይምሰል! ንፎርማሊቲ'ዩ ቀሪቡ። ሰለሙን ግን ይፈልጥ ስለዝነበረ ከምዘይምረጽ፥ ንዓይ፥ ካብዚ ምርጫ'ዚ ኣውጹኒ፥ ኢሉ። ሕጂ ድሩዕ ንስኻ ዘይኮንካ፥ ትውስኖ፥ ሓፋሽ እንድሕር ደልያትካ፥ ሓፋሽ'ያ ሓጽያትካ ዘላ፥ ሓፋሽ እንድሕር ደልያትካ ካኣ፥ ክትምረጽ'ኢኻ! ኣይደለየትካን'ካኣ! ክትተርፍ ኢኻ፥ ይብሎ፤፥ ከምዘይምረጽ ግን ፍሉጥ'ዩ ነይሩ።ተሪፉ ኣይተመርጸንካኣ! ሕጂ ኣብ ምንታይ መዲቦሞ? ሓላፊ ናይ ጨንፈር ስእሊ ኢሎም መዲቦሞ! ካብ መሪሕነት ወሪዱ፥ ክምደብ ካኣ ኣለዎ፥ ኣብ ጨንፈር ስእሊ ድማ መዲቦሞ። ካሜራ ኣብ ክሳዱ' ጌሩ፥ ክንቀሳቀስ ክስእል ጀሚሩ'ማለት'ዩ።
ሕጂ ክንቀሳቀስ ምስጀመረ፥ ከረን ሓራ መሰውጻናያ፥ ከም ሳኣላይ፥ ካሜራ ሒዙ፥ ክመጽእ ከሎ፥ ኩሉ ሰብ ይስሕቆ፥ነይሩ፥ ሰለሙን ግን ሰብ ደልዩ፥ ሰብ ክረክብ ይደሊ፥ ነዛ ኩላ ዝጭፍልቓ ዝነበረ ኩላ፥ ከቲታቶ፥ ባንዴራኻ ምስወደቐ ሰብ ደሊኻ ኢላቶ፥ኩላ፥
ብጥራጥ ሰብ ዘይስሕቕ ዝነበረ፥ ሰብ ሰላም ክብል' ደልዩ፥ ግን ዝግደሰሉ ኣይረኸበን፥
ብኸምዚ! ካብኡ ሃዲሙ፥ ንሱዳን ይኸይድ፥ ሱዳን ምስከደ፥ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ሰለሙን ሃዲሙ ንሱዳን ተባሂሉ፥ ተወርዩ፥ ካብ ሱዳን ምስ ተመልሰ ግን ኣብ ከረን ምሳይ ተራኺብና ኔርና። ኣብ ከረን ምስራኣኽዎ ሰንቢደ፥ ሃዲሙ ሰሚዐስ፥ መጺኡ ካኣ ርእየዮ ኣብ ከረን፥ ኣነ ምርኩስ ኔሩኒ፥ ምስቲ ትሃሪመዮ ዝነበርኩ፥ ምርኩስ ጌረ ዶግሎጽ፥ናልኩ፥ ክመጽእ ከለኹ፥ ርእዩኒ ሰላም ክብለኒ፥ መጺኡ፥ ንስኻ ሰላም ኣይትብለንን' ኢኻ ኢለዮ። ንዓይ እንታይ ኢልካኒ? ንስኻ'ከ እንታይ ጌርካ? ሃዳሚ! ጃሱስ! ኢለዮ። ንዓይ ኣጥፊካኒ'ኔርካ? ኣነ ግን ትርኢ ኣለኻ? ትሓማሺሸ'የ ዘለኹ፥ ኢለዮ። ንስኻ ግን ክትሃድም፥ ኢኻ ፈቲንካ፡ ኣነ ኣይሃደምኩን ኢሉኒ። ሃዲምካ ኢኻ ገለ'ኢለዮ። ሕጂ ዓብደላ ሙሳ ስለምንታይ ሰላም ዘይትብሎ፣ ኢሉኒ፥ ዓብደላ ሙሳ ዝብሃል ነይሩ፥ ሓደ ካብቶም ማእከላይ ሽማግለ፥፣ ሰለሙን ዶ ሰላም ዘብል ተግባር ኣለዎ'ዩ? ሰላም ዘብል ተግባር ኣይገበረን! እዚ ኩሉ ኣብ ልዕለይ ዝገበሮ፥ ረሲዑ ሰላም ክብለኒ፥ ክመጽእ? ስለ'ዚ ሰላም ክብለኒ ኣየምሕረሉን'ዩ ኢለዪ፤፥
ሕጂ ድሕሪ ካብ ሱዳን ምምጽኡ ናይ ሞጓዓዝያ ሓላፊ ይገብርዎ፥ ጸኒሖም ካኣ ናይ እንዳህዝቢ ሓላፊ ጌሮሞ ኣብቲ፥ ጓል መንቆርዮስ ዝነበረቶ፥ ናይ መደበር ዑቑባት፥ ናቱ ሓላፊ ይምድብዎ ማለት'ዩ። ድሕሪ ምዝላቕ፥ ናይ መደበር ዑቁባይ ናይ ኣዴታት ሓላፊ፥ ኮይኑ፣ ኣብ ጀንሃንቲ ይምደብ ማለት'ዩ። ጅልሃንቲ ሱዳን'ዩ። ካብኡ ምስ ዓሊ ዓሲና፥ ክሃድም' ኢሉ መደብ፥ የውጽኡ" እታ መደብ ካኣ ዓሊ'ዓሲና ሓቢሩ፥ ስለዝነበረ፥ እታ መደብ ፈጽምዋ ተባሂሎም፥ ጥቓ ዓይተርባ፥ ሰራዊት ሓሊፉ ጸኒሑ፣ ንሳቶም' ክመጹ ከለዉ ተታሒዞም፥ ሰለሙን ክሃድም ተታሒዙ ተባሂሉ፥ ሽዑ ሓለዋ፥ ሰውራ ኣትዩ። እቶም ካልኦት ግብ በብግዚኡ ቀዲሞሞ፥ ኩሎም'ዮም ኣትዮም፥ ሰለሙን ወልደማርያም ግን፥ በይኑ እዪ ተሪፉ ነይሩ። ብዓል ሃይለ ጅብሃ ግን ቀዲሞሞ'ዮም፤፡ ኣነ ሕጂ ሃይለ ጀብሃ፥ ኣብ ጊንዳዕ ተመዲቡ፥ ከሎ ኣብ ጊንዳዕ ረኺበዮ ነይረ።
ሕቶ-----እዛ ሓለዋ ሰውራ ንብላ ዘለና እታ ትቕንጽል ማለት ድዩ??
መልሲ----እወ ሓለዋ ሰውራ እንታይ ይመስለካ? ትቕንጽል ጥራይ እኮ ኣይኮነትን፤፥ ኣብዚ ሓደ ክንርድኦ ዝግባኣና ነገር ኣሎ፤ እቲ መጀመርያ ክትቀውም ከላ፣ ኣይተድልን'ያ ነይራ። ነቶም ገስገስቲ ምሁራት ክትኣስር ከላ፣ መኽንያቱ ዓቅሚ ኣይነበረናን፥ ዓቕሚ ሰብ ሓደ፥ ቁጽሪ ናይ ህዝባዊ ሓልታት፥ ካብ 400 ኣይንበዝሕን ኢና ኔርና፥ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፥ ሰባት ክትኣስርን ሰባት፥ ሓለዋ ክትገብርንን፥ ዘይግቡእ'ዩ። ዳሓር ካኣ፥ ገበን ዘይፈጸሙ ሰባት' ኢኻ፥ ትኣስር ዘለኻ፥ ድሕሪ 1975 ግን እቲ ውድብ ዝተፈላለየ ክፍልታትን ቅርጽታትን ይሕዝን ነይሩ፥፥ ሓደ ካብቲ ቅርጺ ናይ ግድን'ዩ ሓለዋ ሰውራ፥ ክህሉ፤፥ መኽንያቱ ኣብዚ፥ ክንፈልጦ ዘለና፥ ስሚ ክገብሩ ዝላኣኹ ሰባት፥ በብዓይነቱ ጸላእቲ ነይሮም እዮም። ወላ እቲ ተጋዳላይ ክሃድም እንድሕር ፈቲኑ፥ እንተ'ተታሒዙ፥ ሓለዋ ሰውራ ይኣቱ ተቐጺዑ' ይወጽእ። ሓደ ወርሒ ድዩ? ክልተ ወርሒ ተቐጺዑ ይወጽእ፥ ሕጂ ናይ መቕጻዕቲ ናይ ምእራም፥ ቦታታት ነይርዎ'ዩ፤፥
እቲ ሓለዋ ሰውራ ትገብሮ ዝነበረት፥ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ'ዩ? ዘዛርበካ' እንበር፥ ቤት-ማእሰርቲ ምህላዉ፥ ዘይተርፍ'ዩ ነይሩ። ኣብዘይ ግዚኡ ቆይሙ፥ እቲ ዳሓር ዝግበር ግን፣ ሓለዋ ሰውራ ናይ ምቕንጻል ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ፥ ጃሱስ እንተዳኣ ኮይኖም ወይ ሰለይቲ፥ ብኢትዮፕያ ዝተላእኩ፥ እሞ ድማ ዝተረጋገጸ፣ ኣብኡ ክኣትዉ፥ ዳሓን'ዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ሓዋዊስካ እንዳልመምካ' ንሰባት፥ ዘይናቶም ስም እንዳሃብካ፥ ብዙሕ ምስጢራት ኣብ ሓለዋ ሰውራ ስለዝተገብረ'ዩ ዘዛርብ፥ ፥ እንበር ልክዕ ከም'ክሉ፥ ፍጡር ወዲ ሰብ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፥ ኣብ ኩሉ ኣብ ሕበረተ ሰብ' ዝግበር ዝነበረ ጌጋታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ይግበር ነይሩ'ዩ።
8ይ ክፋል ይቕጽል.........
ሄኖካ ሃኒ
ቃለ-ምሐትት ምስ ገዲም ተጋዳላይ፣ ተኽለብርሃን ተ/ምካኤል (ቅሱን)
8ይ ክፋል
ከም ኣብ ኩሉ ፍጥሩን ወዲ ሰብን ዝግበር ጌጋታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ይግበር ነይሩ'ዩ። ሰብ እንተዳኣ ቀቲሉስ፥ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣለዎ፤፥ ሰብ እንተዳኣ ሃሪሙ፥ መቕጻዕቲ ክቕጻዕ ኣለዎ። ሓለዋ ሰውራ ዘእቱ ድዩ? ዘየእቱ ነናቱ፥ መስርሕ ኣለዎ፤፥ ኣነ ብዝነበረኒ ሓላፍነት፥ ሕጂ፥ ሰብ ክቐጽዕ እንተዳኣ ኮይነ፥ እታ ስልጣን ናተይ ዝነበረት 2፥ሰሙን'ያ መቕጻዕቲ ተውህብ፥ ኣብ ልዕለይ ቢትወደድ ኣብርሃ ነይሩ፥ ቢትወደድ ልዕሊ ወርሒ ክቐጽዕ መሰል የብሉን። ልዕሊ ወርሒ ዝቕጻዕ' እንተዳኣ ኮይኑ ናብ ሓለዋ ሰውራ ክልኣኽ፥ ኣለዎ። ሓለዋ ሰውራ እያ ልዕሊ ወርሒ ትቐጽዕ፥፥ ናይ ሞት ውሳነ ክውሃብ እንተዳኣ ኮይኑ ድማ፥ ኣብ ሓለዋ ሰውራ፥ መሪሕነት እያ ትውስኖ። ብመሪሕነት ክሰድቕ ኣለዎ ናይ ሞት ፍርዲ፥ ስለ'ዚ ዝኾነ ሰብ ናይ ሞት ፍርዲ ክህብ ስጉምቲ ክወስድ መሰል የብሉን። ስለዚ ነናቱ ኣሰራርሓ ነይርዎ'ዩ። ግን ነቲ ነገር ሕማቕ ዝገብሮ! ዘየድሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልቲ ስጉምቲ ምውሳድ'ዩ። እቲ ዝውሰድ ዝነበረ ፋሉላዊ ስጉምቲ ንብምልኡ ስም ለኪምዎ'ዪ። ዳሓር' ካኣ ኣብዘይግዚኡ ስለዝቖመ፥ ኣብዘይ ግዚኡ! እሞ'ድማ ኣብ ንጹሃት! ካኣ ስለዝጀመረ፥፥ እንበር ናይ ሓለዋ ሰውራ ናቱ ርእሱ ዝኻላለ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ።
ብዝኾነ ናብ የሚን ክንምለስ ናይ የሚን፥ እቶም ብኣውራጅነት፥ ኢሎም ኣብ 1973 ዝኽሰሱ፥ ዝነበሩ ሰባት፥ ብምልኦም የሚን ተባሂሎም፥ ብኣውራጃ ተንቀሳቂሶም ተባሂሉ፥፥ ብዓል መን'ዮም እንተዳኣ ኢልካኒ? ብዓል ኣማኒኤል ቀሺ፥
ኣብቲ ሽማግለ ተመሪጾም ዝነበሩ፥ ብዓል ኣቢቶ፥ ብዓል ተኪኤ ቀሺ፥ እዮም ዝብሃሉ ኩሎም እቶም ብኣውራጃ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ብዘይካ ውጩ፥ ዝሰገራ የለን። ኩሎም ተቐንጺሎም'ዮም። ስለዚ ባዕላቶም፥ እዮም ኣንቃሳቂሶሞም። ግን ገሊኦም ትኣሪሞም ኣብ መስመር ክኣትዉ ይኽእሉ ነይሮም'ዮም፥፥ ምስ ሰለሙን ስለዝትሓባበሩ'ዩ፥ እንበር ንገሊኦም የሚን ዘይኮኑ ከለዉ ኣልዕል ኣቢሎም'ዮም ኣልጊቦምሎም።
ሕጂ ኣነ ናይ ዶክቶር ኢዮብ ገብረልኡል ኣይኣምኖን'የ። የሚን ኔሩ ንዝብል ዘረባ' ኣይኣምኖን'የ። ምናልባት ዘይፈልጦ ነገር ክህሉ ይኽእል'ዩ። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ግን ይዝረብ፥ መኽንያቱ ወዲ ኣሃዶይ ስለዝነበረ። ጽቡቕ ቅርበት ካኣ ስለዝነበረና፥፣ ወላ ኣብ 1978 ኣብ ከረን ቅድሚ'ታ መወዳእታ፥ ምእሳሩ፥ ኣብ ከረን ተራኺብና ኔርና፥ ኢና። ዝነበረና ትጽቢት ኣብቲ ውድብን ዘጋጠመናን፥ ኣነን ዶክቶር ኢዮብን ውን ኮፍ ኢልና ዘቲናሉ ኢና።
ሕቶ-----ስለዚ እዛ ናይ የሚን፥ ምንቅስቃስ፥ ሃገራዊ ምንቅስቃስ፥ ኣይኮነን ነይሩ፥ ዲና ክንብሎ?
መልሲ----ኖ ኖ ሃገራውን ዘይሃገራውን ኣይኮነን፥ ኣብኡ ብዙሕ ኣቀዲሞም፥ ሕማቕ ዝፈጸሙ ሰባት ነይሮም እዮም። ብዙሕ ሻዲኖም ውን፥ ብዙሕ ዘዕገርግሩ ዝነበሩ ኔይሮም እዮም። ከምዚ ሕጂ፥ ድሕሪ ናጽነት እንተዳኣ ርኢኻስ፥ ውጩ ዝገብሮ ዝነበረ፥ ዕንደራስ፥ ዓንዲሩ እዩ ከምሕሱም ዘይሃገራዊ ዝኾነ ጠባያት፥ ኣርእዩ፥ እዩ። ግን ውጩ ክእረም ይኽእል ነይሩ'ዩ። መኽንያቱ ውጩ ዓቅሚ የብሉን። እዚ ትገብሮ ዘለኻ ስጉምቲ ኣይትኸይድን ኢኻ ኢልካ ብሕጊ ሒዝካዮ፣ ሕጋዊ ኣሰራርሓ እንተዳኣ ኣምጺኻ' ክእረም ዝኽእል ሰብ'ዪ ነይሩ። ኮምኡ ንኽገብር ግን ደልዮሞ'ዮም ዘንቀሳቕስዎ ነይሮም። እንድሕር ዘይደለይዎ ድማ በታ ሕማቕ ዝገብሮ ዝነበረ ፋሉላዊ ኣካይዳ፥ ከሲሶም ከጥፍእዎ ይኽእሉ' ነይሮም'ዮም፥፥ ብኣ ከሲሶም ከጥፍእዎ እንተኾይኖም ድማ ኤህ! ዝብለሉ ሰብ ኣይረክብን እዪ ማለት'ዩ።
ስለዚ ኮምኡ'ዩ ዝግበር ነይሩ፥ ነዞም የሚን' ኢሎም ዘጥፍእዎም፥ ኤህ! ዝብለሎም ሰብ ኣይረኸቡን፥ ወላ ክጠፍኡ ከለዉ፥ ብዓይኒ ሓቂ እንተዳኣ መጺና ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ባዕላቶም እዮም ኣጋግዮሞም፥ ካባና ዝፍለ፥ ካልእ ባህሪ ኣይነበሮምን፥ በቲ ቅድሚኡ ኣብ ተጋደልቲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዒ ግብ ዓገብ ዝብል ሰብ ኣይረኸቡን፥
ግን ትኣሪሞም ምሳና ክጓዓዙ ይኽእሉ ወላ፥ ሃገራዊ፥ ስምዒትን ሃገራዊ' መንፈስን ዝነበሮም፥ ሰባት'ዮም፥ ግን ተጠቂሞምሎም። ኣብ ፖሎቲካ ምዓት ኣመንዛርነት እዩ ዝረአ፥ ግዳይ ናይቲ ኣመንዛርነት ኮይኖም። ኣነ መሳኪን እየ ዝብሎም ብዓይኒ ሓቂ።
ሕቶ---ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንሪኦ እንተዳኣ ኬናስ፥ ኣብ 1973 ሕማቕ ስለዝገበሩ፥ እንበር፥፥ ኣብቲ ናይ 1977 ዝነበረ፥ ናይ የሚን ምንቅስቃሳት፥ ቁሩብ ናይ ድስፕሊን፥ ጉድለታት ጥራይ እንተዘይኮይኑ፥ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ! ወይ ካኣ ብኣውራጃ ዘኽስስ፥ ጉዳይ ኣይነበሮምን' ማለት'ዩ??
መልሲ----ብኣውራጃ፥ ክትከሶም እንተዳኣ ኬንካ ንዓኣቶም፥ መጀመርታ ክኽሰሱ ዝግብኦም፥ ኢሰያስን ሰለሙንን' መስፍን ሓጎስን እዮም። ከም ሕሱም ተጠቂሞምሉ እዮም ነቲ ኣውራጃዊ፥ ምንቅስቃስ፥ ንዓኣቶም፥ ኣብ ኮምኡ ዝሸመምዎም ንሳቶም እዮም። ብደረጃ መሪሕነት፥ ዓሊ ስዒድ ካኣ ብወገንነት፥ ኣጸቢቑ ክኽሰስ ዝግብኦ ሰብ'ዪ ነይሩ። ስለዚ ይጥቀምሉ ነይሮም እዮም፥ ግን ተጠቂሞም የጥፍእዎም ነይሮም። ስለዚ እንታይ ማለተይ እየ መስለካ? ነቲኣቶም ተጠቂሞምሎም እዮም እንበር፥ ንጹሃት ከማና እዮም ነይሮም። ግን ተጠቂሞም ኣባላሽየሞም። መሰባላሸውዎም፡ድማ ኣጥፊኦሞም። ሕጂ እቲ ናይ የሚን ካብቲ ናይ 1973 ናይ ገስገስቲ፡ምሁራይ ዝፈለዮ፥ ነገር እንተዳኣ ኣሎ፥ እቲ ናይ 1973 ናይ ገስገስቲ ምሁራት፥ ዕላማ ነይርዎ። ዝተነጸረ ዕላማ፥ ገሊጾሞ፥ ስለዝኾኑ፥ ነቲ ጉድለታት ውን ኣብ፣ 13 ነጥቢ ጾሚቆም ኣቕሪቦሞ፥ ስለዝነበሩ" ነቲ ዝረአ ዝነበረ ጉድለታት ብምልኡ ስለዝዘርዘርዎ። ኢሰያስ ንሙሴ እንታይ ኢልዎ መስለካ? ኣነ'ሲ ልዕሊ መሪሕነት ናዓኻ፥ ኣሚነ ዝኾነ፥ ምስጢራት ናይዚ ውድብ፥ ወላ ካብ መሪሕነት ሓቢአ ናዓኻ ይነግረካ' ነይረ፥ ኢልዎ፤፥ ኣነ ዝፈልጣ ንስኻ ዘይትፈልጣ ኣብዛ ውድብ' የላን፥ መኽንያቱ ዝኾነ ነገር፥ ምሳኻ'የ ዝመክር ነይረ ኢልዎ፥፥
ነዚኣ ግን ሙሴ ኣይክሓዳን፥ እወ ሓቅኻ ኢልዎ። ዝኾነ ምሳይ ትመክር ኔርካ፥ ንሱ ግን ኣይኮነን ሕጂ ንዓይ ምንጋርካ ኣይኮነን፥ ኣብ ምውሳን ግን ዕንቅፋት ትኾነና ኔርካ ኢልዎ። ስለዚ ናዓይ ነጊርካኒ፥ እንድሕር፥ ኣብ ውሳነ ዘይንበጽሕ ኬና፥ እንታይ እዩ ትርጉሙ? ኢልዎ፣፣ ሕጂ ክትዋራዘየለይ ግን ፈቲንካ ኢልዎ ሙሴ ንእሰያስ፥፥ ከም ተካፍለኒ ዝነበረ ጌርካስ ክትዋራዘ ሓሲብካ ኢልዎ። ንዓይ ኣካፊልካ ውሳነ ዘይህበሉ ኮይነ! እንታይ እዪ ትርጉሙ? ኢልዎ።
ሕጂ እዚ ናይ 1973 ዝነበረ ጸገም ብዝርዝር ኣቅሪቦሞ'ዮም። ዳሓር ብዙሕ፥ ነጥብታት እዩ ተዘርዚሩ፥ ነይሩ፥ 1973 ወላ እቲ ውድብ ክሕዞ ዘለዎ ኣካይዳ፥ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ፥ ብምልኡ ዘርዚሮም ኣቅሪቦሞ'ዮም። ወላ ሕክምና ብኸመይ ክምሓደር ኣለዎ? ዜና ብኸመይ ክምሓደር ኣለዎ? ወትሃደራዊ፥ ኣካይዳ፥ ከመይ ክኸይድ ኣለዎ? ከመይ ዝበለ ናይ ካርታ ትምህርቲ ክዋሃብ ኣለዎ? ቤት-ምህርቲ ካድር ክቀዎም ከምዘለዎ፥ ብዙሕ ነገራት እዮም ኣቅሪቦም ዕላማ ነይርዎ ናይ 1973 ናይ የሚን ምንቅስቃስ' ግን ኣብቲ ክንቀሳቀሱ ጸኒሖም፥ የሚን ኢሎም ስም ሂቦሞም። የሚን ሓደ ዝተነጸረ ዕላማ ሒዞም ኣንጻር ኢሰያስ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ኣይነበረን። እታ ምንቅስቃስ ናይ የሚን፥
ብዓል ተኪኤ ቀሺ፥ ክንቀሳቀሱላ ዝጀመሩ፥፥
ፔጥሮስ ሰለሙንን ስብሓት ኤፍረምን ኣብ መሪሕነት፥ ኣብ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ምስ መጹ፥ 1977 ንሕና ብመንካዕ ኣይንምራሕን ኢና፥ ዝብሃል ዘረባ መጺኡ፥፣
ሕቶ--- ፔጥሮስ ሰለሙንን ስብሓት ኤፍረምን ኣብቲ ናይ 1973 ናይ ገስገስቲ ምሁራት ወይ ድማ (መንካዕ) ስለዝነበሩ' ድዮም፥ እቶም ናይ የሚን ብመንካዕ ኣይንምራሕን ዝብሉ ነይሮም??
መልሲ---እወ መንካዕ እዮም ነይሮም መንካዕ ስለዝነበሩ ድማ ኣብ 1975 ናይ ሞጦሎኒ ኣዘዝቲ እዩ ገይርዎም፡ኢሰያስ፥ ብዓል ተኪአ ቀሺ ካኣ መራሕቲ ሓይልታይ እዮም፣፣ ሕጂ ኩሎም እቶም፥ ብዓል ውጩ ብዓል ተኪኤ ቀሺ፥ ዘለውዎም ኩሎም ኣብቲ ናይ ሓይሊ እዮም ዘለዉ። ልዕሊኦም ስለዝመጹ ንሳቶም ሕጂ፥ ካብ ተራ ካኣ እዮም ናብ ላዕሊ መጺኦም፥ ብዓል ውጩ ተኪኤ ቀሺ ብመንካዕ ኣይንምራሕን ኢና ክብሉ ጀሚሮም።
ሕጂ ብዓል ተኪአ ቀሺ መሪሕነት፥ስ ካብ መንካዕ ኣድሒናያስ፥ መሪሕነት መሊሳ ተገምጢላትና ይብል ነይሩ፥ ኩሎም ኮምኡ እዮም ዝብሉ ነይሮም እቶም፥ ኣብ የሚን ዝነበሩ። ንመሪሕነት'ስ ብኻ መንካዕ ፈኒናላ፥ ተጣላቕያ ዝነበረት ካብ መንካዕ ኣናጊፍናያስ፥ ንዓና ተገምጢላ ከምዚ ክትገብረና፥ ናበሉ፥ ኩሎም ክዛረቢ ጀሚሮም። እዚ ግን ስግሚ ከኺዶም ኣይክኣለን። ዳሓር ሓንቲ ክትፈልጣ ዘለካ ኢሰያስ ኣብቲ፥ ኣመዳድባ ናይ መሪሕነት፥ ትዓጻጺፍሎም'ዩ። እታ 13 ዝኣባላታ፥ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ክትቀውም ከላ፥ እቶም ካብቲ ከበሳዊ ወገን፥ ኣብቲ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ዝተመርጹ፥ ዳርጋ ኩሎም ኣብቲ ምንቅስቃስ፥ ኣይነበሩን ብዘይካ፥ መስፍን ሓጎስ፥ ብርሃነ ገብረዝግኣብሄር ኣብቲ ምንቅስቃስ ኣይነበረን፥ ብርሃን ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ስለዝነበረ፥ ኣብ ባሕርያ ተባሂሉ ዝፍለጥ፥ 1975 እዩ መጺኡና ከም ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ናብቲ ኣነ ዝነበርክዋ ናቕፋ፥ ኣብኣ ተመዲቡ ናብኣ'ዪ፡መጺኡና፥
እቶም ናይ ባሕሪ ዝብሃሉ፥ ኣጽዋር ብባሕሪ ስለዝመጽእ፥ በዚ ብዓል ማርሳ ጉልቡብ፥ ማርሳ ተኽላይ፥ ትሓቢኦም ኣጽዋር ኣምጺኦም፥ ዳሓር ቀቢሮም፥ ኮለል እዩ ናታቶም። ኣብ ሳሕል እንታይ ይግበር ኣሎ ኣይፈልጡን እዮም። ሕጂ ብዓል ብርሃነ ገረዝጊሀር ኣይነበረን ኣብቲ ምንቅስቃስ፣ ዑቅበ ኣብርሃ ከበሳ እዪ ነይሩ። ዳሓር ኣብታ ሽማግለ ካኣ ተመሪጹ ነይሩ። ድሩዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ። ኣይነበረን። ፔጥሮስ ሰለሙንን ስብሓት ኤፍሬምን ኣብቲ ናይ 1973 ናይ መንካዕ ምንቅስቃስ ነይሮም። መስፍን ሓጎስ ድማ ምስ ኢሰያስ ነይሩ ሕጂ ከምዚ ጌሩ ሓዋዊሱ እዪ ኣቂምዎም ነይሩ። እቶም ፍርዲ ዝሃቡ ብዓል ኢብራሂም ዓፋ፥ ንሞት ፍርዲ ዝሃቡ፥ መሪሕነት ካኣ፥ ናታቶም ተግባር እያ ኣፈጺማ እንድዩ ዝብል ኢሰያስ፥ ናብ ብዓል ኢብራሂም ዓፋ' እዪ ዘልግቦ እኮ፡ኢሰያስ ነቲ ናይ 1973 ትሓታትነት፥፥ መሪሕነት ኣይኮነትን ንሞት ፈሪዳ እዪ ዝብል፣ እታ ዘውጻናያ ሽማግለ ንሳ እያ ንሞት ፈሪዳቶም፥ መሪሕነት ካኣ ተግቢራ እዩ ዝብል። ሕጂ ባዓል ኢብራሂም ዓፋ ድማ ንመን'ዮም ዝፈርሑ ዘለዉ ይመስለካ? ነቲኦም እዮም ዝፈርሕዎም ኣብ ዝኾነ ግዜ ክግምጥሉና ይኽእሉ እዮም'ዮም ዝብሉ፥ ስለዚ ጽቡቕ ገይሩ እዩ፥ ከምዝፋራርሑ ገይሩ ሒዝዎም፤፥
9ይ ክፋል ይቕጽል.........
ሄኖካ ሃኒ
ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተ/ምካኤል (ቅሱን)
ብዛዕባ ታሪኻዊ ሰውራ ኤርትራ፥
9ይ ክፋል
ስለ'ዚ ንሓድሕዶም ከምዝፈራርሑ ጌሩ ሒዝዎም'ዩ። ሕጂ እቶም መራሕቲ ሓይልታት ከም ብዓል ተኪኤ ቀሺ ብመንካዕ ኣይንምራሕን ኢና ዝብል ፋሉላዊ ኣካይዳ ክኸዱ ጀሚሮም' ነይሮም። ኩልና ካብታሕቲ ወሪድና ንሰርሕ እንተዳኣ ኣለና! ከምዚ ናበሉ ክዛረቡ'ስ መን'ዩ ክቕበሎም? ንሕናስ ሓላፍነት ይግባኣና እንድዩ ዳኣ ብዓይኒ ሓቂ እንተዳኣ መጺኻ! ግን ዝገብርዎ ዝነበሩ ህልኽ፥ ኣብ ዝኾነ ናታቶም ገበናት ውን ስለዘይንኣቱ፥ ኣይግድሰናን ኣዩ ሂቦምና ኣይሂቦምና፥፥ ልዕሊ ወዲ ፍላንሳ ዝተጨፍለቐ ሰብ እኮ የለን! ወዲ ፍላንሳ ኮ፥ ተራ ኣውሪሞ'ስ ነቲ ኩናት ካኣ ባዕሉ ይመርሖ። ኩናት ወዲ ፍላንሳ፥ 1974 ዝተገብረ ኩናት፥ ኣብ ናይ መጣግሕ ዝብሃል ቦታ፥ ኣብ ከበባ ኣትዮም፥ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ተራ ደረጃ'ዪ ወሪዱ ነይሩ። እታ ኩናት መሬት ምስ ጸንቀረት፥ ኣንሳሕቡ ዝብል ትእዛዝ፥ ኢብራሂም ዓፋ ኣሕሊፉ ኢብራሂም ዓፋ ንኡስ መራሒ ሓይሊ'ዩ ነይሩ ሽዑ፥ ወዲ ፍላንሳ ራድዮ መንጢሉ ካብ ዓሊ ጆን! ውጉኣትና ከነውጽእ ኢና፥ ክንከላኸል ኢና፥ ዉጋኣትና ከይወጹ ድማ ኣብዚኣ ዝወጽእ የለን፥ ኢሉ ብዙሕ'ዩ ተገይሩ።
ሕጂ ኢብራሂም ዓፋ፥ ውጻእ ኢልዎ፥ ወዲ ፍላንሳ ሽዑ ኣብ ራድዮ ንኢብራሂም ዓፋ ጸሪፍዎ። ውጉኣት ገዲፍካ ክትሃድም ገለ ኢልዎ። ውጉኣተይ ሒዘ ክወጽእ እየ ክንራኸብ ኢና ኢልዎ። ኣብዚ ሳዓት ግን ወዲ ፍላንሳ ተራ'ዩ ዘሎ! ተራ ከሎ'ዩ ከምዚ ዝገብር ዘሎ፥ ራድዮ መንጢሉ ነቲ ኩናት ባዕሉ መሪሕዎ። ኣብ ከምዚ ጽንኩር ኩነታት ክመርሕ ዝኽእል ሓያል፥ ሰብ እዪ ነይሩ። ካብቲ ዝነበሮ ናይ መራሒ ሓይሊ፥ ደረጃ ኣውሪዶም፥ ናብ ታራ እዮም ገይሮሞ' ነይሮም። ስለምንታይ ተራ ኮይነ ግን ኣይበሎምን። ይራጋረግ ነይሩ፥ ዳሓር ዘርባዕባዕ ምስ ኮነ ድማ ባዕሉ መሪሕዎ ነቲ፥ ውግእ። ሕጂ ንሕና፥ ነታ ራድዮ ንሰምዓ ዘለና፥ እቲ ውግእ ጸንኪሩ ስለዝነበረ፥ ክንመጽእ ስለዝነበረና፥ ኪዳነ ጎቦዝ ዝብሃል'ዩ ነይሩ፥ መራሒ ሓይልና፥ ወዲ ፍላንሳ ክጻረፍ ምስ ሰመዖ፥ ነገር ጸንኪራ ኣላ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ከምዚኣ ዓይነት ኩነታት እንተዳኣ በጺሑ፥ ብጾትና ተገዲዖም ኣለዉ፥ ጉየዩ፥ ኢሉና።
መኽንያቱ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ከምዚ እንተዳኣ በጺሑ፥ መሬት ጸንኪራ ኣላ፥ ቀልጢፍና ከነድሕኖም ኣለና፥ ኢሉና። ሕጂ ንሕና፥ ኪዳነ ጎበዝ መሪሑና፥ እንዳ'ጎየና ኢና ንኣቱ ዘለና። ወዲ ፍላንሳ ካኣ ነቶም ዉጉኣት ሒዝዎም ወጺኢ፥ ነታ ሓይሊ ሒዝዋ ወጺኡ። ሓደ ዉጉእ ኣየትረፉን፥ ሓደ ስዉእ ጥራይ ብርሃነ ኣንጀሎ፥ ዝብሃል ተሪፉ፥ ንሱ ካኣ ክከላኸል እየ ንስኻትኩም ውጹ ኢልዎም፥ ዳሓር፥ ብርሃነ ኣንጀሎ ካብቶም ናይ 1973 ምንቅስቃስ፥ ካብቶም ቀንዲ ስለዝነበረ፥ ናቱ ጅግንነት ድማ ዓቢ መዛረቢ' ኣርእስቲ ኮይኑ፥ መኽንያቱ ብርሃነ ኣንጀሎ፥ ምስ ፔጥሮስ ሰለሙን ብሓንሳብ ዝተሰለፈ፥ ተማሃራይ ዪንቨርስቲ፥ ብሓንሳብ እዮም ተሰሊፎም፥ ኣዕሩኽ እዮም ነይሮም። ሕጂ ንኻልኦት ታሕቲ ኣውሪድካ' ክትጨፋልቕ ጸኒሕካስ ዳሓር' ብመንካዕ ኣይንምራሕን ኢና' ክብሉ? ንሕና ከማን ብኣኣቶም ተመሪሕና! ሕጂ ኮምኡ ክብሉ ከለዉ፥ ሰብ፥ ኪዒባቶም እያ።
ዳሓር ዘረበኦም ይኸፍእ ንሕና ንመሪሕነት ካብ መንካዕ ኣድሒናያስ ተገምጢላትና! ከምዚ ሕጂ ዓንድምኪኤል ካሕሳይ ዝብሎ ዝነበረ ቅድሚ ምማቱ፥ ንመሪሕነት'ስ እዚ ኩሉ ንሕና፥ ተኸላኺልና ኣብዚ ዘብጻሕናያስ፥ ሕጂ ካኣ ናዓና፥ ተገምጢላትና እንበለ፥ መስተን ጸርፍን ኮይኑ ዝነበረ፥ መወዳእታ ድማ ኣካሪጆሞ! ሕጂ እቲ ናይ የሚን ምንቅስቃስ'ሲ? ሃገራውን ዘይሃገራውን ኣይኮነን፥ ከም ሓደ ጥርኑፍ ጉጅለ ከምዚ ናይ 1973 ናይ መንካዕ፥ ራኢ ዝነበሮ ጥርኑፍ ምንቅስቃስ ኣይኮነን ነይሩ። ክትቀምሎም ጸኒሖም ዳሓር የሚን ኢሎም ኣሕቂቆሞም። ሕጂ የሚን ኢሎም ክሕቅቅዎም ከለዉ ድማ፥ መሳኪን ዳርጋ'ቶም ሓረስቶት'ስ ክእረሙ ዝኽእሉ ሰባት'ዮም ነይሮም። ብቀሊል ኣብ መስመር ክመጹ ዝኽእሉ ሰባት እዮም ነይሮም። ወይ ካኣ ከም ብዓል ውጩ ኣጽቅጥ ከብሉ ነይርዎም ውጩ፥ ካብቶም ቀንዲ መዕገርገርቲ'ዩ ነይሩ፥ ኣብቲ ኣውራጃዊ ምንቅስቃስ፥ ካብቶም ቀንዲ እዪ ነይሩ። ከምዚኣ ምንቅስቃስ ምስ መጸት ግን ሸረፉ ሒዙ ኣጽቕጥ ኣቢሉ። ሰጊርዋ!
ሕቶ----መቸም' እዚ ኩሉ ትሓሊፉ፥ እዚ ኩሉ ሕልኽላኻት ተሰጊሩ፥ ኣብ ናይ 70ታት ማለት'ዩ። 80ታት ምስ ኣተወ ውን በብውልቂ፥ በብሓደ ተባዓት እዮም ዝበልዎም፥ ብዙሓት ተጋደልቲ ተቐቲሎም እዮም። ከም ብዓል ኢብራሂም ዓፋ ኮምኡ ውን ንጹር ዘይኮነ ናይ ብዓል ወልደምካኤል ሃይለ፥ ነዚ ብኸመይ ኢኻ ትገልጾ??
መልሲ----ናይ ኩሎም እኮ ንጹር ኣይኮነን ናይ ወዲ ፍላንሳ፥ ወልደምካኤል ሃይለ፥ ሓመድ ዓሊ ክለይ ናይ ብዓል ሃብተማርያም፥ ናይ ኢብራሂም ዓፋ፥ ናይ ኩሎም እኮ ንጹር ኣይኮነን፥ እቲ ኣቀታትላ! እቶም ንጠቅሶም ብዙሓት እዮም ብዓል ወዲ ዘርአ ብዓል ዶክቶር መኮነን ሃይለ፥ ኣቀታትሎኦም ግን ንጹር ኣይኮነን፥ ክምርመር ኣለዎ/ ናይዚ ሓላፍነት ዝስከም ሰብ ክህሉ ኣለዎ። መኽንያቱ እቲ ተጻብኦ ስለዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ'ዞም ሰባት እዚኣቶም ስጉምቲ'ዪ ተወሲዱ ኢና ንብል ዘለና። ናይ ወዲ' ፍላንሳ' ስ ሓደ ዓቢ መራሒ'ዩ ነይሩ። ኣብ ኩናት እቲ ዘይጻዓት፥ ዓቢ መራሒ ከምዝኾነ፥ ኩሎም እዮም፥ ዝምስክርሉ ወላ እዞም ሕጂ ዘለዉ ጀነራላት፥ ወላ ኮነሬላት፥ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ፥ ብዛዕባ ኩናት ክዛረቡ እንተዳኣ ኮይኖም፥ ወዲ ፍላንሳ ከይጠቀሱ ክሓልፉ፥ ኣይክእሉን'ዮም።
ከመይ ኢሉ ጠፊኡ ንዝብል፥ ሕቶ? ዕበጦ ዕበጦ እታ ኣሃዱ፥ ከይትንገር፥ ናይ ወዲ ፍላንሳ መስዋእቲ ክሕባእ እዪ ተፈቲኑ፤፥ ስለምንታይ ክሕባእ ተፈቲኑ? ናይ ኢብራሂም ዓፋ፥ ዓመትን' ገለን እዪ ትሓቢኡ! ኣነ ናይ ኢብራሂም ዓፋ መጀመርያ ክሰምዕ ከለኹ፥ ከመይ ጌረን ኣትየነኦ ነቲ ቦታ፥ ከመይ ጌረን ሃዲመን ወጺአን? ናይ ኢብፋሂም ዓፋ ሕጂ ዘይመስል'ዪ ነይሩ። ግን ንሕና ዘይንፈልጦ ሓደ ነገር ነይሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ፥ ኣብ ሞንጎ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኢብራሂም ዓፋን፥ ባእሲ ከምዝነበረ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። መኽንያቱ ኣየርእዩኻን እዮም እታ ሰልፊ፥ ግን ትፈልጥ ነይራ እያ፥፥ ሕጂ ድሕሪ 1994 እታ ሰልፊ፡ከምዝነበረት፥ ምስ ፈለጥና፥ ብዛዕባ'ዚ ሰባት ኣዕሊሎምና'ዮም። ንሕና ንፈልጥ ኔራ ይብሉኻ እቶም ኣባላት ሰልፊ እቶም ተራ፥ ኣባላት ሰልፊ፥ 1976/77 ተወዲብና ዝብሉ፥ ይነግሩና ነይሮም ባእሲ፥ ከምዝነበረ፥ ተኽላይ ዓደን ዝብሎ ዝነበረ ሓቂ እዩ ኢሎምና፥ እቲ ጉጅለ፥ ኣብ ሞንጎ ኢብራሂም ዓፋን ኢሰያስን ምስሕሓብ ኣሎ፥ ኢሉ ተኽላይ ዓደን ኣብ ራድዮ ኢትዮፕያ ተዛሪቡ፥ ኣብ 1980፥ ተዛሪቡ፥፥
ሕጂ ንሕና እቲ ብረድዮ ኢትዮፕያ ዝብሃል፥ ኩሉ ግዜ ብሓሶት ኢና ንጥምቶ ኔርና። ምግናን ካኣ ስለዝነበሮ ኣይትቕበሎን ኢኻ። ግን እቲ ተኽላይ ዓደን ዝተዛረቦ ሓቂ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ሳዓት ተኽላይ ዓደን ዝተዛረበሉ ፈሊጦም ራድዮ ከይንሰምዕ፥ ጉጅለታት ባህሊ ኣዋፊሮም። እታ ተኽላይ ዓደን ዝተዛረበላ ምዓልቲ፥ ክዛረብ ከምዝኾነ ኣብ ራድዮ ኢትዮፕያ፥ ሳዓት 8፥00 ስለዝኾነ ዝዛረብ፥ ኣብ ራድዮ ኣስመራ ኣይኮነን ተዛሪቡ ኣብ ራድዮ ኣዲስ ኣበባ'ዪ። በምሓርኛ'ዩ ተዛሪቡ።
ኣነ ሕጂ ባህሊ ኣይከይድን እየ ክሰምዖ'የ እንታይ ከምዝብል ኢለዮም፥ ኖ ኖ ጠርኒፍካዮም ክትከይድ ኣለካ ተባሂለ፥ ንሳቶም ባዕላቶም ይኺዱ ኣነ ካኣ ነዛ ራድዮ ክሰምዓ'የ! ተኽላይ ዓደን ክሰምዖ እየ! እንታይ ከምዝብልስ ክሰምዖ ደልየ ኣለኹ። ናይ ግድን ክትከይድ ኣለካ ምስተባሃልኩ ከይደ ኣብጺሐዮም፥ ተመሊሰ፥ ናብቲ ቦታና መንገዲ ሓደ ሳዓት ይኸውን'ዩ። ነታ ናይ ተኽላይ ዓደን ክሰምዕ' መጀመርታ ተኽላይ ዓደን ዓርከይ፥ዩ ነይሩ፤፣ መሳልፍተይ እዪ መትዓልምተይ'ዩ። ዳሓር ዳሓን ቅርበት ነይሩና'ዩ። ብዙሕ ድማ የዕልለኒ፡ነይሩ'ዩ። ኣብታ ግዜ'ቲኣ ግን ምህዳሙ ገሪሙኒ'ዩ። እንታይ ኣጋጢምዎ፡ኢለ ሓቲተሉ እየ ካኣ' ወላ ምስቶም ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት' ይሓቶም ነይረ፤፥ ኣነ'ኮ እቶም ዝሓቶም ዝነበርኩ ሰባት የቕርቡኒ ስለዝነበሩ እዮም ዘየረከሱኒ እንበር ስቕ ኢለ ዝሓትት ነይረ።
ሕቶ----ኮምኡታት ምሕታት ኣይፍቀድን'ዩ ማለት' ድዪ?
ኖ ኣይፍቀድን ዘይኮነስ መን ክኽልክለካ፣ ግን ምስ መን ትዛረብስ ክትፈልጥ ኣለካ፥ እቶም ኣባላት ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ኣብቲ መጀመርያ ምሳና ስለዝነበሩ፥ ካብ ቀደም፥ ብቐረባ'ዮም ዘዕልሉና፥፥ኣነ ሕጂ ኣብ ሕክምና ተወጊአ ከለኹ፥ ሓላፊ ናይ ሕክምና ዝነበረ ብርሃነ' ገብረዝጋብሄር እዩ፥ ብደረጃ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፥ ኣብዚ ኩሉ ቦታታት ኣብ ግንባራት፥ ጸኒሐ ናብቲ ሕክምና ክመጽእ ከለኹ፥ ብርሃነ ኣብታ ኣነ ዘለኽዋ እዩ ዝመጽእ ትኽ ኢሉ፤፥ መኽንያቱ ምሳይ ከዕልል ዘሎ ኩነታት ካኣ ደቂሰ ከለኹ ካብ ብርሃነ ገብረዝጋብሄር፥ ዝዓበያ ምስጢራት ዝብሃላ፥ ወላ ክግበር ትሓሲቡ ዘሎ መደባት ይነግረኒ ነይሩ፤፥
ሕጂ እዚ ናይ ኢብራሂም ዓፋን ኢሰያስን ግን ምስጢሩ፥ ሑቡእ እዩ ነይሩ ናዓና፥ ባእሲ ከምዝነበሮም ኣይንፈልጥን ኔርና፣፣ እቲ ነገር ግን እንታይ ይኾነካ ሕጂ ከመይ ኢለን ወጺአን ትብል፥ ከጋጥም ኣይክእልን እዩ ኢኻ ትብል። ባእሲ ከምዝነበሮም ተጋዳላይ ይፈልጥ ነይሩ እንተዝኸውን ምበጽሓ ነይሩ ነታ፥ መደምደምታ፥ ንሳቶም ግን እቲ ባእሶም ሓቢኦሞ'ዮም። ኣይረአን እዩ፣ እቶም ኣባላት ሰልፊ ኣብ በይኖም ዝገብርዎ'ዩ፣፣ ኣብኣቶም ይረአ ነይሩ፥ ኣባና ግን ኣይረአን'ዩ። ብዙሕ ሕልኽላኻት እዩ ነይርዎ።
ሕቶ---እዚ ናይ ኢብራሂም ዓፋ ምቕንጻል ድሕሪ ዓመትን'ገለን እዩ ተሰሚዑ?
መልሲ--- እወ ኣብ ጉባኤ እዩ ተነጊሩ። ኣብ ጉባኤ ብደረጃ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብታ ቆዋሚት ሽማግለ ውን ስለዝነበረ ኢብራሂም ዓፋ፥ ኣርብዕተ እንድዮም ነይሮም እቶም ቀዋሚት ሽማግለ፥ ዝብሃሉ ንሱ፥ ወትሃደራዊ ሓላፊ ስለዝነበረ፥ ድሩዕ ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ ነይሩ፥፣ ኢሰያስ ምኽትል ኣቦወምበር፥ ሮሞዳን ኣቦወምበር እዚኢም እዮም፥ ቀዋሚት ሽማግለ ዝብሃሉ፥ ናይ ህዝባዊ ግንባር፥ ዝላዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም፥፥
ሕቶ----ኣብዚ ሳዓት እዚ ሕጂ ብዓል መስፍን ሓጎስ እንታይ ዓይነት ተራ ነይርዎም? ኣቤናይ ጽፍሒ ኮይኖም፡ዝሰርሑ ነይሮም? ኣካይድኦም ምስ ሰራዊት ከ ከመይ ነይሩ?
10ይ ክፋል ይቕጽል.....
ሄኖካ ሃኒ share
12ክፋል ይቕጽል........
ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ተስፋምካኤል (ቅሱን)
12ክፋል
ህዝቢ ረሲኑ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዓው ኢልካ ክትዛረብ ብኸዳዕ ከፍልጠካዩ፣ ንኢሰያስ ግን ግደፍ ኣየድልን'ዩ ኩናት ትብሎ። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኩናት ጠጠው ምስ በለ፥ እዚ ኩሉ ዝግበር ሕድገት፥ ሕጂ ግን ሕድገት ኣይንገብርን ኢና ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም። መኽንያቱ! እንዳ'ከፍአ ከይዱ። ሓደ ነገር ተገይሩ ሕደግት ጌርካ ትገድፎ ሓደ ተገይሩ ብሕድገት ትሓልፎ! ሕጂ ግን ሕድገት ዘግብር ኣይኮነን፥ መኽንያቱ፥ ልዕሊ 30 ሽሕ መናእሰይ እዮም መይቶም!! ስለዚ ሓላፍነት ክስማዓካ ኣለዎ ናይዞም ዝጠፍኡ መናእሰይ።
ኣብ ሓደ መደምደምታ ከተብጽሖ ክትክእል ኣለካ። እቲ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ግን ኣብ መወዳእታ ጠጠው ኣይንብልን ኢና ካብዚኣ ንድሓር፥ ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ክገብር ውን ከነፍቅደሉ የብልናን ህዝባዊ መንግስቲ ቆይማ፥ ግቡእ ስርዓት ክትከል ክኽእል፥ኣለዎ! ተባሂላ መደምደምታ፥ ተገይሩላ።
ኢሰያስ ከምዘይምረጽ ውን ይፈልጥ ነይሩ'ዩ። መኽንያቱ ቅድሚ'ቲ ምርጫ ናይ ውድብ ጉባኤ ክግበር ኣለዎ፥ ተባሂሉ'ዩ ተወሲኑ። ህዝባዊ ግንባር ጉባኤኣ ክትገብር ኣለዋ፥ ፓርትታት ክቆማ ኣለወን፥ ህዝባዊ ግንባር ካኣ ፓርቲ ድዪ ክኸውን? ወላ ካልእ ድዩ ክኸውን! ብጉባኤ ይወሰን ተባሂሉ፥፥ ሕጂ ጉባኤ እንድሕር ክቀርብ ኮይኑ፥ ኢሰያስ፥ ክጥቃዕ ከምዝኾነ' ይፈልጥ'ዩ። ጉባኤ ኣይገብርን እየ ኢሉ፣ እታ ቅዋም ተተግቢራ፥ ምርጫ ከይግበር፥ ደመደይ ኢልካ ኣብ ዲቕ ዝበለ፥ ፋሉላዊ ኣካይዳ ኣትዩ፥፣ እንበር ጉባኤ እንተዝግበር ኢሰያስ ከምዘይምረጽ 100% ርግጸኛ እየ እዩ ዝብል ድሩዕ። ጉባኤ እንድሕር ተገይሩ፥ ኣብኡ ዝትኮስ፥ ብዙሕ፥ ነገራት ስለዘሎ፥ ኢሰያስ፥ ከምዘይምረጽ ርግጸኛ እየ ይብል ነይሩ ድሩዕ። መኽንያቱ ካብ 1994 ጀሚሮም ዝገብርዎ ዝነበሩ ምስሕሓባት፥ ብፍላይ! ብፍላይ! እዚ ናይ ቆጠባ ህዝባዊ ግንባር፥ ዝብሃል፥ ጉባኤ ናይ ናቕፋስ፥ እንታይ ኣሕሊፊ ነይሩ እዮም፥ ዝብልዎ? እቲ ቆጠባ ናይ ህዝባዊ ግንባር ንደቂ ስዉኣት ንደቂ ስንኩላን'ዩ ተባሂሉ ነይሩ። ህግደፍ ግን ዕጭ ሓንፊፎም ናቶም ገይሮሞ!! እዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣኼባ ተዘሪቡሉ'ዩ። ኣብ መወዳእታ 1997 ድማ ንኢሰያስ ነጊሮሞ፥ እዮም። ጉባኤ ክግበር'ዩ ሕጂ ንነግረካ ኣለና ኣብ ጉባኤ ኣሕሊፍና ክንህበካ ኢና ኢሎሞ'ዮም።
እታ ክቀትሎም ዝግባኣላ ግዜ ሓሊፋቶ ተዛሪቦም ንሶም፥ እንበር ብዙሕ ጥንቃቀ'ዩ ዝግበር ነይሩ ንኸይቅተሉ።
ሕቶ---ሐራይ ኣብዛ ናይ G15 ግን! እዞም ጉጅለ 15 ኢዶም እያ ረኺባቶም፥ ኣብ ሳሕል ብዝገብርዎ ዝነበሩ፥ እንቋዕ ረኸቡ፥ ዘይባዕላቶም እዮም ንኢሰያስ ተሰኪሞሞ፥ መጺኦም፥ ዝብሃል ዘረባ'ኣሎ፥ ብዛዕባ'ዚ እስከ ገለ በለኒ??
መልሲ----ንሳቶም ባዕላቶም መሊሶሞ'ዮም። ባዕላቶም መልሲ ሂቦምሉ እዪም።
ብርሃነ ገብረዝጋብሄር፥ ኣብ ጋዜጣ ጽሒፉ'ዩ። ንሕና፥ እሺ እንዳበልና ንኸይድ ኔርና እንተ'ንኸውን፥ ካብ ሓላፍነት ዝዓግተና ሰብ ኣይምነበረን ኢሉ'ዪ። ብርሃነ ገ/ብሄር ምሽ፥ ምኒስተር ነይሩ? መጀመርያ ሚኒስትሪ እንድስትሩን ትሪዚምን እዩ ነይሩ። ስለዚ እሺ ስለዘይንብል ካብ ዝኾነ ቦታ ንእለ ኔርና ኢሉ።
ድሩዕ ውን፥ ኣብ ሕጊ ኣቕርቡና። ሰብ በብዝገበረቶ ኣብ ሕጊ ትቕረብ። ናብ ሕጊ ንኺድ፥ ኢሉ'ዩ። ብሓባር ንሕተተሉ ብሓባር ክንሕተተሉ ኢና ኢሉ፥ ብውልቂ ንሕተተሉ ድማ ብውልቂ ንሕተተሉ፥ ኢሉ፥ እዩ ድሩዕ። ብውልቅን ብሓባርን ዝተፈጸመ ገበናት ኣሎ' ኢሉ፥ ስለዚ ንሕና ካብቲ ዝነበረ ጌጋታት ነጻ ኢና ኣይንብልን ኢና፥ ብሓባር ንሕተተሉን ብውልቂ ንሕተተሉን፥ ካብ ፕሬሲደንት ጀሚርካ' ኩላ፥ ኣብ ሕጊ ትቕረብ ኢሉ'ዩ ድሩዕ።
ንኢሰያስ ቆልቆል ዘብሎ ዘሎ፥ ግን! ብሓባር ንሕተተሉ፥ ብሓባር'ዩ፥ ይብሉ ኣለዉ እቲ ብውልቂ' ዝሕተተሉ ግን፥ ብውልቂ ይሕተት፥ ኩብሉ ከለዉ ናብቶም ብውልቂ ዝሕተቱ ስለዝቐንዕ ዘሎ! እታ ነገር ርድእቲ እያ ነይራ። ስለዚ ንሕና ግን ሓንቲ ክትፈልጥዋ፥ ኢሎም ንህዝቢ ካብ ዝጻሓፍዎ፥ ሰብ ጌጋታት ክገብር ጸኒሑ እዪ! ንሕና ብስቕታና ንህዝቢ ኤርትራ ደም ኣንቢዕና'ዮ ኢና!! ይብል ድሩዕ፥ እዚ ኣብ ጋዜጣ ተሰኒዱ ካብ ዘሎ'ዩ። ካብ ሕጂ'ንድሓር ግን ስቕ ኣይንብልን ኢና/ ይብሉ'ማለት'ዩ።
ስለዚ ከምዚ ይገብሩ ነይሮም ከምዚ ይገብሩ ነይሮም! ንዝብሉ ኣብቲ ጉዳይ ዝትኣማመንሉ'ነገር ስለዝነበሮ'ዮም ብሓባር ሓፍ ኢሎም። ኣነ ክነግረካ ብሓቂ ዓሊ-ስዒድ ብዙሕ ገበናት ዝፈጸመ ሰብ'ዩ። That's why ካብ መስተ ጠጠው ዘይብል። ብዘይ መስተ ጠጠው ክብል ኣይክእልን'ዩ። ተጸይሩ እዪ ድማ ዝኸይድ ንገዝኡ። ዓሊ ስዒድ ከም ኣባል ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፥ ቀጥታ) ሕጂ እቲ ምስጢር ናይ ሰልፊ ስለዘይንፈልጦ ዝነበርና እንበር፥ ስለምንታይ ዓሊ ስዒድስ ብድሩዕ ዘይእዘዝ ኢና ንብል ኔርና'ኖ! መኽንያቱ በቲ ናይ ውድብ ቅርጺ፥ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ትሕቲ ድሩዕ እያ ነይራ። መኽንያቱ ፖሎቲካዊ ሽማግለ፥ ሓለዋ ሰውራ፤ ህዝባዊ ምምሕዳር፥ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሎቲካዊ ንንቕቓሕ፥ ዜና፥ እዚአን ብምሉአን፥ ፖሎቲካዊ ሽማግለ እዩ ዝጥርንፈን። ስለዚ፥
ሸሪፎ፥ ስብሓት ኤፍረም ዓሊ ስዒድ፣ ኣልኣሚን፥ ኮታ እቶም ኣብ ፖሎቲካዊ ሽማግለ ዝነበሩ፥ በቲ ሕጊ ኣብ ትሕቲ ድሩዕ ክምእከሉ ይግብኦም። ግን እቲ ምስጢራዊ፥ ኣካይዳ እንታይ ይሰርሕ ኣይትፈልጦን ኢኻ።
13 ክፋል ይቕጽል..........
ሄኖካ ሃኒ